ተግባራዊ ወደመዝሙር

Written by :   Zac Poonen Categories :   Disciples
    Download Formats:

Chapter 2
Discipleship And The Home

•ወደመዝሙርን ስድራን (132) ኣብ ምልክያስ 2፥15 እግዚኣብሄር ንሰብኣይን ንሰበይቱን ዝፈጠሮም ንሱ ብእኦም ገይሩ እግዚኣብሄር ዝፈርሁ ቆልዑት ምእንቲ ክረክብ ከም ዝኾነ ነንብብ።ማንም ሰብ ቆልዑት ክዕቢ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ወደመዝሙር የሱስ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ቆልዑት እዩ ዝዕቢ። ድማ ነዚ እቲ ኣዚዩ ናይ መጀመሪያ ዝሓትት ብውሕዱ ሓደ ካብ ክልቲኦም እቶም ወለዲ ልባዊ ወደመዝሙር የሱስ ብሙሉእ ልቡ ንጎይታ ዘፍቅር /እተፍቅሮ ክኾኑ ኣለዎም።ናይ ፍርቂ- ልቢ ክርስትያናት ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዎም ቆልዑ ክዕብዩ ኣይክእሉን እዮም። ካልኣይ ኣገዳሲ ዘድሊይ ነገር ሓድነት ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ።እዚ ዘይክኣል ክኸውን ይኽእል እዩ እንተ ድኣ ሓደ ካብ እቶም መጻምዲ ወደመዝሙር እንተ ዘይኮይኑ።ሽዑ እቲ ሓደ መጻምዲ ንበይኑ ኣንጻር ሰይጣን ክቃለስ ኣለዎ፥ ንደቁ/ንደቃ። ግናኸ እንተ ድኣ ክልቲኦም ልባዊ ደቀመዝሙር ኮይኖም፥እቲ ስራሕ ኣዚዩ ቀሊል እዩ።እዚ እዩ ኽኣ ስለ ምንታይ እቲ ቅኑዕ ምርጫ ናይ ሓዳር መጻምዲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኸውን። ብናይ እግዚኣብሄር መንገዲ ቆልዑት ክትዕቢ ኣዚዩ ከቢድ እዩ እንተ ድኣ ሰብኣይን ሰበይትን ኩሉ ግዜ ንሓድሕዶም ዝብኣሱን ዝነቓቐፉን እንተ ኾይኖም።እንተ ድኣ ናይ እግዚኣብሄር ስድራ ክትህንጽ እንተ ደሊኻ ፥ሓድነት ምስ ሰብኣይኪ/ሰበይትኻ ብዝኾነ ዋጋ ድለ - ዋላ'ኳ ከም ውጽኢት ናይ'ዚ ብዙሕ መሰላትካ ደው ከተብል እንተ ኾንካ።ኣብ ዝተናውሔ ግዜ ዋጋ ዘለዎ ክኸውን እዩ፥ እቲ ደቅኻ ጎይታ ዝስዕብሉ መንገዲ ምስ ርኣኻ ። ኣብ መንጎ ክልተ ደቀመዝሙር ሓድነት ብርቱዕ ሓይሊ ኣለዎ።የሱስ ኣብ ማቴዎስ 18=18-20 ክልተ ደቀመዝሙር ኣብ ምድሪ ክሓብሩ ከለዉ፥ንንጥፈታት ሰይጣናዊ ሓይልታት ኣብ "ሰማያት" (ኤፌሶን 6=12) ክኣስሩ ስልጣን ኣለዎም ኢሉ ኣሎ። እዚ እዩ ከመይ ንርኹሳት መናፍስቲ ካብ ገዛናን ደቅናን ካብ ምጽላው ከነርሕቖም እንኽእል። ኣብ ኤፌሶን 5=22 ክሳብ 6=9 ፥ መንፈስ ቅዱስ ናይ ገዛ ዝምድናታት ይዛረብ-ኣብ ሞንጎ ኣንስትን ኣሰብኡትን ፥ቆሉዑትን ወለድን፥ኣገልገልትን ጎይቶትን።