እቲ ክውን ሓቂ

Written by :   Zac Poonen Categories :   Youth Foundational Truth Seeker
    Download Formats:

Chapter 1
እቲ ክዉን ሓቂ ብዛዕባ እከይ

ሚስጥር እከይ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሚስጥራት ኣብ ዓለም፥ እቲ ሰባት ኣበርቲዖም ክርድእዎ ዝፈተኑ እዩ።በቲ ጥበበኛን ሰናይን ኣምላኽ ኣብ ዝተፈጠረት ዓለም ከመይ ገይሩ ክፉእ ጀሚሩ።

ስለ ምንታይ እዩ ኣብ ሕድ ሕድ ክፋል ዓለም እከይ ላዕለዋይ ኢድ ዝሕዝ? ድማ ስለ ምንታይ እዩ ኣዚዩ ብዙሕ ሕማም፡ ድኽነት፡ ሓዘንን ስቅያትን ኣብ ኩሉ ቦታ ዘሎ? እግዚኣብሄር ክሕግዘና ዘይግደስ ድዩ ኾይኑ? እዚኦም ክምለሱ ዘድልዮም ሕቶታት ኢዮም። ድማ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ይህበና እዩ።

ግና ቅድሚ ተወሳኺ ምቕጻልና፥ ብዛዕባ ዝተወሰኑ ሓቅታት ንእግዚኣብሄር ዝምልከት ንጹር ሓሳብ ንሓዝ።

እግዚኣብሄር ህላውነቱ ካብ ኩሉ ዘልኣለም እዩ።ንሱ መጀመሪያ የብሉን፥ ምኽንያቱ ንሱ ካብቲ ንሕና እንፈልጦ ግዜ ልክዕ ንላዕሊ ዝነብር እዩ።እዚ ክንርድኦ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። ኮይኑ ግን እቲ ምኽንያት እዚ ጥራይ እዩ፤ ኣእምሮና ንጥበብ ኣምላኽ ክሕዞ ኣይኽእልን እዩ - በቃ እዚ ልክዕ ከምቲ ኩባያ ነቲ ኣብ ውቅያኖስ ዘሎ ማይ ክሕዞ ዘይኽእል።

እቲ ኣዚዩ ናይ መጀመሪያ ጥቕሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይጅምር፦

" ኣብ መጀምሪያ እግዚኣብሄር…" (ዘፍ.ምዕራፍ 1 ጥቕሲ 1)። (ዘፍጥረት ካብ ሱሳን ሽዱሽተን መጽሓፍቲ ቀዳማይ ቃል ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።ኩሉ መወከሲ ኣብ'ዛ ንእሽተይ መጽሓፍ ኣብ ሓጹር ዝተውሃበ ንሓደ ካብቶም መጽሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቅስ እዩ) ።

መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ካብ ኩሉ ዘልኣለም ዝሓለፈ ከም ዝነበረ ነዚ ሓቂ ክገልጽ ዋላ ኣይፈተነን።ጥራይ ነቲ ክዉን ይገልጾ።

እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ውልቃዊ ዝምድና ምስ ሰባት ዝደሊ ኮይኑ እዩ ተገሊጹ ።ንሱ ሰብ ኣይኮነን፥ ከምቲ ንሰባት እንርድኦም።ንሱ መንፈስ እዩ፥ ብነፍሲ ወከፍ መገዲ ደረት ዘይብሉን ኣብ ኩሉ ግዜ ካብ ባህሪኡ ዘይቕየር እዩ። ንሱ ኩሉ ሓያል፡ ኩሉ ዝፈልጥ፡ ደረት ዘይብሉ ጥበበኛ፡ ደረት ዘይብሉ ፈቃርን ደረት ዘይብሉ ንጹህን እዩ።

ናይ እግዚኣብሄር ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ጠቕላላ ነብሰ ፍትወት ዘይብሉ እዩ። ስለዚ እዩ ኽዓ ንሱ ካብ መጀመሪያ ሓጎሱን ደስትኡን ምስ ካልኦት ከካፍል ዝበሃገ።

ስለዚ ኽዓ ንሱ ህያው ፍጥረታት ፈጢሩ። ቅድሚ ኩሉ መጀመሪያ ንሱ ሚሊዮናት መልኣኽቲ ፈጢሩ፥ ምእንቲ ክብሩን ሓጎሱን ንሱ ምስኦም ከካፍል። እዚ ነዊሕ ግዜ ቅድሚ ንሱ ዝኾነ ሰብ ምፍጣሩ እዩ ነይሩ።

