-ምዓልቲ ምጅማር ንኣሽቱ ነገራት

    Download Formats:

Chapter 1
ናይ እግዚኣብሄር ድምጺ ምስማዕ

ዓበይቲ ማጾታት ኣብ ንኣሽቱ ወንዳ ወንዶታት እዮም ዝዞሩ። እግዚኣብሄር ብብዙሕ ገጻት ንቡዙሕ እዋን ይፍትነና እዩ ዝኾነ አገዳሲ ኣገልግሎት ኣባና ቅድም ምንባሩ።ንሱ ዓበይቲ ነገራት የንብረልና እዩ።ከም ንኣዳምን ሄዋንን ፥እግዚኣብሄር ቅድሚ ኩሉ ንድምጹ ክእዘዙ እዩ ሓቲትዎም።

ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ዝኽርታት ንድምጺ ጎይታ ምእዛዝ ኣነ ወዲ 15 ዓመት ከለኹ እዩ።ድሕሪ ሃገራዊ ምክልኻል ኣካዳሚ ኣብ Khadakvasla (Pune) ኦፊሰር ናይ ሓይሊ ባሕሪ ስልጠና ዝተጸንበርኩሉ ነይሩ።

እቲ ዓመት 1955 ድማ ካብቲ ኣካዳሚ ኣብ ዕረፍቲ ምስ ስድራይ ኣብ ደልሂ ዝነበሩ እዩ ነይሩ።ሓደ ምሽት ሰንበት፥ኣነ ምስ ንእሽተይ ሓወይ ናብ ሕብረት ቤተ ክርስትያን ከይድና ነይርና። ድሕሪ እቲ ኣገልግሎት፥ ዳርጋ ስዓት 8:00 ምሸት ክልቴና ናብ ገዛና ክንምለስ ኣብ መጸበይ ኣውቶቡስ ክንሳፍር ደው ኢና ንጽበ ነይርና። ብሃንደበት ብዛዕባ ክርስቶስ ንሓደ ሰብ ክምስክረሉ ከም ዝግብኣኒ ኣብ ኣእምሮይ ሓሳብ ክዓቢ ጀሚሩ።ኣብታ ምሽት ጥዑም ዜና ናይ ወንጌል ስምዔ እየ ድማ ምስ ሓደ ሰብ ከካፍሎ ከም ዘለኒ ተሰሚዑኒ ፥ እታ ለይቲ ቅድም ናብ ዓራት ምኻደይ። ግናኸ እዚ ተበግሶ ካብ ጎይታ ድዩ ወይስ ጥራይ ናተይ ሓሳብ ምዃኑ ርግጸኛ ኣይነበርኩን። ብዝኾነ ጉዳይ ናይ መወዳእታ ስዓታት እዩ ነይሩ - ድማ ቀልጢፈ ናብ ገዛ ክምለስ ነይሩኒ።

ኣብ ርሑቕ፥ብርሃን ናይ ኣውቶብስ ናባና ገጻ ክትመጽእ ርኤ። ንጎይታ ቀስ ኢለ "እዚኣ ኣውቶብስ ናብ ገዛ ትወስደኒ እንተ ዘይኮይና ፥ሽዑ ካባኻ ከም ምልክት ክወስዶ እዩ ቅድሚ ገዛ ምኻደይ ሓደ ሰብ ክምስክር ከም ዝግብኣኒ" ።እታ ኣውቶብስ ናባና ቀሪባ መጺኣ እታ ናብ ገዛ እትወስደኒ ከም ዘይኮነት ርኤኹ።እቲ ዝሓተትክዎ ምልክት ተፈጺሙ።ስለዚ ንንእሽተይ ሓወይ ናብ ገለ ቦታ ከም ዝኸይድ ቅድሚ ገዛ ምኻዳይ ክኣ ናብ ገዛ በይኑ ክኸይድ ሓቲተዮ። ሽዑ ናብ ሓደ መናፈሲ (Park) ከይደ ፥ሓደ ሰብ ብቐሊሉ ወንጌል ክምስክረሉ ዝኽእል ክረክብ ተስፋ ብምግባር-ምኽንያቱ ደፊረ ወጺኤ ንጎይታ ክምስክር ኣብ ኣደባባይ ንበይነይ ንመጀመሪያ ግዜ እዩ ነይሩ።

ሓደ ዓቢይ ሰብኣይ ኣብ ኣብቲ መናፈሲ ኣብ ነዊሕ ጣውላ ኮፍ ኢሉ ርኤኹ ድማ ከይደ ኣብ ጥቕኡ ኮፍ በልኩ።ብሂንዱ ልሙድ ምዝርራብ ንሒደት ደቓይቕ ገይረ ክኣ ብድሕርዚ ብዛዕባ ዘልኣለማዊ ነገራት ክዛረቦ ትብዓት ረኺበ።ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሄር ፍቕሪ ንሰባት ከመይ ክርስቶስን ንሓጥያትና ከም ዝሞተን እቲ ቀሊል መልእኽቲ ወንጌል ዝፈልጦ ነጊረዮ።ንሱ ብትዕግስቲ ሰሚዒኒ ስለ እግዚኣብሄር ዝኾነ እቲ ዘለዓዓለኒ እታ ለይቲ ክምስክር ፥ ንሱ ኣብ ሓሳቡ ነይሩ እዩ ብወንጌል ክብጽሖ ኢለ ይግምት። ኣነ ተስፋ ይገብር ነዚ ሰብኣይ ሓደ ምዓልቲ ኣብ ሰማይ ክረኽቦ።እዚ ናይ መጀመሪያ ተበግሶ ኣብ ክፉትን ኣብ ኣደባባይ ኩሉ ባዕለ ክምስክር እዩ ነይሩ። እግዚኣብሄር እንተ ድኣ ናብ ውሽጢ ምልዓዕል ናይ መንፈሱ ዝእዘዝ እንተ ኾይነ ፈቲኑኒ።

እዚ "ምዓልቲ ምጅማር ንኣሽቱ ነገራት" ነይሩ (ዘካ.4:10)፥ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እግዚኣብሄር ቃሉ ክሰበኽ ሂቡኒ ንቡዙሓት ኣሽሓት እኩባት ሰባት ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለም።ግናኸ ኩሉ እዚ ዝጀመሮ ብንእሽተይ ተግባር ምእዛዝ ሓደ ሰንበት ምሽት ኣብ ደልሂ እዩ።

ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ ክትሰምዕ ቁሩብ ኩን። ፍጹም ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ ክሳብ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ደው እትብልን ንኽንደይ ዝኣክል ኣብ ዝኾነ እዋን ነቲ ድምጺ ብዘይ ምእዛዝካ ዝሓለፈካ።

Chapter 2
ናይ ምድሓን ርግጸኝነት

ገለ ኣመንቲ ኣዚዩ ብንጹር እቲ ልክዕ ምዓልትን ግዜን ዳግም ዝተወለድሉ ይዝክርዎ እዮም። ግናኸ ኣነ ነዚ ኣይዝክሮን እየ ።እኳ ድኣ ብሓቂ ዋላ ኣበየናይ ዓመት ዳግም ተወሊደ ኣይፈልጦን እየ።እዚ ዳግም ዝተወለድካ ንምኳን ቀስ ብቐስ ዝኸይድ መስርሕ እዩ ማለት ኣይኮነን።ኣይፋሉን ኣይኮነን።ብክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝካየድ ምስጋር ቅጽበታዊ እዩ። ግናኸ ብዙሓት ሰባት ከማይ እግዚኣብሄር ኣብ ዝፈርሑ ገዛ ተወሊዶም ዝዓበዩ ፥እቲ ልክዕ ህሞት እዚ ትኣምራት ዝተኻይደሉ ክሕብሩ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ኽኣ ብምኽንያት ብዙሓት ከማይ ንጎይታ ናብ ልቦም ክመጽእ፥ ብዙሕ ግዚያት ይሓቱን ካብዚኦም እቲ ክውን ሓደ ኣየናይ ምዃኑ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ።

