ኦ ደቀይ ስምዑኒ!

Written by :   Zac Poonen Categories :   Youth Man
    Download Formats:

Chapter
ክንበብ ዘለዎ

እዚ መጽሓፍ ንኣርባዕተ ኣወዳት ደቀይ ከይተመርዓ'ውን ካብ ገዛ ርሒቖም ከይዶም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ካብ ዝጽሓፍክዎ ደብዳቤታት (Email) ዝወጸ ጹሑፍ ዝሓዘ እዩ።መጀመሪያ ኣብ ኮለጅ ይምሃሩን ድሕሪኡ ክኣ ይሰርሑን ነይሮም። ኣብቲ ግዜ'ቲ ኣብ መጀመሪያ በጽሕታትን ኣብ ዒሳራታትን እዮም ነይሮም ።


ኣቦታት ንደቆም "ብመምሪሕታት እግዚኣብሄር" ክዕቢይዎም ተነጊርዎም እዩ። ስለዚ፥ መብዛሕትኡ እቲ ዝጽሓፍክዎ መምርሒታት ካብ ቃል ኣምላኽ ንጎይታ ዘፍቅሩ ክኾኑ ዝመርሕ እዩ።ካብ ግዜ ንእስነቶም ኣብቲ ሓቂ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ክስረቱ ደሊየ፥እዚ ስለ ዝፈልጦ ፥እዚ ጥራይ እዩ ንበይኑ ኣብ ካብ ማዕከል " ክፉኡን ዘማዊ ወለዶን" ክዕቅቦም ዝኽእል (ማቴ. 16:4)። ከም'ውን ናይ እግዚኣብሄር ቃል ብልክዕ ንኻልኡት ከካፍሉ'ውን ደሌ።


ንገለ ጉዳያት ብዙሕ ግዜ ኣብ ደብዳቤታተይ ደጋጊመዮን ኣድህቦን ገይረ እየ ፥ምኽንያቱ ካብ ካልእ ዝያዳ ኣገዳስነት ስለ ዘለዎም እዩ፥ገለ ጉዳያት ንሓያለ ግዜ ኣብ ሓድሽ ኪዳን'ውን ተደጋጊሞም እዮም፥ብምኽንያት ዝያዳ ኣገዳስነት ስለ ዘለዎም እዩ። ንቕድስና፥ንመስቀልካ ምጻር ናይ ስዓሪ ህይወትን ቀዳምነት ኣተኩሮ ገይረሉ እየ- ምኽንያቱ እዞም ኣገደስቲ ሓቅታት ብሓፈሻ ኣብ ክርስትና ኣድህቦ ዘይተገበረሎም እዮም።


ንደቀይ ኣብዚ ምዓልታት ብስሩዕ ንመልእኽትታት ካሴተይ ክሰምዕ'ውን ኣተባቢዔዮም። ሎሚ፥ ንመልእኽተይ ኣብ ዩቲዩብን ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ድህረ ገጽ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም።


ካብዚ መጽሓፍ ሓደ ምዕራፍ ኣብ ምምራጽ ናይ ህይወት መጻምድን ምምርዓውን ዝምልከት ዝሃብክዎ ምኽሪ ዝሓዘ እዩ።ኩሎም ኣርባዕቲኦም ንምኽረይ ሲዒቦም ናይ እግዚኣብሄር ዝኾና መንእሰያት ኣዋልድ ክኣ ተመርዔም። ከምቲ ኣብቲ ምዕራፍ ዝተገለጸ ።በዚ ድማ ኣዚየ ንጎይታ ኣመሲገነዮ እየ።


ኣነ እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ዘርኢ ጥራይ እየ ዘሪኤ። እግዚኣብሄር ንዘርእታተይ ማይ ኣስቲይዎም፥ መጊብዎን ኣብ ህይወቶውን ፍረ ኣምጺኡ ። ስለቲ ዕዩኡ ኣብ ህይወቶም፥ኣነ ንእግዚኣብሄር ኩሉ እቲ ክብሪ ይህብ።ሕጂ ልዕሊ 25 ዓመታት ገይሩ ኣሎ ንገለ ካብቶም ደብዳቤታት ካብ ዝጽሖፎም። ኣረኣእያ ሓደ ዓይነት ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ በቲ ኩሉ ዝጽሓፍክዋም ደው ይብል።


ኣብዚ ንኹሉ እቲ ደብዳቤታት ፥ነቲ ዕለታት ፥ሰላማታትን ክታምን ኣልጊሰዮ ኣለኹ፥ኣብዚ መጽሓፍ ዘግልግልዎ ስለ ዘይብሎም።


እዛ መጽሓፍ ንኸተንብባ ቀሊል ጥራይ ምእንቲ ክኸውን ኣብ ኣርባዕተ ምዕራፋት ተኸፊሉ ኣሎ። እቶም ምዕራፋት ብዝኾነ ቅድመ ተኸተል ቀዳምነት ኣይተኸፈሉን።