ብኡ ንቡኡ ብድሕሪኡ ፥(ካብ ጥቕሲ 10 ንኔው ዘሎ) መንፈስ ቅዱስ ይቕጽል ብዛዕባ ቅልስ ምስ እከያት መናፍስቲ ኣብ ሰማያት ክዛረብ።እዚ እንታይ ይምህረና ? በቃ እዚ - እቲ ናይ ሰይጣን ቀዳምነት ዘቕንዖ መጥቃዕቲ ኣብ ናይ ቤት ዝምድናት ሙኳኑ እዩ።ኣብዚ እዩ እቲ ቅድሚ ኩሉ ንሰይጣን ክንስዕሮ ዘለና። ኣሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ዝብኣሱ በቲ ኣብ ሞንግኦም ዝተፈጠረ ክፍተት ንሰይጣን ናብ ገዝኦም ኣቲዩ ንደቆም ከጥቅዕ ማዕጽኦም ይኸፍቱ ከም ዘለዉ ኣይስተውዕልዎን እዮም።ዓመጸኛ ውሉድ ንወለዱ ብስድነት ዝዛረቦም ነዚ መልከፍቲ ካብ ኣዲኡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንሰብኣያ እትዛረብ ወይ ኣቡኡ ኣብ ገለ ሸነኽ ኣንጻር ጎይት ክዕምጽ በዚ ተለኺፉ ክኸውን ይኽእል።ነቲ ዝተበከለ ሚስክን ውልድ በደለኛ ምግባር ጥቕሚ የብሉን እቶም ወለዲ እዮም ነዚ ናብቲ ገዛ ዘምጽእዎ ቅድሚ ኹሉ !! እቶም ውለዲ መጀምሪያ ክንስሑ የድሊ። ሓድነት ኣብ ቤት ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝያዳ እዩ ካብ ስፋሓት ወይ ጽባቐ ገዛኻ ወይ ካብ ኩሉ ኣብኡ ዘለዎ ኣቑሑት፥ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ግድግዳ ዝነብሩ ስድራቤት ክግለጽ ይክኣል እዩ ፥ቅድሚ ኩሉ እንተ ድኣ ደቂ መዝሙር ኮይኖም። ሓቀኛ ወደመዝሙር የሱስ ካብ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ሕማም ን "ንኻልኡት በደለኛታት ምግባር" እቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ኤደን ዝስተለኸፍዉ ሓራ ክኸውን እዩ።ኣዳም ንሓጥያቱ ንሄዋን በደለኛ ገይርዋ -ድማ ሄዌን ነቲ ሓጥያታ ነቲ ተመን ብደለኛ ገይራቶ። መንግስቲ ኣምላኽ ን "ብመንፈስ ድኻታት" እያ እትብጽሖም (ማቴዎስ 5=3)-ድማ እቲ ናይ መጀመሪያ መለለይ ባህሪ ናይ ሓደ ብመንፈስ ድኻ ዝኾነ ንሱ ናቱ ውድቀትን ቅድሚ ኹሉ ጎደልኡ ኣፍልጦ ኣለዎ።ሰብኣይን ሰበይትን ክልቲኦም ብመንፈስ ድኻታት ንገዝኦም ቅምሶ ሰማይ ኣብ ምድሪ ይልውጥዋ እዮም።