እንተ ድኣ ብልክዕ ዘኪረ፥ንመጀመሪያ ጎይታ ናብ ልበይ ክመጽእ ዝሓተትክዎ ፥ወዲ 13 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዩ።ግናኸ ንሱ ናብ ውሽጢ ልበይ መጺኡ ድዩ ኣይመጸን ኣይፈልጥን እየ።ምኽንያቱ ምስ ጸለኹ ዝኾነ ነገር ኣይተሰምዓንን ኣይተመኮርኩን።ስለዚ ጎይታ ናብ ልበይ ክምጽእ ምሕታት እንደገና እንደገና ቀጺለዮ- ምናልባት ልዕሊ ሚኢቲ ግዜ ኣብቲ ግዜ ዝቐጸለ ሒደት ዓመታት -ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ዋላ ሓንቲ ኣይተሰመዓንን ! ክኣ ድማ ዲሒነ ድየ ኣይደሓንኩን ኣይፈለጥኩን ነይረ።

ክሳብ እቲ ኣብ ገዛ ዝነበርኩሉ፥ወለደይ ኣብ ልዕለይ ብዘቕመጥዎ ቀይዲ ካብ ብዙሕ ዓለማዊ ዓይነታት ምርኢት ከም ሲነማ ወ.ዘ.ተ ሓሊዩኒ እዩ።ግናኸ ሓንሳብ ናብ ወታህደራዊ ትምህርቱን ናይ ህንዲ ሓይሊ ባሕሪ ምስ ተጸንበርኩ፥ንበይነይ ክትትል ከይተገበረለይ ክነብር ስለ ዝጀመርኩ እቲ ቀይዲ ካባይ ተላዒሉ ከይዱ።ቀስ ብቐስ ዓለማዊ ክርስትያን ናብ ቤተ ክርስትያን ከም ልምዲ ዝመላለስ ኮይነ - ድማ ብዘይ ዝኾነ ርድኢትን እምነትን።

ግናኸ ሓደ ጽብቕ ነገር ወጺኡ መጺኡ ካብቲ ዓለማዊ መዘናጊዒታት ዝፍትነሉ ዝነበረኩ።እቲ ዓለም ኩሉ ነገር እትቕርቦ ባዶን ጥርሑን ምዃን ብዘላቒ መንገዲ ክዕግበኒ ከም ዘይኽእል ተገንዚበዮ።ሓደ ምዓልቲ፥ኣብ ሓምለ 1959 ዓ.ም ፥ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኮቺን ኣብ ክፍለይ ኮፍ ኢለ ብዛዕባ ኩሉ እዚ ይሓስብን መጽሓፍ ቅዱስ የንብብን ነይረ ፥ናብ ናይ ዮውሃንስ. 6:37 መጺኤ ኣብቲ የሱስ ከምዚ ዝበለሉ "ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ"። ቅድሚ ሕጂ እዛ ጥቕሲ ብዙሕ ግዜ ኣንቢበያ ነይረ እየ። ግናኸ እታ ምዓልቲ ብምሉእ ሓይሊ ሃሪሙኒ ጠላሕ ኢሉኒ ድማ ኣመንክዎ። ናብ ጎይታ ብዙሕ እዋን ከም ዝመጻኹ ይፈልጥ እየ፥ብሃንደበት እንተ ድኣ ናተይ ግደ ገይረ፥የሱስ ናቱ ግደ ገይሩ ከም ዘለዎ ተረዲኡኒ -ንሱ ተቐቢልኒ እዩ።ሽዑ እየ ክኣ ዘይምእማን እቲ ዝዓበየ ሓጥያት ምዃኑ ዝተገንዘብክዎ (ዮው.16:9 ርኤ)። ምኽንያቱ እንተ ድኣ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ዘይኣሚነዮ፥ሓሳዊ ክኸውን ይገብር ነይረ ማለት እዩ -ድማ እዚ እቲ ዝዓበየ ጸርፊ ዝኾነ ሰብ ንእግዚኣብሄር ክህቦ ዝኽእል ነይሩ ማለት እዩ።ስለዚ 6 ዓመታት ዝተንገላታዕኩ ድሕሪ ምዃን፥ኣሚነ - ድማ ርግጸኛ እየ ከም ዝድሓንኩ።

እንታይ ካብ ተመኩረይ ተማሂረ ? ክልተ ነገራት።

ቅድሚ ኩሉ ፥እቲ ምድሓንካ ርግጸኛ ኣብ ዘይትኾነሉ ፥ተስፋ ክትቆርጽን ንድሕሪት ክትምለስን ኣዚዩ ቀሊል እዩ።

ካልኣይ ፥እቲ እምነት ህያብ ኣምላኽ እዩ።መጀምሪያ ናይ ምድሓነይ መረጋገጺ ዝረኽብኩ ወዲ 19 ዓመት ነይረ።ካብታ ምዓልቲ ኣትሒዙ 46 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ ፥ግናኸ ብዛዕባ ምድሓነይ ፍጹም ሓንሳብ እንተ ኾነ ተጠራጢረ ኣይፈልጥን ።ኣብዘን ዓመታት ብብዙሕ ካልእ ነገራት ተጠራጢረ እየ፥ግናኸ ፍጹም ብዛዕባ ምድሓነይ ኣይተጠራጠርኩን።ኣብታ ምዓልቲ ኣብቲ ባይታ ጌጋ ኣልቦ ናይ እግዚኣብሄር ቃል መልሕቐይ ኣቕሚጠ ካብ ሽዑ ኣትሒዘ መርከበይ ፍጹም ኣይተገፍዔትን ፥ኣብዘን ዓመታት ብብዙሕ ሓያል ማዕበል ተሃሪመ እየ፥ድማ መርከበይ ማዕበል ብዝበዝሖ ኣብ ገለ እዋናት ተወዛዊዛ እያ፥ግናኸ መልሕቐይ ሒዚዋ። ከመይ ገይረ ነዚ ክገልጾ ? ክብሎ ጥራይ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣብቲ ምዓልቲ ንቓሉ "ንኽእምን" ጸጋ ሂቡኒ ።ዋላ እምነት ህያብ እግዚኣብሄር እዩ።ስለዚ ዋላ ብእምነትና ክንሕበን 'ውን ኣይንኽእልን ኢና።ኩሉ ክንገብሮ እንኽእል ብትሕትና ንእግዚኣብሄር ምውዳስን ምዕባይን እዩ ።

Chapter 3
ረድኤት ኣብ ግዜ ጸበባ

ኣብ ወርሒ ሓምለ 1959 ዓ.ም ፥ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኮቺን ይቕመጥ ነይረ። ከምእ 'ውን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኦፊሰር ኮይነ ተመዚዘ ነይረ። ኣብታ ወርሕ'ውን ናይ ምድሓነይ መረጋገጺ ተቐቢለ ሙሉእ ብሙሉእ ንጎይታ ክነብር ክኣ ወሲነ ነይረ።