90% እቲ ንደቀይ ኣወዳት ዝጸሓፍክዎ ብማዕረ ንመንእሰያት ኣዋልድ'ውን ኣድላይነት ዘለዎ እዩ። ስለዚ ንሰን'ውን ነዚ መጽሓፍ ከንብብኣ ይኽእላ እየን።


እዚ መጽሓፍ ቀስ ኢልካ ክንበብ ኣለዎ፥ምኽንያቱ ብዙሕ ደብዳቤታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ዝሓዘ ስለ ዝኾነ።ኣብዚ "ዕጹም ስጋ" ኣሎ ፥ድማ ጥራይ "ጸባ" ኣይኮነን፥ስለዚ ለበዋይ ሓንቲ ምዕራፍ ኣብ ምዓልቲ ኣንብብን ደው ኣቢልካ'ውን ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ሕሰብን ኣብታ ምዕራፍ ዘሎ ሓቂ'ውን ውሰዶ፥ቅድሚ ንቕድሚት ምቕጻልካ ።ድማ ኣፍቅዱለይ ክምሕጸነኩም ንኹሎም ቃል ኣምላኽ ኣብዚ ዝተጠቐሱ ክትርኢን ከተሰንቱኑን።ኣብዚ መንገዲ ፥ህይወትካ መሰረታዊ ለውጢ ንዝበለጸ ክልወጥ ይኽእል እዩ- ኣብ ኣዚዩ ሓጺር ግዜ ።


እዛ መጽሓፍ ንኹሎም መንእሰያት ዘንብብዋ ንበረኸት ክትከውን ይጽሊ።


•ባንግሎር

ጥሪ 2017

ዛክ ፑነን

Chapter 1
ምዕራፍ 1

መደብ እግዚኣብሄር ንህይወትካ

ወደመዝሙር የሱስ ዋላ'ኳ እንተ ኾንካ፥ኣብ ህይወትካ ላዕልን ታሕትን ምባል ክቕጽል እዩ፥ ከምቲ ምስ ኩሉና'ውን ዝኾነ ።እንተ ኾነ ግን ፥እቲ ወደመዝሙር ክትከውን ዝወሰድካዮ ውሳኔ ዘይተቐየረ ኮይኑ ክጸሕ እዩ።ንየሱስ ብመንፈሳዊ ክትምርዓው ንዕኡ ንዘልኣለም ክትስዕቦ መሪጽኻ ኢኻ ።በዚ ውሳኔ ንድሕሪት ፍጹም ኣይትምለስን ኢኻ።ድማ ነዚ ውሳኔ ዝገበርካዮ ንዝኾነ ውልቃዊ ረብሓን መኽሰብን ኣይኮነን፥ግናኸ ጥራይ ብምኽንያት ኣዚዩ ዓቢ ዕዳ ናይ ምስጋና ንጎያታ ስለቲ ንሱ ዝገበረልካ ስለ ዝተሰምዓካ እዩ።ሕጂ ተፍቅሮ ኢኻ ምኽንያቱ ንሱ መጀመርታ ስለ ዘፍቀረካ።


ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ሕጂ ንዓኻ እቲ መንገድኻ መንገዲ ጽድቂ ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ካልእ ደረጃ ክኸይድ እዩ (ምሳ.4:18)። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝይዳ ክብሪ ዝመልኦ ንዓኻ ካብተን ዝሓለፋ ዓመታት- ዝዓብየ ደረጃ ንጽህናን ትሕትናን ፍቕርን ካብቲ ቅድም ዝነበረካ ክኸውን ይግባእ። እዚ ሸቶኻ ክኸውን ኣለዎ።


ከምእ'ውን እግዚኣብሄር ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ዝመጽእ ምዓልታት ንዓኻ ኣገልግሎት ኣለዎ።ስለዚ ፥ኩለን ምዓልታት ህይወትካ ንጽህና ትሕትና ፍቕርን ሸቶኻ ግበሮ፥ምኽንያቱ ጎይታ ዘይንጹህን ዕቡይን መዕቆሪ ክጥቀመሉ ኣይኽእልን እዩ።ከመይ ጎይታ ሃልሃል ዝብል፥ብመንፈስ ዝተመልኤ ንዕኡ ምስክር ይገብርካ።ንእግዚኣብሄር ድለዮ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክህበካ፥ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄርን ትሕትናን ሱር ሰዲድካን ተሰሪትካን ጽናዕ (ምሳ. 22:24)። እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ይሕልዎምን ንሱ ነቶም ትሑታት'ውን ጸጋ ይህብ እዩ።