ኣብ ሞንጎ እቶም መላእኽቲ፥ እግዚኣብሄር ሓደ መራሒኦም ክኸውን ፈጢርዎ። ስሙ ኽዓ ሉሲፈር ይበሃል ነበረ። እቲ ስም፥ ዋላ'ኳ ሕጂ ከም ክፉእ ስም እንተ ተወሰደ፥ ሓደ እዋን ናይቲ ክብሪ ዝመልኦ፥ ጥበበኛን ኣዚዩ ዝጸበቐ ካብ ኩሎም መላእኽቲ ነይሩ።ንሱ ርእሲ ኩሎም መላእኽቲ ነበረ።

ጎይታ ንሉሲፈር ዝምልከት ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦

" ጥበብ ዝመልኣካ፣ ፍጹም ዝመልክዕካ ብሉጽ ማሕተም ነበርካ። 13 ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ።በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ፣ ሰርድዮስ፣ ቶጳዝዮን፣ ከልቄድዮን፣ ክሪሶሊት፣ ሰርዶንክስን፣ ያስጲስ ሰፊሮስ፣ ክሪሶጵራስ፣ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፣በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ። 14 ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። 15 ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድኻ ፍጹም ነበርካ" (ህዝ.28:12-15)።

ዘይከም ከዋኽብትን ኣእዋምን እግዚኣብሄር ንሉሲፈርን ካልኦት መልኣኽትን ብነጻ ፍቓድ ንእግዚኣብሄር ክእዘዝዎ ወይ ከይእዘዝዎ ክመርጹ ከም ዝኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም።

ነጻ ፍቓድ ንሰብ እቲ ናይ መጀመርያ ጠቓሚ ክፉኡን ጽቡቕን ዝፈሊ ፍጥረት ንክገብሮ እዩ።ከዋኽብትን ኣእዋምን ጽቡቕ ይኹን ክፉእ ክገብሩ ኣይክእሉን እዮም፤ ምኽንያቱ ንባዕሎም ክመርጹ ኣይኽእሉን። ንሕጊ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ይእዘዙ፥ ምኽንያቱ ብዘይ ነጻነት ንምምራጽ እዮም ተፈጢሮም። ስለዚ ድማ ደቂ ኣምላኽ ክኾኑ እዉን ኣይኽእሉን። ሮቦት፥ ተመራማሪ ዝሰርሖ ሕድ ሕድ ትእዛዝ ንሱ ክገብሮ ዝተሰረዓሉ ክእዘዝ ይኽእል፥ ከምኡውን ፍጹም ኣይዕዘምዝምን - ዘይከም ወዲ ናቱ! ግና እቲ ሮቦት ፍጹም ወዲ እቲ ተመራማሪ ከኸውን ኣይኽእልን እዩ።

እቲ ካልኣይ ንሰብ ኣድላይ ጽቡቕን ክፉኡን ዝፈሊ ፍጥረት ንክኸውን ዝገብሮ ሕልና እዩ።ኣዕዋፍን እንስሳታትን ብድሌቶም ነገራት ክገብሩ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።እንተ ኾነ ግና ጽቡቕን ክፉኡን ክፈሊዩ ኣይኽእሉን እዮም።ምኽንያቱ ሕልና የብሎም። ስለዚ ቅዱሳን ወይ ሓጥኣን ክኾኑ ኣይኽእሉን እዮም።በዚ ምኽንያት ውሉድ ኣምላኽ ክኾኑ ኣይኽእሉን።ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ጽቡቕን ክፉኡን ዝፈልጥ ህላወ እዩ

ብሓቂ ግዳ እቶም ኣዕዋፍን እንስሳታትን ውሉድኩም ክኾኑውን ኣይክእሉን እዮም።

ንከልቢ ነፍሲ ወከፍ ትእዛዝ ዝሃብካዮ ክእዘዝ ክትዕልሞ ትኽእል ኢኻ። እንተ ኾነ ግና እቲ ከልቢ ፍጹም ወድኻ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።ምኽንያቱ ወድኻ ናትካ ተፈጥሮ ክህልዎ ኣለዎ - ከልብኻ ግና እዚ የብሉን።

እግዚኣብሄር ግን ንሰብ ብምስሉ ገይሩ ፈጢርዎ።እዚ ደቁ ክንከውን ተኽእሎ ይህበና።

ሕልና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድምጺ እቲ ጽቡቕን ክፉኡን እንፈሊ ፍጡራት ምዃና ዘዘክረና ፤ ከምኡዉን ናይ እግዚኣብሄር ሕግታት ክንጥሕስ ከለና ዝረትዓና እዩ።