ሓደ ምሽተ ክልተ ብጾተይ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኦፊሰራት ናባይ መጺኦም ጽብቕቲ ፊሊም ኣብታ ምሽት ኣብቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሲነማ ትያትር ከም እትርኤ ነጊረሙኒ ሓቢርና ብሓንሳብ ክንከይድ'ውን ሓሳብ ኣቕሪቦም።ኣቕዲመ ወትሩ ምስኦም ናብቲ ናይ ሲነማ ቦታ ይኸይድ ነይረ እየ። ኮይኑ ግን ሕጂ ዳግም ተወልዲ እየ፥ናብ ከምዚ ዓይነት ሲነማ ጨሪሰ ከይከይድ ወሲነ ነይረ። ጎይታ'ውን ነቲ ድሌታ ናብ ሲነማ ምኻድ ካባይ ኣይርሒቕዎ ነይሩ እዩ።እንተ ኾን ንቶም ይዕሩኽተይ ሕጂ ዳግም ዝተወለድኩ ክርስትያን ሙኳነይ ክነግሮም ትብዓት ኣይነበረንን፥ስለዚ ምስኦም ከይደ።ኮይኑ ግን ኩሉ እቲ መንገዲ ናብ ትያትር እንኾዶ ዝነበርና፥ቀጻሊ ኣውያት ካብ ልበይ ከመይ ገይሩ ካብዚ ኩነት ከድሕነኒ ንላዕሊ ናብ ጎይታ ይከይድ ነይሩ።

ኣብቲ ሲነማ ምስ በጻሕና ፥ኣብቲ ምእተዊ ምልክታ ተጠቂዑ ሪኢና ከምዚ ዝብል እቲ ፈትሊ ናይ ሲነማ ስለ ዘይመጸ ነታ ምሽት ተመዲቡ ዝነበረ ፊሊም ተሰሪዙ ኣሎ ፥ይዕሩኸይ ሙሉእ ብሙሉእ ሓሪቖም ናብ ገዛ ምስ ተመለስና ፥ኮይኑ ግን ኣነ ኣዚየ ተደሲተ።ልዕሊ ዓቐን ተሓጊሰ እግዚኣብሄር ትኣምራት ጌይርለ።እዚ ፍጹም ንእምነተይ ብዓቢ ኣትሪርዎን ኣብ ግዜ ጸገመይ ኣብ ሰማይ ብርግጽ ኣቦ ከም ዘለኒ ተገንዚበ "ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፣ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ" (መ.ዳዊት 46=1)። ኣብ ልበይ ጥራይ ዝነበረ ብኸናፍረይ ዘይገልጽክዎ ንሱ ንኣውያተይ መሊሱለይ።


እዚ ነይሩ ናይ ፈለማ ተሞኩረይ ብትኣምራታዊ መልሲ ጸሎተይ። እግዚኣብሄር ኣቦ እዩ ንደቁ ትኣምራት ዝገብር። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል "ብእግዚኣብሄር ተተስፎ ንሱ ድሌት ልብኻ ክህበካ እዩ"። ብጎይታ ጥራይ ባህ ኢሉኒ ኣብታ ምዓልቲ ዋላ ሓንቲ ኣይደለኹን ግናኸ ንዕኡ ጥራይ።ድሌት ልበይ ካብታ ፍሊም ካብ ምርኣይ ክሕሎ እዩ ነይሩ ።ክኣ እግዚኣብሄር ክኣ ፈቒዱ።

ግናኸ ድሕሪ ናብ ክፍለይ ምምላሰይ ጎይታ ካልኣይ ግዜ ነዚ ከም ዘይግበርለይ ተዛሪቡኒ ። ዝቕጽል ግዜ ንሱ ንዕሩኽተይ ባዕለይ "ኣይፋሉን" ክብል ደሊዩኒ - ምኽንያቱ ጥራይ እዚ እዩ ብጸጋ እናተረርኩ ዝኸደሉ። እግዚኣብሄር ከምዚ ዓይነት ኩሉ ግዜ ትኣምራት እንተ ድእ ገይርለይ፥ተባዕን ብመንፈሳዊ ሓያል ፍጹም ክኸውን ኣይክእልን እየ። ኣብ ዝቕጽል ግዜ ይዕሩኽተይ ናብ ሲነማ ዓዲሞሙኒ ብትብዓት ክኣ ሕጂ ክርስትያን ሙኳነይን ድሕሪ ሕጂ ምስኦም ሲነማ ከም ዘይከይድ ነጊረዮም።

ሻቡ ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ከም ዘይፈቅድ ብዙሕ ካብ ናይ ጸሎት ሕቶ - ምኽንያቱ ብርግጽ ከም ንጉስ እግዚኣብሄር ትኣምራት ክገብር እዚ ንዓን ንህይወት ኣዚዩ ቀሊል ይገብሮ።ግናኸ እንተ ድኣ እግዚኣብሄር ኩሉ ሕቶ ጸሎትና ፈቒድልና ፥ሮጎድትን ሰነፋትን ክርስትያናት ኢና እንኸውን ፥ ጹኑዓት፥ሓርኮትኮትን ተባዓትን ከምቲ ክንኮነ ዝደሌና ኣይንኸውንን። እግዚኣብሄር ሳሕቲ ትኣምራትዊ መልሲ ጸሎት እናሃበ የተባባዓና እዩ። ግናኸ ብዙሕ ግዜ ኣሎ ንሕቶታትን ዘይፈቕደልና ፥ምእንቲ ዱኹማትን ፥ፈራሓትን ከይንኸውን ነዚ ሓቂ ብምርድኤ ብዙሕ ሚስጢራት ፈቲሕለይ እዩ ብዛዕባ ጸሎት ንዓይ።

ኣብ ዝሓለፈ 46 ዓመታት ፥እግዚኣብሄር ንኹሉ ጸሎተይ መሊሱለይ እዩ - 'እወ' ፥100 %' ካብኦም። ነዚ ክትሰምዖ ተገሪምካዶ ? ከብርሆ ፍቐዱለይ ።ከም ሰለስተ ሕብርታት ናይ ተራፊክ መብራህቲ ፥ናይ እግዚኣብሄር መልሲ ንዓይ፥ኣብ ገለ እዋን 'እወ'(ቀጠልያ) ፥ሓደ ሓደ ግዜ 'ተጸበ'(ብጫ) ፥ሓደ ሓደ ግዜ 'ኣይፋሉን'(ቀይሕ) ። ኮይኑ ግን ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ጸሎት መሊሱ እዩ።

ንመብራህቲ ትራፊክ ብምእዛዝ ዓቢ ውሕስነት ኣሎ።ብምቕባል ናይ እግዚኣብሄር መልስታት'ውን ዓቢ ውሕስነት ረኺበ እየ- ዝኾነ ይኹን እንተ ኾነ ።

Chapter 4
ምእዛዝ ደረጃ ብደረጃ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እግዚኣብሄር ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ስጉምቲ ከም ዝመርሕ ረኺበዮ። ተስፍኡ " ስጉምቲ ድሕሪ ስጉምቲ ፥ክትከይድ ከለኻ መንገዲ ኣብ ቅድሜኻ ክኽፈት እዩ " (ምሳ 4=12 ቃል ብቓሉ ትርጉም)። ንእስራኤላውያን ምዓልቲ ብምዓልቲ ብዓንዲ ደበና መሪሕዎም፥ንዓና'ውን ሎሚ መንፈስ ቅዱስ ይመርሓና እዩ።

ብኡ ንቡኡ ርግጽነት ናይ ምድሓነይ ምስ ተቐበልኩ ፥እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ንዓና ናይ ማይ ጥምቀት ሙኳኑ ተነጊሩኒ። ከም ህጻን ኣብ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ናይ ክርስትያን ስም ተዋሂቡኒ - ስርዓት "ጥምቀት" ኢሎም ዝጽውዕዎ ።

ከምእ'ውን ዳግም ዝተወለዱ ወገን ቲኦሎጂ ሓጹር ከም ዝነብሩ ፈሊጠ -እቶም ጥራይ ከም ህጻን "ዝተጠመቑን" እቶም ከም ኣመንቲ ዝተጠመቑን። ነዚ ምኽንያት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ እንታይ ከም ዝብል ከጽንዕ ወሲነ።