ኣብ ከምዚ ዓይነት ገዛ ፥ነፍሲ ወከፎም ገዛእ ርእሱ ይፈርድን ንሓድሕዶም ኣይወናጀሉን እዮም ።ኣብ ከምዚ ዓይነት ገዛ ሰይጣን ምእተዊ የብሉን።ክትሓስብ ትኽእልዶ እንታይ ዓይነት በረኸት እቶም ቆልዑት ካብ ከምዚ ቤት ዝወርስዎ ? ብዛዕባ "ስራሕ ዘለዎን ኣዴታት" ገለ ቃል ክብል ኣፍቁድለይ። ኣብ ኣብ ዘመና ፥ዘሕዝን ኮይኑ ኣብ ገለ ከተማታት ኣድላይ ኮይኑ፥ምኽንያቱ ብልዑል ክብሪ ናብራ እዩ።ኮይኑ ግን ዝተወሰኑ መምሪሒታት ብኸምዚኤን ኣዴታት ኣብ ሓሳበን ክትሓዝ ኣለዎ። ቲቶስ 2=5 ቅድሚ ኩሉ ፍቓድ ኣምላኽ ንሰበይቲ "ኣብ ገዛ ክትዓይ" ሙኩኑ ይነግረና ።ስለዚ ዝኾነት ኣደ ካብ ገዛኣ ወጻኢ ሞያ ክትስዕብ ኢላ ናይ ገዛ ሓላፍነት ዕሽሽ ክትብሎ ኣይግባእን።ጎይታን፥ ሰብኣይን ደቃን ብኸምዚ ቅድመ ተኸተል ቀዳምነት ፍቕራን ተወፋይነታን ኩሉ ግዜ ክኸውን ኣለዎ።ዕዮኣ (እንተ ካብ ኩሉ ሓደ ክትወስድ ኮይና) ቁጽሪ ኣርባዓተ ቀዳምነት ክኸውን ኣለዎ፥ድሕሪ ኣብ ላዕሊ ስለስተ ተጠቒሶም ዘለዉ። ዘይተመርዓወት ሰበይቲ ኣብ ገዝኣ ዝኾነ ቆልዓ ዘይብላ ንስራሕ ክትከይድ ትኽእል እያ ፥ኣብዚ ብዘይ ብዙሕ ጸገም የልቦን። መብዛሕትኡ ግዜ ክልተ ምኽንያታት ኣለዉ ስለ ምንታይ ኣዴታት ንኣሽቱ ቆልዑ ዘለዎን ፥ሎሚ ናብ ስራሕ ዝኸዳ ፥ 1.ንምንባር ፥ኣብቲ ናይ'ቲ ሰብኣይ እቶት ነቲ ስድራ ንዘድሊ ነገር ክሽፍን እኹል እንተ ዘይኮይኑ። 2.ንምግያጽ ንምቾት፥ምኽንያቱ እቲ ሰብኣይ እታስበይትን ልዑል ደረጃ መነባብሮ ክሕልፉ ስለ ዝደሊዩ። ብቕንዕና እንተ ድኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናትካ ጉዳይ ንምንባር እዩ እቲ ምኽንያት ክትብል እንተ ኺኢልካ፥ሽዑ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ እቲ እግዚኣብሄር ንኹሉ ናይ ስድራኻ ሓለፍነታት ፍሉይ ጸጋ ከም ዝህበካ ። እንተ ኾነ ግዳ ፥ እቲ ክውን ምኽንያት ንምግያጽ ንምቾት እንተ ኾይኑ ፥እምብኣርከስ ከጠንቅቐካ ኣሎኒ እቲ ኣብ ክውን ሓደጋ ኢኻ ዘለኻ ።ክትዓጽድ ትኽእል ኢኻ እቲ ሳዕቤን ጥራይ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፥ደቅኻ ገዛ ሓዲጎም ምስ ከዱ ቀይዲ በተኽን ንእግዚኣብሄር ዘይጠቕሙ ምስ ኮኑ።ሽዑ ዝኾነ ነገር ክትገብር ዘይክኣል ብዛዕብኡ ይኸውን። እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ ኣነ ዝሰብኮ ዘለኹ ዝተለማመድክዎ ጥራይ እዩ ።