መልኣኽቲ ብኽልቲኡ ነጻ ፍቓድን ሕልናን እዮም ተፈጢሮም።በዚ ኽዓ ኣብቲ ግዜ ናይ እግዚኣብሄር ፍጥረት ፍሉያት ነይሮም፥ ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉኡን ዝፈልዩ ፍጥረት ስለ ዝነበሩ። እንተ ኾነ ግና ፥ ሉሲፈር መራሒኦም፥ ጽቡቕ ዘይኮነ ሓሳባት ክህልዎ ጀሚሩ።

እዚ እዩ እከይ መጀመሪያ ኣብ'ቲ ኣጽናፍ ዝጀመረ።

ናይ ሉሲፈር ሓሳባት ጽቡቕ ዘይኮነ ሓሳብ ጥራይ ኣይነበረን፥ ናይ ትዕቢት ፥ ናይ ዓመጽን ዘይምዕጋብን ሓሳባት እዮም ነይሮም።

ኣጽናፍ ክሳብ ሽዑ ምሉእ ብምሉእ ንጹህ እዩ ነይሩ።እንተ ኾነ ግና ሕጂ እከይ እቲ ግናይ ርእሱ ደጀኑ ኣብ ልቢ ፍጡር ምስ ነጻ ፍቓድ ዝተፈጠረ ኮይኑ።

ዘክር እከይ ጅማሪኡ ፈለማ ኣብ ልቢ እዩ።ግዳማዊ ተግባር መጀመሪያ ኣይነበረን።ዋላውን ሎሚ፥ ኣብ ልቢ እዩ ጀሚሩ።

ከምኡውን ዘክር እቲ ናይ መጀምሪያ ሓጢያት ናብ ዓለም ክፉእ ዘመጽአ ትዕቢት እዩ ነይሩ።ሽዑ እግዚኣብሄር ንሉሲፈር ካብ ቀረብ ህላውነቱ ኣባሪርዎ። ድማ ሉሲፈር ካብ'ታ ህሞት ኽዓ ሰይጣን ተባሂሉ ተጸዊዑ።

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሰይጣን ውድቀት ከምዚ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ፦

" ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ። 13 ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላክ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። 14 ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ። 15 ኣይፋልካን፡ ናብ ሲኦል፡ መዓሙቚ ጒድጓድ ደኣ ኽትድርበ ኢኻ" (ኢሳ.14፡12-15) ።

ግናኸ ሉሲፈር ኣብቲ ዝተሰጎጎሉ ግዜ፥ ካልኦት ቁጽሪ መልኣኽቲ ኣብ ዓመጹ ክጽንበርዎ ገይሩ እዩ። እቶም ዝተጸንበርዎ ሚሊዮናት መልኣኽቲ እዮም ነይሮም። እኳ ድኣ ሲሶ ናይ ኩሎም መልኣኽቲ ኣብ ሰማይ (ከምቲ እነንብቦ ኣብ ራእ.12፡4) ።ስለዚ ድማ ኣምላኽ ንዕኦምን ንሉሲፈርን ኣባሪርዎም። እዞም ዝወደቑ መልኣኽቲ ርኹሳት መናፍስቲ ኣጋንንቲ ሎሚ ንሰባት ቅሳነት ዝኸልኡን ዘሸግሩን እዮም።

ምናልባት ንስኻ ገዛእ ርእስኻ ብርኹሳት መናፍስቲ ወይ ብኻልኦት ኣባኻ ጸሊም ኣስማት ዝገበሩ ተሸጊርካ ትኸውን። ከምኡ እንተ ድኣ ኾይኑ ፥ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኻ ጥዑም ዜና ኣለዎ።ምሉእ ብምሉእ ንኹሉ ግዜ ካብቲ ቅሳነት ዝኸልኡኻ ሓራ ክትወጻ ትኽእል ኢኻ።

ብዘሎ እዚ መጽሓፍ ብጥንቃቔ ኣንብብን ኣብቲ ግዜ መወዳእታ ዝበጻሕካሉ፥ እግዚኣብሄር ንዓኻ ክገበረልካ ዝኽእል ትኣምራት ክትርኢ ኢኻ።

እቲ ሕቶ ገለ ሕጂ ክሓትዎ ዝኽእሉ፥ "ሰይጣን እንተ ድኣ እቲ ጠንቂ ናይ ኩሉ ክፉእ ኣብ ዓለም ኮይኑ፥ ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ንሰይጣንን ንኹሎም ካልኦት ርኹሳት መናፍስቲን ዘየጥፍኦም ?"