ቃል ኣምላኽ ምስ ኣጽናዕኽዎ ፥ብዙሓት ሓቅታት ረኺበ ፥ቅድሚ ኹሉ ኣብ ብዘሎ ሓድሽ ኪዳን ሓንቲ'ውን ብዛዕባ ናይ ህጻን -ጥምቀት ዝተጠቐሰ የልቦን።ሒደት ፍጻመታት ናይ ብምልእቲ ስድራ ምጥማቕ ነይሩ እዩ ፥ኮይኑ ግን ኣብቲ ስድራ ህጻናት ከም ዝነበሩ ዝተጠቕሰ የልቦን መጽሓፍ ቅዱስ ስቕ ክብል ከሎ ዝኾነ ዶክትሪን ምህሮ ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና። ዮውሃንስ መጥመቕ በጽሕታት ጥራይ እዩ ኣጥሚቑ። የሱስ ገዛእ ርእሱ'ውን በጽሒ ምስ ኮነ ጥራይ እዩ ተጠሚቑ። የሱስ ንዓበይቲ ኣጥሚቑ ኮይኑ ግን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ክባርኾም ጥራይ ኣእዳዉ ኣንቢሩ።ግናኸ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት ብኣንጻሩ እዮም ዝገብሩ ንህጻናት የጥምቑ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ኣእዳዎም የንብሩ (ቅብኣት ሜሮን) ! እግዚኣብሄር ናይ ዝሓለፈ ሙሉእ ብምሉእ ምስ ደምሰሶ ፥እዚ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ናይ ህጻን ጥምቀት ዘካተት እንኮላይ!! እቲ ናይ መጀመሪያ ስጉምቲ ምእዝዛ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኣብ ግብሪ ሃዋሪያት ዘሎ ናይ ማይ ጥምቀት ምውሳድ እዩ።

ኩሉ እዚ ክጥመቕ ከም ዘለኒ ይእሚንኒ እዩ። ኮይኑ ግን ገለ ናይ ህጻን ጥምቀት ዝኣምኑ ኣመንቲ ኣብ ናይ ኣርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት ወንጌል ምስባኽ ዚያዳ ኣገዳስን ዓቢን ዘድሊ ሙኳኑ ካብ ኣብ ናይ ኣመንቲ ኣሰንብሊስ ንላዕሊ ነጊሮሙኒ፥ እንተ ድኣ ተጠሚቐ ካብ ቤተ ክርስትያን ኣርቶዶክስ ከም ዝስጎግን ንዘይኣመንቲ ወንጌል ክህብ እቲ ዕድል ከም ዘጥፍእ'ውን ። እዚ ኽኣ ዘእምን ሞጎተ ይመስል -ስለዚ ኽኣ ከይጥመቕ ወሲነ።

ከምዚ ኢለ ኽኣ ን18 ኣዋርሕ ጸኒሔ።ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ክጽሊ ክንብርከኽ ከለኹ፥እግዚኣብሄር ከምዚ ዝብለኒ ዝነበረ ኮይኑ ተስሚዑኒ"ንዓይ ዘይትሰምዓኒ እንተ ኮይንካ ስለ ምንታይ ኣነ ይሰምዓካ" ።ድማ ኣብዘን ኩለን 18 ኣዋርሕ ብጠቕላላ መንፈሳዊ ዕብየት ኣይገብርኩን።እዚ ክርብሸኒ ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ ንጎይታ ከም ዝእዘዞ ነጊረዮ ፥ ካብ ብነፍሲ ወከፍ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ዓለም ዋላ እንተ ተሰንደኹ ።ስለዚ ኽኣ ኣብ ጥሪ 1961 ተጠሚቐ።

ድሕሪ'ዚ ፥ብቑልጡፍ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወተይ ክዓቢ ጀሚሩ። ገዛእ ርእሰይ እንተ ድኣ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ዘይእዘዝ ኮይነ ንኻልኡት በረኸት ክኸውን ከም ዘይክእል ሽዑ ኣነ ተገንዚበዮ። ካብኡ ንድሓር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነገር -ዓቢይ ይኹን ንእሽተይ -ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ሰብ ወይ'ውን ኣብያተ ክርስትያናት ዝኾነ እንተ በሉ ንናይ እግዚኣብሄር ቃል ብቕጽበት ክእዘዝ ወሲነ።ክንደይ ብመንፈሳዊ ክስረት ንስቀ ንሞጎት ናይ ሰብ ሓሳብ ክንሰምዕ ከለናን ንቃል ኣምላኽ ዘይምእዛዝን ።

ካብቲ ናይ መጀመሪያ ስጉምቲ ምእዛዝ ቅድሚ 45 ዓመታት፥ እግዚኣብሄር ብዙሕ ዝያዳ ስጉምቲ ናይ ምእዛዝ ኣርኢኒ እዩ፥ ንሱ ድሮ ዘርኣየኒ ጥራይ ድሕሪ እቲ ስጉምቲ ምውሳድይ። ናይ እግዚኣብሄር ቃል "ንእጋርና መብራህቲ እዩ " (መ.ዳዊት 119= 105) ፥እዚ ማለት ዝቕጽል ስጉምቲ ጥራይ እዩ ንእጋርና ዘርኤና ንኹሉ መንገዲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣይኮነን። እዚ ልክዕ ከም ላምፓዲና ሒዚካ ኣብ ጸልማት መንገዲ ምኻድ እዩ።ኣብ ሓደ ግዜ ንእሽተይ ጥራይ ኢና ክንርኢ እንኽእል ጥራይ ዝኣክል ንዝቕጽል ስጉምቲ። መንገዲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝያዳ ክንሪኢ፥ንቕድሚት ክንቀሳቐስ ኣሎና።

እቲ ናይ መጀመሪያ ስጉምቲ ምእዛዝ እንተ ዘይወስድ ነይረ ካልእ ስጉምቲ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ንህይወተይ ፍጹም ኣይምስ ርኣኽዎን - ከምእ'ውን ምዓልታተይ ኣብ ምድሪ ምስ ኣባኸንክዎ ነይረ ፥ዋላኳ ናብ ሰማይ እንተ ኸድኩ፥ እግዚኣብሄር ብንጹር እንተ ድኣ ኣርኢካ ገለ ስጉምቲ ምእዛዝ ሕጂ ፥ብቕጽበት ተኣዘዝ ፥ምእንቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንህይወትካ ከይምልጠካ።

ናይ ምእዛዝ ነገር ደረጃ ብደረጃ እዩ።

Chapter 5
ምኽፋል ዕዳይ

ኣብ መጀመርታ 1961 ዓ.ም ፥ብኡ ንብኡ ድሕሪ ምጥማቐይ ጎይታ ምስኡ ክመላለስ ዝቕጽል ስጉምቲ ክወስዶ ዘሎኒ ኣርኢኒ።ዕዳይ ንእግዚኣብሄር ሙሉእ ብምሉእ ተኸፊሉ እዩ።ሕጂ እምብኣር ግዜ ምኽፋል ዕዳ ንሰብ እዩ - ብማዕረ ሙሉእ ብሙሉእ።