ሰበይተይ ከም ሜዲካል ዶክተር ትሰርሕ ነይራ ፥ኣብ 1969 ናይ መጀመሪያ ወድና ምስ ተወለደ።ኣብቲ ግዜ'ቲ እቶትና ውሑድ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ክኣ ዝቕበሎ ነይሩ፥ድማ ብጭራሽ እነቕምጦ ኣይንበረናን።ኮይኑ ግን ሰበይተይ ስራሕ ክትገድፎ ዕዮ ናይ ስድራ ክትገብር ወሲና።ን28 ዓመታት ብድሕሪኡ ፥ፍጹም ስራሕ ኣይወሰደትን ግናኸ ኣብ ገዛ ጸኒሓን ንኣርባዕቲኦም ደቅና ንጎይታ ከፍቅሩን ክስዕቡን ይዕቢያቶም።እንታይ እዩ እቲ ውጽኢት ? ሎሚ ፥ደስታ ኣሎና ኩሎም ኣርባዕተ ደቅና ዳግም ተወሊዶም፥ተጠሚቖም ንጎይታ ዝስዕቡን ንዕኡ ዝምስኩርን ኮይኖም ክንሪኦም ከለና።ከምዚ ዓይነት በረኸት ኣዚዩ ዝዓበየ እዩ ካብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሚሊዮን ሩፒ ሰበይተይ ከም ዶክተር ኣብ 28 ዓመታት ሰርሓሒ ክትሕዞ እትኽል ገንዘብ ዝነበረት።ብጠቕላል ሎሚ ዋላ ሓንቲ ጥዓሳ የብልናን።ኣብዚ ምስክርነትና እንህብ ዘለና ኣብዚ ሸነኽ ንጎይታ ዝደልያ ዘለዋ ጥራይ ካልኡት ኣዴታት ነኸነታባብዔን እዩ። ሓቀኛ ወደመዝሙር ከምእ'ውን ጥንቁቕ እዩ ዝኸውን መጽሄታት መጽሓፍቲ ናብ ገዝኡ ዝመጽኡን ዓይነት ቴሌቪዥን ቪድዮን መደባት ብስድራቤቱ ኣባላት ዝርኣዩ።ሰብኣይ ከም ርእሲ ቤት ከም ጥብቂ ሓላዊ ማዕጾ ክኸውን ኣለዎ ዝኾነ ዓለማዊ ናብ ገዝኡ ከይኣቱ ከረጋግጽ ።ንሱ ከም ርእሲ ጽሬት -ተቖጻጻሪ ክፍሊ ኣብ ፋብሪካ ነፍሲ ወከፍ ምህርቲ ዝምርምርን ዝረጋግጽን።ወለዲ ደቆም ደቀመዝሙር የሱስ ክኾኑ ዝደለዩ ርግጸኛታት ክኾኑ ኣለዎም ንናይ ደቆም ዊንታን ቃሕ ዝበሎም ኢዶም ዘይሃቡ ሙኳኖም፥ ኣብ ከምዚ ዓይነት ነገራት ፥ምኽንያቱ እዚ ፍቕሪ ኣይኮነን ግናኸ ዕሽነትን ንጎይታ እሙን ዘይሙኳንን እዩ። ብርትዔ ናይ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ዝርከብ ኣብ ብርትዔ ስድራቤታት እዩ። እንተ ድኣ ስድራቤታት ዱኹማት ኮይነን፥ቤተ ክርስትያን'ውን ድኽምቲ እያ። ብርትዔ ቤተ ክርስትያን ዝቕመጥ ብብርቱዕ ድምጽታት ወይ'ውን ብዜማታት መዝሙር ወይ'ውን ዋላ ብጽብቕ ስብከት ኣይኮነን ፥ግናኸ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዎን ስድራታት ቤተ ክርስትያን ዘቑማ እዩ። ከመይ ኣብ ምድራን ስድራቤታት እንሃንጽ ንኹን ፥ ንጎይታ ዝዕብያን ክብሪ ዝህባን።