እግዚኣብሄር ብርግጽ ብቕጽበት ክገብር ይኽእል እዩ። ንሱ እንተ ድኣ ደሊዩ።

ኮይኑ ግን ኣይገበሮን።

እዚ ዘረጋግጾ እግዚኣብሄር፥ በቲ ደረት ዘይብሉ ጥበቡ፥ንሰይጣንን ነቶም ኣጋንንትን ክህልው ብምፍቃዱ ዕላማ ኣለዎ።ክፋል ናይ'ዚ ዕላማ ድማ ንሰይጣን ተጠቒሙ ህይወት ኣብዛ ምድሪ ከቢድ ፥ ዘይውሕስን ሓደገኛን ክገብሮ፥ ስለዚ ድማ ሰባት ኣብ ክንዲ ምቾት ኣብዛ ምድሪ ምድላይ ናብ ኣምላኽ ክምለሱን ዘልኣለማዊ ሓሳብ ንክሓስቡን እዩ።

እንተ ድኣ ህይወት ኣብዛ ምድሪ ኣዚዩ ምቾት፡ ብዘይ ሕማም፡ ብዘይ ጥዕና ምስኣን፡ብዘይ ስቅያት፡ብዘይ ድኽነት ወይ ሕሰም ኾይኑ፣ ዋላ ሓደ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ብጠቕላላ ኣይምሓሰበን።ስለዚ እግዚኣብሄር ኩሉ ሕሰም ውሕስ ዘይኮነ ምድራዊ ህይወት ብዛዕብኡ ክንሓስብን ኣብ ግዜ ጸበባና ናብኡ ክንምለሰን ተጠቒሙሉ።

ዋላ እቲ ሽግራት፥ እቲ ሕማማትን እቲ መከራን ሰይጣን ኣብ ህይወትካ ዘምጽኦ ኩሉ በቲ ፈቃር እግዚኣብሄር ምእንቲ ናብኡ ክመልሰካ ዝፈቐዶ እዩ።በዚ ርድኢት፣ ናይ እግዚኣብሄር ፍቕሪ ንዓኻ መግለጺ እዩ።

እዚ መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

ሓደ ዛንታ ሰሚዐ ኣለኹ ናይ ሓደ ብዓል ትካል ናብ እግዚኣብሄር ቀረባ ዝነበረ።ትካሉ ምስ በልጸገሉ ንሱ ካብ እግዚኣብሄር ርሒቑ ከይዱ። እቶም ሽማግለታት ኣብ ቤተ ክርስትያኑ ዝነበሩ ብተደጋጋሚ ተዛሪቦሞ ናብ ጎይታ ክመልስዎ ፈቲኖም፥ እንተ ኾነ ንሱ ብዋኒኑ ዝተትሓዘ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ መርዛም ተመን ካብቶም ስለሰተ ደቁ ነቲ ዝንኣስ ነኺስዎ፥ ድማ እቲ ቆልዓ ብጹኑዕ ሓሚሙ።ዋላ እቶም ዶክተራት ኩሉ ተስፋ ቆረጹ።ሽዑ እቲ ኣቦ ብሓቂ ተሻቒሉ፥ ኽዓ ንሓደ ካብቶም ሽማግለታት ቤተ ክርስትያን ናብቲ ቆልዓ ክጽልየሉ ልኣኸ።እቲ ሽማግለ ብዓል ልቦና እዩ ነይሩ።ንሱ መጺኡ ከምዚ ኢሉ ጸልዩ፥ "ጎይታ የመስግነካ ስለቲ ነቲ ቆልዓ ክነክስ ተመን ዝሰደድካ - ምኽንያቱ ፍጹም እዞም ስድራ ብዛዕባኻ ክሓስቡ ኣይምገበርኩዎምን።ኮይኑ ግን ኣነ ኣብ 6 ዓመታት ክገብሮ ዘይክኣልኩ፥ እዚ ተመን ግን ብቕጽበት ሕጂ ገይርዎ! ሕጂ ትምህርቲ ረኺቦም እዮም ጎይታ ነዚ ቆልዓ ፈውስ። ድማ ዝኾነ ካልእ ግዜ ብዛዕባኻ እንደ ገና ኣትማን ከዘክርዎም ፍጹም ዘየድልዮም ምዃኑ ፍቐድ "።