ኣብ ዝሓለፈ ገንዘብ ናይ መንግስቲ ከም ዘታለልኩ ዘኪረ።የሱስ በለ "ናይ ቄሳር ንቄሳር ሃብዎ፥ቅድሚ "እቲ ናይ ኣምላኽ " ምሃብና (ማቴ 22=21)።እንተ ዘይኮይኑ ካብ "ቄሳር" ዝሰረቕናዮ ንእግዚኣብሄር ክንህቦ ኢና።ስለዚ ሓሲበ ደሚረዮ ክንደይ ንመንግስቲ መሊሰ ክኸፍሎ ከም ዘሎኒ።ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣሃዝ ተወላዊለ -ሓደ ካብኦም 20% ዝያዳ ካብቲ ሓደ ነይሩ።ኣብ መወዳእትኡ፥ ሓቂ ንናይ ሰብ ተፍጥሮ ፥ ነቲ ዝትሓተ መሪጸ። ሓደ ምዓልቲ ኣብ ዘህልቑ 5=6,7 ኣንቢበ ፥እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ዝኣዘዞ ካሕሳ ክኸፍሉ ከለዉ፥ካብቲ ዝተኣወድዎ 20% ክውስኹ ነይርዎም !! እዚ ቃል ንጹሩን ቀጥታ ቃል ካብ እግዚኣብሄር ንልበይ ነይሩ፥ንሱ እቲ ዝልዓለ መጠን ተመሊስ ክኸፍል ደሊዩኒ። እዚ መጠን ዳርጋ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይ ወርሓዊ ደሞዘይ መጺኡ ! ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ክሳብ ዝክኣለኒ ገንዘብ ከቐምጥ ጀሚረ ፥ምእንቲ ዕዳይ ክኸፍል ቀልጢፈ ክሳብ ዝተኽኣለኒ።


ኣብ መወዳእታ እቲ መጠን ገንዘብ ምስ ኣዋህለልክዎ ።ካልእ ጸገም ገጥምኒ፥ መንግስቲ ቁኑዓት ሰባት ካሕሳ ዕድኦም ክኸፍሉሉ ዝኽእሉ ዝኾነ ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ኣይነበሮን !! ስለዚ ናብ መደበር ባቡር ብምኻድ ብዙሕ ናይ ነዊሕ ግዕዞ ናብ ካልእ ጫፍ ህንዲ ዘብጽሕ ትኬት ገዚኤ፥እዚ ኽኣ ነቱ ዝኸፍሎ ካሕሳ ሸፊንዎ።ሽዑ ነቲ ትኬት ቀዲደዮ ።በዚ ምኽንያት ክኣ ኣቲ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ካዝና ከም ዝበጽሔ ኣረጋጊጸ። ሕጂ ኣብ ባንኪ ቁጽሪ ሕሳበይ ባዶ እዩ፥እንተ ኾነ ልበይ ብሓጎስ ጊይታ መሉእ ኮይኑ።


ዘኪዎስ ነቶም ኩሎም ዝዓመጾም ክኸፍል ምስ ወሰነ ጥራይ እዩ ጎይታ ከምዚ ዝበሎ "የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት ምድሓን ኰነላ፡ በሎ" (ሉቃስ 19=9-10)። ከም ኩሉ ሰብ ፥ዘኪዎስ ብፍቕሪ ገንዘብ ጠፊኡ እዩ እዩ ነይሩ የሱስ ክኣ ካብዚ ኣድሒንዎ። ኣነውን ከምኡ ብፍቕሪ ገንዘብ ጠፊኤ ነይረ የሱስ ካብኡ ኣድሒኑኒ እዩ። "እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ" (1 ጢሞ 6=10) ፥ድማ ጎይታ ካብዚ ከድሕነና ይደሊ እዩ።ጥራይ ሽዕኡ ከምዚ ክብል ዝኽእል "መድሓን ናብዛ ቤት መጺዩ " ።ንሱ ንበይኑ ጥራይ እዩ ነዚ ክፉእ ሙሉ ብሙሉእ ካብ ልብኻ ክምሕዎ ዝኽእል።ኮይኑ ግን ንሱ ክገብሮ ዝኽእል ነቶም እዚ ክገብሮ ንዝሓተትዎ ጥራይ እዩ።


ዕዳ ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ፥እቲ ንእዎዶ ይቕሬታ ምሕታት ክኸውን ይኽእል እዩ።ንእሽተይ ወዲ ከለኹ፥ቴምብራት ናይ ምእካብ ልምዲ ነይሩኒ፥ድማ ሓደ ግዜ (ዳርጋ ዋጋ ዘይብሉ) ካብ ዓርከይ ዝእክብ ዝነበረ ቴምብራት ሰሪቔ ።ነዚ ሓጥያት ክንስሓሉ ጎይታ ነዚ ንእሽተይ ነገር ኣዘኪሩኒ (እዚ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቐድም ኣቢሉ ዝፈጸምክዎ) ነዚ ሰብ ይቕረ ክብለለይ ክሓቶ።እዚ ዋላ ካብቲ ንመንግስቲ መሊሰ ክኸፍሎ ዝያዳ ከቢድ ኮይንኒ - ምኽንያቱ እዚ ገዛእ ርእሰይ ኣብ ቅድሚ ካልእ ሰብ ከትሕት ዝሓትት ስለ ዝኾነ። እንተ ኾነ ናይ ይቕሬታ ደብዳቤ ክጽሕፍ ወሲነ። እንደገና ናይ ጎይታ ሓጎስ ንልበይ መሊእዎ።


ኣብ ገለ ጉዳይ፥ነቲ ጌጋ ዝፈጸምናዮ ካሕሳ ክንከፍል ዘይክኣል ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ጉዳያት ፥ሰይጣን ቀጻሊ ቅሳነት ክኸልኣና ከነፍቅደሉ ይብልናን፥ግናኸ ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ተቐበልን ኣብ ይርፍቲ ክኣ እቶ።እግዚኣብሄር ነገራት ክዕረዩ ዘለዎም ከርኤና እዩ።ድማ ንሱ ገለ ነገራት ምስ ኣርኣይርን ፥ንሱ ክፍትሸና እዩ ገዛእ ርእስና ኣትሒትናን ብቕጽበት እንእዘዞ እንተ ኾይና -ዝኾነ ይኹን እቲ ዋጋ ብዘየግድስ።


ኣነ ሽዑ ንሽዑ ኣብዘን ክልተ ነገራት ንእግዚኣብሄር ዘይተኣዘዝክዋ እንተ ዝነብር ነይረ፥ብድሕረይ እዞን 43 ዓመታት ሰንሰለት ምስ ጎሰስኩ ነይረ። ድማ ናይ እግዚኣብሄድ ጻዊዒት ንህይወተይ ምስ ስኣንክዎ ነይረ፥ክኣ ንሱ ዝገበሮ ኣገልግሎት ኣይንስሃበንን ነይሩ።እንታይ ጥዓሳ ንኣእምሮይ ምስ ወረሮ ነይሩ ንኹሉ ዘልኣለም ኣብ ሰማይ።


እግዚኣብሄር ደቁ ካብ ኩሉ ዕዳ ናይ ሰብ ሓራ ክኾኑ እዩ ዝደሊ፥ካብ ዝሓለፈ ክኽፈል ክፍታሕ ዘለዎ ገለ ዕዳ ኣለካዶ ? ብኡ ንብኡ ኣደቅሶ፥ ኣብ ህይወትካ ጻዊዕትካ ከይሓልፈካን ከምእውን ኣብ ዘልኣለም ብዙሕ ጥዕሳ ምእንቲ ከይህልወካን።ሙሉእ ብሙሉእ ንምእዛዝ እቲ ግዜ ሕጂ እዩ ! ዓበይቲ ምዓጹ ኣብ ንእሽተይ ወንዳወንዶ እዮም ኔው ነጀው ዝብሉ!