•ወደመዝሙርን ሓዳርን (131)

መውስቦ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ምኽንያቱ ምሉኡ ህይወት ሰብ ብኡ ክለምዕ ወይ ክጠፋእ ይኽእል እዩ።

መንእሰያት ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ቃል ኪዳን ዝደልዩ ዘለዉ ንጎይታ ክነግርዎ ይግባእ ቅድሚ ኹሉ ደቀመዝሙር ሙኳኖሙን ስለዚ ኽኣ ሓዳር እቲ ዝዓበየ ነገር ኣይኮነን ንዕኦም፥ግናኸ ንየሱስ ምስዓብ እዩ።

ወደመዝሙር ሓደ ንኹሉ ዝጠንጠነ እዩ።ንሱ ዋላ ፍቓደኛ እዩ ዘይተመርዓወ ክኸውን ጎይታ እንተ ድኣ ከምኡ ክኸውን ቢሂግዎ።ከምዚኦም ዓይነት መንእሰያት ጥራይ ናይ እግዚኣብሄር እቲ ዝብለጸ ኣብ ሓዳሮም ይረኽቡ።ሓያለ ዘይሕጉሳት ሰብ ሓዳር ኣብ ሞንጎ ኣመንቲ ሎሚ ዘይምስናይ ኣብ ሓዳሮም ፥እዚ ንጹር እዩ ቅድሚ ኩሉ እዚኦም መጻምዲ ከም ደቀመዝሙር የሱስ ኮይኖም ናብ ሓዳር ኣይኣተዉን።

ሓንሳብ መጀመሪያ ጎይታ ምስ ኣቅመጥናዮ ካብ መሰረት 'ዕረፍቲ' ፍቓድ ኣምላኽ ክንደሊ ንኽእል ኢና ፥ዘክር እግዚኣብሄር ንኣዳም ሰበይቱ ንዕኡ እናዳለወሉ ከሎ ኣደቂስዋ እዩ።ኣዳም መጻምዲ ክሪኢ ኢሉ ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን እናዞረ ምጉያይ ኣይድለዮን ! ፍቓድ እግዚኣብሄር እናገበርና ኣብ "ዕረፍቲ" ክንከውን ይግብኣና። ሽዑ ልክዕ ኣብ ግዚኡ እግዚኣብሄር ገዛእ ርእሱ ናይ ህይወት -መጻምዲ ናባና ከምጽኦ እዩ።እዚ ማለት ንመጻመዲ ክንሪኢ የብልናን ማለት ኣይኮነን፥እንተ ኾነ ግዳ ብእኡ ክንሻቐል የብልናን ማለት እዩ።

መንእሰያት ኣወዳት ዕድሚኦም 25 ዓመት መንእሰያት ኣዋላድ ዕድሚኤን 20 ምስ በጽሔ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ናይ ህይወት- መጻምዲ ክጽሊዩ ክጅምሩ ይግባእ።ቅድሚ ናብዚ ዕድመ ምብጻሕካ ፥ብጎይታን ቃሉን ዕዩኡን ጥራይ ዝተተሓዝካ ክትከውን ይግባእ፥ ብዛዕባ መርዓ ከይሓሰብካ። ግዜኻ ኣይተጥፍእ ኩሉ ማራኺት ጓል ወይ ወዲ ዝረኸብካዮ ናተይ ናይ ህይወት መጻምዲ ይኸውንዶ እናበልካ ኣብ ግምት ክትሓስብ።ድማ ብሓቂ ሓደ ማራኺ ምስ ረኸብካ "ክሕዞ እየ/ክሕዛ እየ ቀልጢፈ ኣይትበል፥ቅድሚ ካልእ ንዕኡ ምሓዛ ወይ ምሓዙ !! ብርግጽ እግዚኣብሄር እንተ ድኣ ነቲ ሰብ ንዓኻ ሓሪዎ ፥ንሱ ንዓኻ/ንዓኺ ክዕቅቦ እዩ።ካልእ ዝኾነ ሰብ ክውስዶ/ክወስዳ ዝኽእል የለን !! እንተ ድኣ ሓቀኛ ወደመዝሙር ጎይታ ኮይንካ፥ንሱ እቲ ዝበለጸ ንዓኻ ክሓዝኣልካ እዩ።