ብዛዕባ እግዚኣብሄር ፈጺሞም ዘይሓስቡ ሰባት ኣለው፥ ሓደ ምዓልቲ ብካንሰር ወይ ገለ ካልእ ጽኑዕ ሕማም ብሃንደበት ናብ ሆስፒታል ክሳብ ዝውሰዱ። ሽዑ ብሃንደበት ብዛዕባ እግዚኣብሄር ክሓሳቡ ይጅምሩን ንኽድሕኑ ድማ ናብኡ ይምለሱ። ዘይሓዊ ሕማማት፡ ጥዕና ምስኣን፡ ድኽነትን ብዙሕ ካልእ ሓሳር ኣብዚ ዓለም ሰባት ካብ ሓጢያቶም ንምምላስ ነዚኣቶም ኩሎም እግዚኣብሄር ተጠቂሙሎም እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ናይ ዘልኣለም ቤቶም ኣብ ሰማይ ክረኽቡ መሪሕዎም እዩ።እግዚኣብሄር ኽዓ እቲ ክፉእ ነገራት እቲ ሰይጣን ዝገብሮ ንሰባት ካብቲ ዓቲሩ ሒዝዎም ዝነበረ ከድሕኖም ናብ ናይ ዘልኣለም ምድሓን ከምጽኦምን ከምዚ ገይሩ እዩ ዝጥቀመሉ ።

ከም'ዚ ገይሩ እግዚኣብሄር ደጊሙ ደጋጊሙ ንሰይጣን ዓሻ ይገብሮ።

ሰይጣን ናብ ኣዚዩ ዓሚቕ ንኻልኦት ኣብ ዝኹዓቶ ጉድጓድ ክድፋኣ እዩ።።

እግዚኣብሄር ንሰይጣን ክጸንሕ ዝፈቐደሉ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ንውሉዳት ኣምላኽ ንምጽራይ እዩ።

ኣብነት ሓዊ ኣብ ግምት ኣእትዉ: ኣብ ታሪኽ ዓለም ሚሊዮናት ሰባት ብሓዊ ነዲዶም ከም ዝሞቱ ንፈልጥ ኢና ። በዚ ምኽንያት ግና ዋላ ሓደ ምጥቃም ሓዊ ደው ዘበለ የልቦን። ስለ ምንታይ? ምኽንያቱ ብሓዊ እዩ ምግቢ ዝበስል፥ መኻይንን ኣውሮፕላናት ማሽናትን እዉን ዝዓያ። ወርቂውን ብሓዊ ጥራይ እዩ ክጸሪ ዝኽእል።ስለዚ ሓዊ፥ ዋላ'ኳ ጎዳእን ሓደገኛን ከሎ፥ ንኣዚዩ ጽቡቕ ጥቕምታት ክዉዕል ይኽእል እዩ።

ብተመሳሳሊ ምንም'ኳ ሰይጣን ክፋእን ንሰባት ናብ ጌጋ ኣንፈት ክመርሕ ዝደልን እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግን ንዑኡ እዉን ይጥቀመሉ እዩ። ንውሉዳት እግዚኣብሄር ብዝተፈላለዩ ሓዊ ዝኾኑ መከራታትን ፈተናታትን ክፍትኖም፥ ቅዱሳትን ንጹሃትን ምእንቲ ክኾኑ፣ ሰይጣን ተፈቒድሉ እዩ ፥ ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ዝሓልፍ።

ስለዚ ዋላ'ኳ እግዚኣብሄር ንኹሉ እከይ ካብ ዓለም ብቕጽበት ክኣልዮ ዝኽእል እንተ ኾነ፥ ንሱ ነዚ ኣይገበሮን፥ ምኽንያቱ ንሱ ክብሪ ዝመልኦ ዕላማታቱ ብኹሎም ገይሩ ይፍጽም ከምዘሎ ንርኢ።

Chapter 2
እቲ ክዉን ሓቂ ብዛዕባ ሓጢያት

ስለ ምንታይ እዮም ገለ ሰባት ከም ናይ እንስሳ ባህሪ ዘርእዩ?

እቲ መልሲ፡ ምኽንያቱ ኣብ ኣካላዊ ድሌታቶምን ኣብ'ዛ ምድሪ ጻንሒቶምን ጥራይ ስለ ዝግደሱ እዮም።

እንስሳ ዝግደሰሉ ነገራት እንታይ እዩ? መግቢ፡ ድቃስን፡ ዕጋበት ስጋዊ ርክብን እዩ።ኩሉ እዚ እዩ።ድማ ሰብ ኣብ እዚኦም ነገራት ጥራይ ዝግደስ እንተ ኾይኑ፥ ናብ ደረጃ እንስሳ ወሪዱ ኣሎ ክንብል ንኽእል ኢና።