Chapter 6
ምግዛእ ወይስ ዘይምግዛእ

ኣብ መጀመሪያ 1969 ዓ.ም ፥ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ቦንቦይ ከለኹ፥ኣብ ሞስኮት ድንኳን ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ፊዘርሞኒካ ርኤኹ።ከመይ ገይርካ ከም እትጻወተላ ክምሃር ክገዝኣ'ውን ሓሰብኩ፥ እዚ ከም ውልድ ኣምላኽ ፍቓዱ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ነገራት ክደሊ ኣሎኒ-ኣብ ዓብን ንእሽተይ ኣብ ክልቲኡ ።ስለዚ ኽኣ ጸሌን ፍቓድ ኣምላኽ'ውን ደሌኹ።እንተ ኾነ ግን ኣብ ከምዚ ነገራት ፍቓድ ኣምላኽ ኣይፈልጥን ነይረ።ስለዚ ንእግዚኣብሄር ምልክት ሓቲተዮ።ነጊረዮ'ውን እቲ ዋጋ ፊዘርሞኒካ ምስ ዝተወሰነ መጠን እንተ ድኣ ኮይኑ ንዕኣ ክገዝኣ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ኢለ ገመትኩ፥ እንተ ድኣ እቲ ዋጋ ካብቲ መጠን ንላዕሊ ኮይኑብ፥ሽዑ እግዚኣብሄር ክገዝእ ፍቓዱ ኣይኮነን ኢለ ገሚተ።ነታ ፊዘርሞኒካ ክገዝኣ ኣዚየ ህንጡይ ስለ ዝነበርኩ ፥ኣዚየ ተሓንጤን ተስፋ ገይረን ካብቲ ንጎይታ ዝነገርክዎ ስእሊ ንታሕቲ ዋጋ ክኸውን።

እንተ ኾነ ግዳ እቲ ድኳን ዝተሓተ ዋጋ ክሸጣ ፍቓደኛ ዝኾነ፥ካብቲ ንጎይታ ዝጠቐስኩሉ ቁሩብ ዝያዳ ኮይኑ። ገለ ረቛሒታት ክሓስብ ጀሚረ ።ቅድሚ ኩሉ ፥ምሳይ እኹል ገንዘብ ክዕድጋ የብለይን። ካልኣይ ፥እቲ መግስቲ ፊዘርሞኒካ ናብ ሃገር ምምጻእ ኣጊዱን ስለዚ እዚ ምናልባት ናይ መወዳእታ ፊዘርሞኒካ ኣብ ዝኾነ ዱንኳን ቦንቦይ ክትረክብ እትኽእል ትኸውን። ሳልሳይ፥ ነዛ መሰርሒ ሙዚቃ ጥራይ ንናይ ክርስትያን ኣኼባ ክጥቀመላ ደሌ።

እዞም ረቛሒታት እንተ ኾነ ፈሪሶም በቲ ክውን ንእግዚኣብሄር ንምልክት ዝሓተትክዎ እቲ ምልክት ኣይተፈጸመን።ስለዚ ነታ ፊዘርሞኒካ መሳርሒ ሙዚቃ ከይገዝኣ ወሲነ -ካብቲ ዱኳን'ውን ወጼኤ።ነታ ፊዘርሞኒካ ክኣ ክረኽባ ኣይክኣልኩን ሓዚነ'ውን ግናኸ ንጎይታ ስለ ዝተኣዘዝክዎ ሕጉስ እየ።

ድሕሪ ሒደት ምዓልታት ፥ብዛዕባ ክርስቶስ ንሓደ ክርስትያን ዘይኮነ መሳርሕተይ ይምስክረሉ ነይረ፥ንሱ ክምልሶ ዘይፈልጦ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቲትኒ።ከም ክርስትያን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኾነ ገለ ነገር ክምልስ ኣይፈልጥክዎን በዚ ኽኣ ሓፊረ።ናብ ክፍለይ ከይደን ንብሙሉኡ ቃል ኣምላኽ ከጽንዖ ወሲነ ፥ምእንቲ ብድሕሪኡ፥ንኹሉ ሕቶ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ዘለዎ ክፈልጦ።

ካብቲ ናይ ምድሓነይ መረጋገጺ ዝረኸብክሉ ግዜ ኣብ 1959 ኣባይ ድሌት ምንባብ ቃል ኣምላኽ ምዓልታዊ ኣብ ውሽጠይ ረኺበዮ ።ቅድሚ ኩሉ ፥ብዘሎ ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ቀልጢፈ ከንብብ ወሲነ -ድማ ኣብ ሽድሽተ ወርሒ ገይረዮ ።ካብቲ ዘንበብክዎ ሒደት ጥራይ ተረዲኡኒ -እንተ ኾነ ግዳ በቲ ዘንበብክዎ እምነተይ ተሪሩ ።ኮይኑ ግን ዓሚቕ ተማሃራይ ናይ ቃል ኣምላኽ ኣይነበርኩን።

ሕጂ ግን ፥ምጽናዕ ቃል ኣምላኽ ኣዚየ ዘፍቅሮ ኮይኑ ። ኣብ ትርፊ ግዜይ ስዓታት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ፥ምዓልትን ለይትን ክሕልፍ ጀሚረ።ገለ ገንዘብ ኣዋህሊለ ውልዶ ናይ ቃላት ዝርዝር (Young's Concordance) ዓዲገ ህላወ ናይ ዝተፈላለየ ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተጠቂመሉ ።ኣብ ዝሓጸረ ፥ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጥ ዝነበርኩ፥ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሞቕቲ ሓቅታት ክርዳእ ጀሚረ።

ሻቡ ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ነታ ፊዘርሞኒካ ክገዝኣ ከም ዘይደለየኒ ተረዲኡኒ። እንተ ዝገዝኣ ነይረ ፥ንዕኣ ክጻወት ዝያዳ ኣጸቢቐ ስዓታት ምስ እሕለፍኩ ነይረ።ድም ከምቲ ኩሎም ሙዚቀኛታት ኣጽቢቖም ዝፈልጥዎ፥ንመሳርሒ ሙዚቃ ምሒር ክትጻወት ክትክውን መወዳእታ የብሉን።እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ምስዓብ እዩ።ነታ ፊዘርሞኒካ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ባሪያ ምስ ኮንኩ ነይረ።

ኣገዳሲ ኮይኑ ግን፥ድሕሪ ሽድሽተ ዓመት ፥ካብ ሓደ ሰብ መሳሪሒኡ ዝሸጠ ፊዘርሞኒካ ክገዝእ ኪኢለ፥ኮይኑ ግን ሽዑ ኣዚዩ ዓሚቕ ፍቕሪ ንቃል ኣምላኽ ዘሎኒ ኮይነ ነይረ እቲ እታ ፊዘርሞኒካ ክትመልከኒ ኣይትኽልን ነይራ ። ናተይ ባሪያ እያ ነይራ።ናይ ሙዚቃ ኪኢላ ፍጹም ኣይኮንኩን ፥ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ሓደ ዝሓሸ ንዓይ ነይርዎ ፥ኣብ 1961 ዓ.ም ፍጹም ዘይፈልጦ ዝነበርኩ።ሎሚ ፥የመስግን እየ ኣነ፥እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህር እየ ሙዚቀኛ ኣይኮንኩን ድማ ህይወተይ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ይሕሊፈዮ ክኣ ሙዚቃ ኣይኮነን። ብዙሓት ንፍዓት ናይ ክርስትያን ሙዚቀኛታት ኣለዉ እንተ ኾነ ግዳ ብዙሓት ዝተቐብኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምሃራን ግን የለዉን።