ዳዊት ነታ ዙፋን ካብ ሳኦል ኣይመንዝዓን፥ግናኸ ንናይ እግዚኣ- ብሄር ግዜ ተጸብዩን ድማ እግዚኣብሄር ንዳዊት "….. ዳዊት ወዲ እሴይ ኲሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ፡ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ" (ግብ 13=22)። ንሱ ብልክዕ ከምዚ ሓደ ዓይነት ብዛዕባኻ ክብል እዩ ፥እንተ ድኣ ንስኻ'ውን ፍቓደኝ ኮይናካ፥ካብ ኢዱ ኩሉ ነገር ክትጽበን ክትቅበልን። ጉዳይ ሓዳርካ ብውሕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክትገድፎ ትኽእል ኢኻ ፥እንተ ድኣ መጀመሪያ ናይ እግዚኣብሄር መንግስት ክትደሊ ግዜኻ ይሕሊፍካዮ።እንተ ድኣ ኣኺብርካዮ ንሱ ከኽብረካ እዩ።

ምሳሌ 19=14 ኣቦ ንወዱ መሬትን ሃብትን ክህቦ ከምዚ ዝኽእል ይገልጽ ፥ኮይኑ ግን ጎይታ ጥራይ እዩ ንፉዓት ኣንስቲ ክህቦም ዝኽእል።

ከመይ ኢሉ ወደመዝሙር የናዲ ብዛዕባ ምድላይ ናይ ህይወት-መጻምዱ ?

ኣብ "ዝተሰርዔ" መውስቦትታ ቃል ኪዳን ብእግዚኣብሄር ዝተሰርዔ፥ኣነ ብጹኑዕ ዝኣምን እየ ፥ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት ክልተ መውስቦታት ተነጊሩና እዩ።እግዚኣብሄር ንኣዳም መጻምዲ ሰሪዑሉ ።ድማ እግዚኣብሄር ንኢሳቕ መጻምዲ ተሰሪዒሉ። ናተይ ምስክርነት'ውን እግዚኣብሄር መጻምዲ ሰሪዒለይ -እቲ ዝበለጸ ኣነ ክረኽቦ ዝኽእል።

ይዒንቲ ጎይታ ድማ ካብን ናብን ብዘላ ምድሪ ይጥምታ ነቶም ልቦም ናቱ ዝኾኑ ምእንቲ ክሕግዞም (2 ዜና 16=9) ።ማንም ንብዘላ ምድሪ ክፍትሽ ኣይክእልን እዩ ከምቲ እግዚኣብሄር ክገብሮ ዝኽእል።ድማ እቶም ዝኣምንዎ ፍጹም ኣይጉሂን እዮም።

ስለዚ ፥እንተ ድኣ ጥዕይቲ ሰበይቲ ወይ ስብኣይ ደሊኻ፥ ክኣ እግዚብሄር ገዛእ ርእሱ መርዓኻ ክሰርዓልካ እዩ "ብመሰረት እምነትካ" (ሮሜ)።ናይ ኣብርሃም ግዙእ ጸሊዩን ንጎይታ'ውን ሓቲቱ ናብታ ልክዕ ጓል ኢሳቕ ክመርሖ - ክኣ ጎይታ ከምኡ ገይሩ ( ዘፍ 24)።እዚ ኣምላኽ ኣቦኻ እዩ ድማ ንሱ ንዓኻ ሓደ ዓይነት ከምዚ ክገብረልካ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ እግዚኣብሄር ፍቓዱ ንዓና ብዝተሓደሰ ሓሳብ ከም ዝገልጸልና (ሮሜ 12=2)።ስለዚ ሓሳብና ክንልወጥ ክንፈቅድ ኣሎና ነቲ ፍጹም ዝኾነ ፍቓድ ኣምላኽ ከነረጋግጽ። ዝተሓደሰ ሓሳብ ሓደ ንሰባት ብናይ እግዚኣብሄር ሓሳብ ንዕኦም ክርኢ ዝተምሃረ እዩ።