እግዚኣብሄር ግን ሰብ ከም እንስሳ ክኸውን ኣይፈጠሮን። ንሱ ንዕኡ ክንመስል እዩ ፈጢርና-ሕማቕን ጽቡቕን እንፈልጥን ቅኑዓትን፥ ምስ ባህሪን ባዕልኻ ናይ ምቁጽጻር ሓይልን፥ ግና ንናይ እንስሳታት ድሌት ባሪያ ክንኸውን ኣይኮነን።

እቲ ካብ እንስሳታት ንላዕሊ ጥበብ ዝመልኣናን ዝተምሃርናን ምዃና፥ ካብኦም ዝበለጽና ኣይገብረናን እዩ! ዋላ በላሕትን ምሁራትን ሰባት ፡ ንስሰዐ ፥ ንርእሰይ ይጥዓመኒ፡ ፍትወት ግብረ ስጋን ቁጥዐን ወ.ዘ.ተ ባራዩ እዮም።

ካብ ኣእምሮና ዝዓሞቐ ክፋል ናትና ኣሎ፥ ንሱ ድማ መንፈስና እዩ።መንፈስና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ክንርዳእ ይገብረና።እዚ እዩ ኸዓ እቲ ዝኾነ እንስሳ ዘይብሉ።

ከምቲ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ዝርኣናዮ፥ እግዚኣብሄር ከም ጽቡቕን ሕማቕን እንፈልጥ ፍጡራት ብነጻ ክንመርጽ ሓይሊ ዘለና ገይሩ እዩ ሰሪሑና። እቲ ሓደጋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ምህላው ግና ነቲ ናጽነት ንርእስና ባህ ከነብልን ንሕጊ እግዚኣብሄር ከይንእዘዘን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።ኮይኑ ግን እግዚኣብሄር ነቲ ሓደጋ ክወስድ ፍቓደኛ ነይሩ ምኽንያቱ ንሱ ብነጻ ዝመርጽዎ-ውሉድ እዩ ዝድሊ ።

ኩሉ፥ እዚ ዕግርግር፡ ሕንፍሽፍሽ፡ ሕማማትን፡ እከይን ኣብ ዓለም ቀጥታዊ ውጺኢት ሰብ ንእግዚኣብሄር ዘይምእዛዙን ንሰይጣን ክኣ ምስምዑን እዩ።

ናይ መጀመርያ ሰብኣይን ሰበይትን እግዚኣብሄር ዝፈጠሮም ኣዳምን ሄዋንን ተባሂሎም ይጽውዑ ነይሮም።ክፍጠሩ ከለው ኣበሳ ዘይብሎም እዮም ነይሮም። እንተ ድኣ ቅዱሳት ክኾኑ ኮይኖም ምርጫ ክገብሩ ነይሮም። ድማ ምእንቲ ምርጫ ክገብሩ፥ክፍተኑ ነይርዎም።ስለዚ ንክፋእ ክኣብዩን ኣብ ክንድኡ ንኣምላኽ ክመርጹ ምእንቲ ክኽእሉ።ስለዚ እዩ ድማ እግዚኣብሄር ሰይጣን ክመጽእ ክፍትኖም ፈቒዱ።

እዚ ኣብ መጀመርያ መጽሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ፥ ኣብ ምዕራፍ 2 ን 3 ን ብዛዕባ እዚ ነንብብ።

ኣብ መንጎ በደል ኣልቦን ቅድስናን ኣዚዩ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ።በደል ኣልቦ ማለት እቲ ኣብ ቆልዓ እንርእዮ እዩ።እንተ ድኣ ኣዳም ምስ ተፈጠረ፥ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ክትፈልጡ ደሊኹም፥ ኣብ ቆልዓ ርኣዩ - በደል ኣልቦ፥ ድማ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉኡን ዘይፈልጥ እዩ።ግናኸ እቲ ንእሽተይ ቆልዓ ቅዱስ ወይ ፍጹም ኣይኮነን።ምእንቲ ፍጹም ክኸውን እቲ ቆልዓ ክዓብን ገለ ምርጫታት ክገብርን ኣለዎ ምእንታን ንኣምላኽ ክመርጽን ንእከይ ክኣብን።

ኣብ ሓሳብና ኢድና ንፈተና ከይንህብ ክንኣቢ ከለና እቲ ባህሪ ነማዕብል። እዚ ሎሚ ዘለኻዮ ዝኾንካ ብምኽንያት እቲ ምርጫታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ህይወትካ ዝገበርካዮ እዩ።