ስምዒታትካ ይቀያየሩ እዮም ስለዚ ኽኣ ኩሉ ግዜ ክትድገፎም ኣይትኽእልን።እንተ'ኾነ ሓቀኛ መንፈሳውነት ዝቕመጥ ኣብ ውሳኔታትካ ንፍቓድካ ኣብ ጎኒ እግዚኣብሄር ምንባር እዩ።ስለዚ ንፍቕድካ ንትብዓት ምስኣን ክኣቢ ኣለማምዶ።ንኽስታት ሰይጣን በቲ ብኡ ንቡኡ ምስ ተነሳሕካ እቲ ካብ ኩሉ ሓጥያትካ ዘንጽሃካ ደም የሱስ ገይርካ ክኣ ስዓሮ (ራአ.12:11)።


•እቶም ንየሱስ ዝተቐበልዎ ሰባት


ቅንዕና እቲ እግዚኣብሄር ካብ ኩሉና ዝጠልቦ እቲ ቀንዲ ነገር እዩ።ኣብ መ.ዳዊት 51፥ናይ ዳዊት ልቢ ዘለዎ ኣተና ንርኢ፥እቲ እግዚኣብሄር ክቕበሎ ዝገበሮ (ዋሏ'ኳ ንሱ ምስ ሰበይቲ ዝሙት ፈጺሙን ድሓርውን ንሰብኣያ ቀቲሊዋ ክነሱ)። ብምንጽጻር ፥ናይ ሳኦል ክብሪ ምድላይ ኣተና ንርኢ (1 ሳሙ.15:30)፥እግዚኣብሄር ክነጽጎ ዝገበሮ እቲ ንእሽተይ ዝመስል ጌጋ ዝገበሮ እዩ።ቅንዕና ዘይምህላውን ግብዝናን ልክዕ ከም ንእሽተይ ለቢቶ ኣብ ብሑቕ እዩ።ንነዊሕ ክሕብኡ ኣይክእሉን እዮም። ውጺኢቶም ደንግዩ ወይ ቀልጢፉ ይግለጽ እዩ። ነዚኦም እከያት ካብ ዝኾነ ካልእ ንላዕሊ ክትፈርሖም ይግባእ።


ኣብ ግምት ይእትው ስለ ምንታይ ገለ ሰባት ናብ የሱስ ክመጹ ዘይክኣሉ ንሱ ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝንበረሉ ግዜ ፥


•ፈሪሳውያን- ምኽንያቱ ርእሶም ባዕሎም ዘጽደቑ ፥ንኻልኡት ይንዕቑን ፥ገዛእ ርእሶም ከም ቁኑዓት ዝወሰዱ ነይሮም።

•ጽሓፍትን ዶክተራት ሕግን - ምኽንያቱ ብትምህርቶም ብፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዕቡያት ነይሮም።

•እቲ ሃብታም ሓለቓ መንእሰይ- ምኽንያቱ ንሱ ንገንዘብ ኣዚዩ ኣፍቂሩን እቲ ሓደ ነገር የሱስ ክሓድጎ ዝነገሮ ክሓድግ ፍቓደኛ ኣይበረን።

•እቶም ክልተ ደቀመዝሙር ክኾኑ ተኽእሎ ዝነበሮም- ምኽንያቱ ኣዚዮም ምስ ስድርኦም ዝተተሓሓዙ ነይሮም።


ሕጂ ድማ ርኤ እቶም ብነጻ ናብ ጎይታ ክመጹ ዝኽኣሉ ሰባት፥


•እቲ ንጹግ ደውየ ዝነበሮ (ማቴ.8:1-4).

•እታ ሰበይቲ ኣብ ዝሙት ዝተትሓዘት (ዮው.8:1-11)።

•ጴጥሮስ ፥ዋላኳ ድሕሪ ንሱ ንጎይታ ሰለስተ ግዜ ምኽሓዱ (ዮው.21:15 -17)።

•እቲ ናይ ሮማ ወትሃደር (ማቴ.8:5-13)።

•እታ ከንኣናዊት ሰበይቲ (ማቴ.15:21-28)።


እቶም ክልተ ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ዝርዝር ዘለዉ እስራኤላውያን ኣይኮኑን።ከምኡ ክነሱ ግዳ ኣብ ወንጌላት፥ እዚኦም ክልቲኦም ጥራይ እዮም ጎይታ ኣብ ኣደባባይ በቲ ዘለዎም ዓቢ እምነት ዝንኣዶም።እዞም ሕጥቦ ጹሑፋት ኣንብቦም ድማ እቲ ዓሚቕ ትሕትንኦም ክትርኢ ኢኻ፥ ናብ ጎይታ ዘለዎም ኣተና።ዓቢ እምነት ኩሉ ግዜ ብቐረባ ምስ ዓቢ ትሕትና ዝተተሓሓዘ እዩ።እቲ ብመንፈስ ድኻ ዝኾነ ጥራይ እዩ ናብ ጎይታ ክመጽእ ዝኽእል፥ክኣ መንግስቲ ኣምላኽ ነኸም'ዚኦም ዓይነት ሰባት እያ ትብጻሕ።ነዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ህይወትካ ዘክሮ።