ኣብ ምሳሌ 31=10-31 እቲ እግዚኣብሄር ዝተማሕጸነና ዓይነት ሰበይቲ ንረክብ።እቲ ጽባቐ ባህሪታት ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ ኩሎም መንእሰያት ኣወዳት መርዓ ክሓስቡ ከለዉ ክሪኢዎ ዝግባእ እዩ።ድማ እዚኣቶም ኩለን መንእሰያት ኣዋልድ ኣብ ህይወተን ክስዕብኦ ዘለዎ ክብርታት እዮም።

ብዙሓት መንእሰያት ኣወዳት ጽባቐ መልክዕን ውቃበን ጥራይ እዮም ኣብ ሰበይቲ ዝሪኡ -ምሳሌ 31=30 ጽባቐ መልክዕን ፥ውቃበን ጠባርን ከንቱን እዩ ይብለና። ምሳሌ 11=22 ኣዚዩ ተሪር ቋንቋ ይጥቀም እታ ጽብቕቲ ጓል ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘይብላ ከም ሓሰማ ኣብ ኣፍንጭኣ ወርቃዊ ቀለቤት ዘለዋ እያ። ገለ ኣስብኡት ኣዚዮም ተወሲዶም እዮም በታ "ቀለቤት" (እቲ ምልኩዕ ገጽ) እዚ ሓሰማ ይምርዖው (እታ ጓል) !!

እታ ሰበይቲ ኣብ ምሳሌ 31 ተገሊጻ ዘላ እታ ብእዳዋ ኣበርቲዓ እትሰርሕ ፥ኣንጊሃ ንግሆ ብምትንሳእ (ጥቕሲ 13,15) ።ንሳ ኣታኽልቲ'ውን ትትከል ምእንቲ ገለ ነገር ተወሳኺ ንቤተ ሰባ እቶት ከተምጽእ (ጥቕሲ 16) ፥ንሳ ኣብ ገንዘብ ኣጠቓቕማ ጥንቅቕቲ እያ፥ንሳ ንድኻታት ትሕግዝን "ኣብ ልሳና ኽኣ ሕጊ ርህራሄ ኣለዋ" (ጥቕሲ 26) -ብኻልእ ቃላት ፥ንሳ ጻዕራም እያ ፥ቆጣቢትን፥ለጋስን ፥ድማ ዘረብኣ ብጸጋ ዝመልኤ እዩ።

ኣእዳዋ ተሪር እዩ (ብስራሕ) ክኣ መልሓሳ ልስሉስ እዩ።ዘሕዝን ኮይኑ ግን ፥እቲ ኣብ ብዙሓት ክርስትያናት ኣዋልድ እንረኽቦ ልክዕ ብኣንጻሩ እዩ - የእዳወን ልስሉስ እዩ (ብስንፍና) ድም መልሓሰን ተሪር እዩ ብትዕቢት !! ከምዚ ዓይነት ሰበይቲ ዝምርዖው ወይልኡ !!

ደገኛ ሰበይቲ ናይ ግድን ኣብ ሞንጎ እተን ኣዋልድ ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኣብዝን ኣብትን ዝሳተፋ ትርከብ ማለት ኣይኮነን።መንእሰያት ኣወዳት ንሃይማኖታዊ ንጥፈት ከም መንፈሳዊ ገይሮም ከይወስድዎ ክጥንቀቑ ኣለዎም !! ምስ ተመርዓኻ ፥እቲ ዘድሌካ ሰበይትን ደቅኻ ኣደ ክደሊዩ እዮም።ንስኻን ደቅኻን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህር ኣይድሌኩምን እዩ ! እዚ ዘክር !

መዝሙር ሰሎሙን 8=9 ብዛዕባ ክልተ ዓይነት ኣዋልድ ይዛረብ -እተን ከም መንደቕን እተን ከም ማዕጾን።እቲ ማዕጾ "ንቕድሚት" ዓይነት ጓል ናባኻ ልባ ከፊታ ትመጽእ እያ ።እታ መንደቕ ክኣ ጓል ልዝብቲ ጥቅውቲ ፥ከም እግዚኣብሄር ዝፈጠረን ኩለን ኣዋልድ ክኾንኦ ዝግባእ።ጓል ከም ማዕጾ እንተ ኾይና ፥እቲ ጥቕሲ ከምዚ ክብል ይቕጽል ወለዳ መከላኸሊ ክገብሩላ፥ብብዙሕ መንገዲ ክገትእዋ ማለት እዩ።እንተ ኾነ ግዳ ፥ንሳ ከም መንደቕ እንተ ኾይና ፥ከም ርሻን - ብእኣ ብህይወታ ናይ እግዚኣብሄር ገዛ ክሃንጽ ይክኣል እዩ !