እቶም ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ካባኻ ዝሓሹ እንተ ድኣ ኮይኖም፥ እቲ ምኽንያት ካብቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ንላዕሊ ዝሓሸ ምርጫታት ስለ ዝገበሩ እዮም። ኩላትና ኩሉ ምዓልቲ ምርጫታት ንገብር ኢና-ድማ እቶም ምርጫታት ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም እንኸውን ይውሱኑ እዮም።

እግዚኣብሄር ናይ መጀመርያ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሰርሐ፥ ንሱ ብሰይጣን ክፍተኑ ብምፍቃድ ቅዱሳን ክኾኑ ዕድል ሂብዎም።ንሱ ኣብ ኣታኽልቲ ኣቕሚጡ ብዘይካ ካብ ሓንቲ ካብ ኩሎም ፍራፍረ ክበልዑ ነጊርዎም።እዚ ፈተና እዩ ነይሩ።

ብርግጽ እዚ ኣዚዩ ቀሊል ፈተና እዩ ነይሩ -ምኽንያቱ ናብ ኣታኽልቲ ኣሽሓት ማራኺ ኣእዋምን ኣዚዩ ምቁር ፍረ ዘለዎን እዮም ተሰዲዶም፥ ካብ ኩሉ ክበልዑ ድማ ተነጊርዎም፥ ብዘይካ ፍረ ሓንቲ ኦም። ግናኸ ካብ ምእዛዝ እዚ ቀሊል ፈተና ወዲቖም።

ሰይጣን ናብ እቲ ኣታኽልቲ መጺኡ ንኣዳምን ሄዋንን ፈቲንዎም፥ ከምዚ ብምባል፡ እንተ ድኣ ካብ'ታ እተኸልከለት ኦም በሊዖም ኣምላኽ ከም ዝኾኑ።ኣብቲ ግዜ እቲ ፤ ኣዳምን ሄዋንን ዝገጠሞም ፈተና ቀሊል ጉዳይ ምብላዕ ወይ ዘይምብላዕ ፍረ ኦም ኣይነበረን።ግናኸ ልክዕ ከም ኣምላኽ ምዃን እዩ ነይሩ እንተ ደኣ ደሊዮም።

እዚ ሓደ ግዜ እቲ ሰይጣን ገዛ ርእሱ ክኾኖ ዝደለዮ እዩ ነይሩ። ድማ እዚ እዩ ነይሩ እቲ ንኣዳምን ሄዋንን ዝነገሮም፤ ንሶምውን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ። ብርግጽ እቲ ሰይጣን ዝነገሮም ሓሶት እዩ ነይሩ - ልክዕ ከም'ዚ ናቱ ሓሶታት ሎሚ ንሰባት ዘስሕቶም ዘሎ።ከምቲ ሎሚ ብሓሶታት ሰይጣን ሰባት ዝወድቁ ዘለዉ፥ ኣዳምን ሄዋንን እውን ሽዑ ወዲቖም። ንኣምላኽ ኣይተኣዘዙን፤ ክኣ ተሳቕዮም ከምቲ ሰይጣን ኣቐዲሙ መወዳእትኡ ዝሓለፎ ዕጫ። ካብ ናይ እግዚኣብሄር ህልውና ተሰጊጎም።

ኩሉ እቲ ዝርዝር ፍጻመ ኣብ ናይ መጀመርያ መጽሓፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ -ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሰለስተ ክንበብ ይከኣል እዩ።

ኣዳምን ሄዋንን ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ብዘይ ምእዛዞም ኩሉ ከም ዝኽእሉን ሓራ ከም ዝወጹን ሓሲቦም ነይሮም፥ ልክዕ ከም ኣምላኽ ዝነበሮ።ግናኸ ሓራ ኮይኖምዶ? ኣይፋሉን። ንሶም በቃ ባሪያ ሰይጣን ኮይኖም።ብሓቂ ሓራ እንኸውን ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ብምእዛዝ ጥራይ እዩ።

ሰይጣን ንኣዚዮም ብዙሓት ሰባት ዘስሕቶም ኣብ'ዚ እዩ።እንተ ድኣ ኣብ ህይወት ብሓቂ ክሕጎሱ ዝደልዩ ኮይኖም ንትእዛዝ ኣምላኽ ሸለል ክብልዎ ሰይጣን ይነግሮም።

ሕጂ እምብኣር ከመይ ኢሉ ሓጢያት ኣብ ዘርኢ ሰብ ከም ዝመንጨወ ርኢና ኣለና።

ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን ኣዚዩ ኣገዳሲ ውሳነ ወሲዶም።እቲ ውሳነኦም ክዓ ንባዕሎም፥ ንደቆምን ንህይወት ሙሉእ ዝፈሪ ሳዕቤን ኣምጺኡ።