ዓበይቲ ምዓጹ ኣብ ንእሽተይ ወንዳዎንዶታት እዮም ዝዞሩ።

Chapter 7
እቲ ጥምቀት ብመንፈስ ቅዱስ

ኣብ መጀመርታ 1963 ዓ.ም ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኮቺን ተመዲበ ነይረ።ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዕቱብ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ነይረ እኹል ጽቡቕ ፍልጠት ናቱ ኽኣ ኣማዕቢለ ነይረ ንሽዑ ዝኣክል ኣብ ሕብረት ቤተ ክርስትያን ክትሰብኽ ዘኽእለካ።ኮይኑ ግን ኣብ ኣገልጉለተይ ዓቢ ሕጽረት ሓይሊ ነይሩኒ።ኣብቲ ሕብረት ዝገብረሉ ቤተ ክርስትያን ፥መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ ነይርና ፥ግናኸ ልክዕ ከም ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ምጽናዕ እዩ ነይሩ-፥ኩሉ ኣእምራዊ ፍልጠት ! ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ዝሰምዖም ዝነበርኩ መልእኽታት 'ውን ከቢድ ኣሰልቻዊ ውዕዪነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ሕጽረት ዘለዎ ነይሩ።

የሱስ ንሰደቃውያን ሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስን ሓይሊ እግዚኣብሄርን ከም ዘይፈልጡ ነጊርዎም (ማቴ 22=29)። ኣብ ናተይ ኩነታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፈልጥ እየ-ንገለ መጠን -ኮይኑ ግን ብርግጽ ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን ነይረ።የሱስ ንደቂመዛሙርቱ ነጊርዎም እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተጠመቑ ጥራይ ሓይሊ ከም ዝቕበሉ (ግብ 1= 5 ,8)። እንተ ኾነ ዝተፈላለያ ናይ ክርስትያን ቤተ ክርስትያናት ኣብዚ ኣርእስቲ ዝተፈላለየ ከም ዝምህራ ኮይኑ ረኺበዮ። ገለ ነፍሲ ወከፍ ዳግም-ዝተወለደ ክርስትያን ብኡ ንቡኡ ብመንፈስ ተጠሚቑ እዩ ኣብ ሓድሽ ልደት ንሱ ኣስተውዒልዎ ይኹን ፥ኣይኹን።ካልኦት ክኣ ሓደ ጎይታ ክደሊ ኣለዎ ብፍላይ ንጥምቀት ኣብ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ዳግም ምውላዱ።በዚ ኽኣ ኣነ ተደናጊረ ። እንተ ኾነ የሱስ ገዛእ ርእሱ ቅድሚ ንሱ ኣገልግሎቱ ምጅማሩ ብመንፈስ ከም ዝተቐብኤ ርኤ ( ግብ 10=38)።ሽዑ እዚ ክንደይ ዝኣክል የድሌኒ ? ከምእ'ውን የሱስ ተዛሪቡ ኣሎ ዝኾነ ብእኡ ዝኣምን ሰብ ካብኡ ሩባታት ማይ ህይወት ከም ዝውሕዝ ።ኮይኑ ግን ካባይ ዝውሕዝ ዝነበረ ጸረር ጥራይ ዝብል ኮይኑ ረኺበዮ። ገለ ነገር ጎዲሉኒ ከም ዘሎ ኽኣ ተረዲኡኒ።ስለዚ ኽኣ ንሓይሊ እግዚኣብሄር ክደሊ ወሲነ፥ብዘይ ምውልዋል ብዛዕባ ስነ-መሎኮታዊ ክርክር ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ።ነቲ ውሓዚ ደሌ።

ናብ ማሕበር ብዛዕባ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ዘተኩሩ ከይደ፥ ክሕጉዙኒ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖም ክርኢ።ኣዚዮም ውዕውዕ መንፈስ ነይርዎም ፥ኮይኑ ግን በቲ ብዙሕ ኣብ ማእከሎም ዝርኣኽዎ ኣይተሓጎስኩን ።ኣዚዩ ብዙሕ ድምጽን ስሚዒታውነትን ነይርዎም።ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ኣተኩሮ ኣብ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ንክርስቶስ ምምሳል ኣይነበረን ( እቲ መንፈስ ቅዱስ ቀዳመነት ክህቦ ዝመጸ)።ከምእ'ውን ገንዘብ ዘፍቅሩ ይመስሉ ነይሮም ብዙሓት ፓስተራቶም ! ሓደ ፓስተር እንተ ድኣ ብመንፈስ ቅዱስ ክጥመቕ ኮይነ ! "ሃለሉያ" ዝብል ቃል ክደጋግም ሓቲቱኒ ፥እዚ ክገብር ክኣ ኣቤኽዋ ፥ሃዋርያት ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉል መንገዲ ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈለጥክዎ።ኩሉ እዚ ብርግጽ ምልኣት እቲ መንፈስ ኣነ ዝደልዮ ዘለኹ ኣይኮነን።ግናኸ እቲ 'ዝተተምየነ' ዘረጋገጸለይ ነገር እቲ ናይ ብሓቂ ኣቕሓ ኣዚዩ ክቡር ከም ዝኾነ ጥራይ እዩ -ምኽንያቱ ሰባት ዝተተምየነ ዝገብሩ ጥራይ ንኽቡራት ኣቓሓታት እዮም ! ኣብቲ ጉጅለታት ዝርኣኽዎ ንእግዚኣብሄር ከም ዘይደሊ ነጊረዮ ፥እንተ ኾነ እቲ ናይ ብሓቂ ጥምቀት ኣብ መንፈስ ቅዱስ ደሌ እቲ ሃዋሪያት ኣብ ምዓልቲ ሓምሳ ዝተቐበልዎ፥ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኩሉ ምዓልቲ ይእዌኹ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክኣ ሪኤ እቲ የሱስ ብመንፈስ ከም ዝተቐብኤ ንሱ ብማይ ክጥመቕ ምስ መረጸ እዚ ዘመልክት ክኣ ምምራጽ መንገዲ ሞት ንናይ ባዕለ -ህይወት እዩ።ጎይታ ሽዑ ኣርኢኒ እቲ ብመንፈስ ዝተመልኤ ህይወት ምስ መንገዲ መስቀል ብቐረባ ዝተተሓሓዘ ህይወት ሙኳኑ። ንሱ እንተ ድኣ ኩሉ ግዜ መንገዲ መስቀል መሪጸ፥ኩሉ ግዜ ሓይሉ ኣብ ልዕለይ ከምዝ ህልወኒ ነጊሩኒ ።

ኣብዚ ግዜ እቲ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ መሊኡኒ። ኣካልዊ መግለጺ ኣይነበረን ።ኮይኑ ግን ካብኡ ንኔው ፥ሓድሽነት ፥ናጽነትን ትብዓትን ኣብ ኣገልግሎተይ ረኺበ።ውህበት ምንባይ ክኣ ክለማመድ ጀሚረ- ንኻልኡት ክሃንጽ፥ ከጸናንዕን ክብድህን(1 ቆሮ14=3)።ብውዕውዕ መንፈስ ንየሱስ ኣፍቂረዮን ብሙሉእ ልበይ ከገልግሎ ኽኣ ተመኔ።እቲ መንገዲ መስቀል ንዓይ ኣዚዩ ክቡር ኮይኑኒ።ድማ ዝነድድ ድሌት ንኻልኡት ናብ ክርስቶስ ከምጻ ሃሊዩኒ።ኣብቲ ግዜ እቲ ብልሳን ይዛረብ ኣይነበርኩን።እዚ ድሕሪ 11 ዓመታት እዩ መጺኡ።