1 ጴጥሮስ 3=3-4 ኩለን ኣንስቲ ደቀመዝሙር የሱስ ክኾና ዝደልያ ክብር ክዳውንትን ኣዕናቑን ከርሕቓ ይምሕጸን ፥ስለ እቲ ኣዚዩ ክቡር ነገር እግዚኣብሄር ካብ ሰበይቲ ዝደሊዮ፥"ለዋህን ህዱእ መንፈስን" ስለ ዝኾነ ፥ዋላ'ውን ወደመዝሙር ቀዳምነት ዝርኤ በቲ መንገዲ ሰብ ዝተኸዶኖ ኣይኮነን፥ኮይኑ ግን ግዳ ሓቂ እዩ ናይ ሰበይቲ ክዳን ኣለባብሳ ብዛዕባ ባህሪኣ ይገልጽ እዩ።እቲ ክብርታት ንሳ ኣብ ልባ ዝሕደረቶ ኩሉ ግዜ በቲ መንገዲ ኣከዳድና እዩ ዝግለጽ። ወደ መዝሙር የሱስ ወዘልዘል ኢሉን ብሽለልትነት ክዳን ኣይለብስን እዩ።ግናኸ ከምእ'ውን ኣብ መጋየጺ ፥ክቡር ክዳውንቲ ወይ ዑንቂ ገንዘባ ኣይተጥፍእን ኢያ።

ስለዚ መንእሰያት ኣወዳት ንፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዋ ሰበይቲ ዘናድዩ ዘለዉ፥ ቀዳምነት ንፍርሃት እግዚኣብሄር ምስ ሕያውነት ፥ህዱእ መንፈስ ፥ትግህቲ ፥ልኡም ዘረባ ፥ትሕትና ቅንዕናን ዝተጻመደ ክሪኢዩ ይግባእ።

ኣዋልድ መርዓ ክሓስብ ከለዋ ፥መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትምህርቲ ፥ገንዘብ መልክዕ ኣብ ሰብኣይ ይሪኣ።ሓቂ እዩ እቲ ሰበይቲ ንስብኣይ ዋላ ሓንቲ ምንጪ እቶት ንስድሩኡ ክድግፍ ዘይብሉ ክትሓስብ የብላን፥ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሎም ኣሰብኡት የተሓሳስብ እዩ መጀመሪያ ናቶም ስራሕ ከማዕብሉ ማለት ምንጪ እቶት፥ቅድሚ ገዝኦም ስድራን ምህናጾም (ምሳሌ 24=27)።ኮይኑ ግን እዚ ኩሉ ነገር ማለት ኣይኮነን።

ከም ጓል እቲ መጀመሪይ ፥ከተረጋግጾ ዘድልያ ቅድሚ ኩሉ ክትምርዓውዮ ትሓስቢዮ ዘለኺ ሰብ ልባዊ ወደመዝሙር የሱስ ድዩ፥ እቲ ክትሪእዮ እትኽእሊ።ርእስኺ ክትገብርዮ ትኽእሊዶ -ብምኽንያት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ክትገብሪዮ ዝኣዘዘኪ ጥራይ ዘይኮነ ? እዚ እዩ ሓደ ካብቲ መጀመሪያ ንርእስኺ ክትሓትዮ ዘድሌኪ ፥ዝኾነ ወዲ ክትሓስቢ ከለኺ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ኣርእስቲ "Sex love and marriage" https://www.cfcindia.com/books/sex-love-marriage መንገዲ ክርስትና እትብል መጽሓፈይ ኣንብብ።