እቲ ሽዑኡ ዝተመኮርክዎ መጀመሪያ ጥራይ እዩ ነይሩ። ካብኡ ኣትሒዙ ብመንፈስ እንደገና እንደገናን እንደገናን ክምላእ ነይሩኒ።(ኣብ ግብሪ ሃዋሪያት ጴጥሮስ ሰለስተ ግዜ ብመንፈስ ከም ዝተመልኤ ነንብብ ኢና)። ኩባያ፥ዒላን ወሓዝን ኩሎም ሙሉኣት ክኾኑ ይኽእሉ። ከምኡ ክነሱ ግዳ እቲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዝተፈላለየ እዩ። ናይ ምሕዛ ዓቕምና እናዓበየ ክኸይድ ከሎ፥ እንደገና ክንምላእ የድሌና ።ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ምሓዝ ዓቕመይ ኩባያ እዩ ነይሩ- ኮይኑ ግን ሙሉእን ዝፈስስን ነይሩ ! ናብ ውሓዚ ኽኣ ክዓቢ እዩ ኣብቲ ዳሕረዋይ ዓመታት።

Chapter 8
ሪሒብ ዝተኸፈተ ማዕጾ

ብዙሓት መንእሰያት በቶም ዓበይቲ ይሕዋቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት ከይህልዎም ስለ ዝዓንቀጽዎም የማርሩ እዮም።ግናኽ ኣገልግሎት ዝመጽእ ካብ ጎይታና እምበር ካብ ሰብ ኣይኮነን። እንተ ድኣ ጎይታ ክቐብኣካን ኣግለግሎት ክህበካ ወሲኑ ዝኾነ ሰብ ናይ እግዚኣብሄር ዕላማ ኣብ ህይወትካ ክዕንቅጸካ ኣይክእልን እዩ።ኣብቲ ምዱብ ግዜ - ንሱ ገዛእ ርእሱ እቲ ልክዕ ማዕጾ ክኸፍተልካ እዩ ። ብዝኾነ መንገዲ ኣይክደፍእን እናዞርካውን ኣገልግሎት ክህቡኻ ኣይክትልምንን ኢኻ ! ድማ ዝኾነ ሰብ ኣገልግሎት ከይህልወካ ዓንቂጹኒ ኢልካ ፍጹም ኣይከተማርርን ኢኻ።ጎይታ የሱስ እዩ እቲ ሓደ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ መፍትሕ ዘለዎ (ራኢ.3:7-8) ክኣ ንሱ ክኸፍቶም ይኽእል እዩ ልክዕ ከምቲ ኣውተማቲክ ማዕጾታት ብገዛእ ርእሶም ዝኽፈቱን ብኡ ንቡኡ ኣብ ጥቕኦም ምስ ተጸጋዕና። ነዞም ማዕጾ ክኽፈቱ ዝኾነ ነገር እንገብሮ የልቦን ! ሓደ ምኽንያት ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ንቡዙሓት መንእሰያት ኣገልግሎት ዘይህቦም እቲ ምኽንያት ቀዳምነት ንዕኡን ኣይደሊዩን እዮም ግናኸ ኣገልግሎት -ድማ እዚ'ውን፥ንገዛእ ርእሶም ክብሪ ንኸረኽቡ እዩ።


ኣብ 1963፥ወዲ 23 ዓመትን ዳግም ካብ ዝውለድ ክኣ ኣርባዕተ ዓመት ገይረ ነይረ።እቶም ሽማግለታት ኣብ ናተይ ከባብያዊ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣኼባ ቤተ ክርስትያን ክዛረብ ኣይፈቕድለዩን ነይሮም፥ምኽንያቱ ንዓይ ንእሽተይን ዘይተመኮረ ገይሮም ስለ ዝወሰዱኒ። ስለዚ ናብ ገዛ ሓደስቲ ኣመንትን ኣብ ሩሑቕ ቦታ ዘለዉን ስመ ክርስትያናት(ኣብቲ ዋላ ሓደ ሰብ ክኾዶ ዘይደሊ) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንስለስተ ወይ ኣርባዕተ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ የካይድ ነይረ።ብኸምዚ እዩ ኣነ መጀምሪያ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ክሰብክ ዝተምሃርክዎ።


ኣብ ንሓሰ 1963 ፥ካብ ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ኣብ ምውጻእ ነይረን ክኣ ኣብ ሃይደረባድ ምስ ገለ ይሕዋት ሕብረት ክገብር ናብ ሄብሮን ቤተ ክርስትያን ክበጽሕ ወሲነ።ሄብሮን እቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ሓውና (bakht singh) እዩ ነይሩ ፥ኣብ ህንዲ ኣዚዩ ፍሉጥ መራሒ ቤተ ክስርትያን እዩ ነይሩ።ግናኸ ንሱ ገዛእ ርእሱ ኣነ ናብ ሃይደረባድ ምስ ከድኩ ኣብኡ ኣይንበረን።ኣብ ሰንበት ንግሆ፥እቲ ሽማግለ ሓዊ ኣብ ሄብሮን ቤተ ክርስትያን ኣብቲ ሕብረት እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ክህብ ሓቲቱኒ።ኣብ ንኣሽቱ ኣኼባታት ኣብ ቤተ ክርስትያኖም ኣብ ማድራስ ተዛሪበ ነይረ ድማ ንሱ ካብቲ ኣኼባታ 'ት ገለ በረኸታት ከም ዝተረኸበ ሰሚዒዎ ክኸውን ኣለዎ። ግናኸ እታ ማሕበር ኣብ ሃይደራባድ ኣዚያ ዓባይ ልዕሊ 1000 ሽሕ ኣባላት ዝነበርዎ እያ ክኣ ንኸምዚ ዓቢ ኣኼባ እኩብ ሰብ ከቶ ፍጹም ተዛሪበ ኣይፈልጥን እየ።


እቲ ዝቕጽል ምዓልቲ ካብ ሃይደራባድ ናብ ማድራስ ከይደ ኣብኡ ክኣ ሓው Bakht Singh ረኺበዮ ንሱ ብዛዕባ እቲ ምንቕቓሕ ሰሚዑ ንምንታይ ኣብ ከምዚ ግዜ ካብ ሃይደራባድ መጺኤ፥ ኣብ ክንዲ ኣብኡ ጸኒሔ ምስቲ ምንቕቓሕ ዘይጸናሕኩ ሓቲቱኒ።ግናኸ ንእሽተይ ንምንቕቓሕውን ልምዲ ዘይብለይን እንታይ ከም ዝገብርውን ይፈልጥ ኣይነበርኩን።የግዳስ እዚ ተመክሮ እግዚኣብሄር ንኣገልግሎቱ ክጥቀመለይ ከም ዝደሊ ክኣም ኣተባቢዒኒ።ድማ ብዛዕባ እዚ ምንቕቓሕ ዜና ክዝርጋሕ ምስ ጀመረ ፥ብዙሓት ማዕጾታት ንዓይ ኣብ ዝተፈላለየ ኣስምብሊስ ክኸፈቱ ጀሚሮም።


ንኣገልግሎት ደሌ ናብ ሃይደራባድ ኣይከድኩን።ኣነ እግዚኣብሄር ገዛእ ርእሱ ጥራይ እየ ደሌ ።ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ኣገልግሎት ክጥቀመለይ መደብ ነይርዎ፥ ድማ ንሱ ይፈልጥ ነይሩ ነዚ ኣገልግሎት ምዓስ ድሉው ምዃነይ።ክኣ ኣብቲ ልክዕ ምዱብ ግዜ -ኣብቲ ንሱ ዝወሰኖ ግዜ - ንሱ ማዕጾ ኣገልግሎት ንዓይ ከፊቱለይ ፥ብዘይ ዝኾነ ናተይ ጻዕሪ።


ንዕኡ እንተ ድኣ ኣሚንካዮ፥ዝኾነ ሰብ ንናይ እግዚኣብሄር መደብ ንህይወትካን ኣገልግሎትካን ክዕንቅጸካ ዝኽእል የልቦን።