እቲ ኣብ ህይወት እንወስዶ ውሳነታት ኩሉ ሳዕቤናት የፍሪ እዩ።ኩልና ነቲ ዝዘራእናዮ ክንዓጽድ ኢና። ብዙሕ ግዘ ደቅና እዉን እቲ ዝዘራእናዮ መሪር ፍረ ክዓጽዱ ይግድዱ። ኣብ ጉዳይ ኣዳም፥ ንሱን ሰበይቱን ንዝተረፈ ህይወቶም ካብ ህላወ እግዚኣብሄር ተባሪሮም።

ስለዚ እምብኣር እቲ ሎሚ እንገብሮ ኣናእሽተይ ምርጫታት ዘይኣገደስቲ ወይውን ሎሚ እንዘርኦ ዘለና ኣብ መጻኢ ኣይንዓጽድን ኢና ኢልና ክሓስብ ኣይግባእን እዩ። እግዚኣብሄር ብዝተፈላለዩ ሰባትን ኩነታትን ክንፍተሽ ክንፍተን ይፈቅድ እዩ፥ ምእንቲ ብሓቂ ካብ ዝኾነ ምድራዊ ነገር ንላዕሊ ንእግዚኣብሄር ንደሊ ምዃን ከነራጋግጽ።እዚ እዩ ኸዓ ዕላማ ናይ እቲ ሕድሕድ እንሓልፎ ፈተና-ንፈጣሪ ካብ ኩሉ ዝተፈጥረ ነገራት ኣብሊጽና ዋጋ ከም እንህብ ንምፍታን።

ናይ ኩሉ ሓጢያት መሰረት ካብ እግዚኣብሄር ንላዕሊ ንዝተፈጠረ ነገራትን ንርእስናን ኣብሊጽና ምሕራይ እዩ።ኣብ ክንዲ መገዲ እግዚኣብሄር ናይ ርእስና መገዲ ምድላይ እዩ።ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ባህ እነብል ንገዛእ ርእስና ባህ ክነብል ምድላይ እዩ።

ሓጢያት ዝሙት ወይ ቅትለት ምፍጻም ጥራይ ኣይኮነን። መገዲ ርእስና ምድላይ እዩ።እቲ ጅማረታት ሓጢያት ዋላ ኣብ ንቕጽና ንእሽተይ ቆልዓ ንርእዮ ኢና።ሓጢያት ኣብ ሕድሕድ ናይ ቆልዓ ተፈጥሮ ካብ ዝተወለደሉ ኣትሒዙ ኣብኡ ይሓድር እዩ።ድማ ንሱ ክዓቢ ከሎ፥ ንሱ ናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ክህልዎን ኽጭብጥን ምስ ካልኡት ቆልዑት ክብኣስ ነቲ ዝደለዮ ክረክብ ይውስን።

ናብ በጽሒ ሰብ (ኣካለመጠን) ምስ ዓበና፥ ኣብ ቁልዑነትና ካብ ዝነበርናዮ ብዙሕ ኣይንቕየርን ኢና።ንፉዓትን ሜላታትና ንቕይርን ጥራይ ንኸውን እምበር! ዋላ እዞም ዝሰልጠኑ ሰባት ሓደ ዓይነት ኮይኖም (ከይተቐየሩ) እዮም ዝተርፉ።ንፍትወት ርእሶም፡ ምንዮት ገንዘብን ስጋዊ ፍትወቶምን ብምቕሉልነት ወይ ምናልባት'ውን ብሃይማኖት ደጋዊ ሽፋን ይሽፍንዎ!

ሓጢያት ንኹሉ ቀንዲ መዋቕር ተፈጥሮና ሰንጢቕዎ እዩ። ብሃይማኖታዊ ልማዳት ከም ጾምን ጸሎትን ወይውን ናብ ቅዱስ ቦታታት ብምብጻሕ ወይ ብርእሰ-ምግታእ ከነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና።

ግናኸ እግዚኣብሄር ክሳብ ሓጢያት ክፉእ ምዃኑ ንፈልጥ ይጽበ እዩ።የሱስ ሓደ እዋን ንሱ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽዉዕ ከም ዘይመጸ ተዛሪቡ ነይሩ።እዚ ኣብ ምድሪ ገለ ጻድቃናት ካልኦት ሓጥያተኛታት ነይሮም ማለት ኣይኮነን። ንሱ ብኣሽሙር ገይሩ ነዞም ንገዛእ ርእሶም ጻድቃናትን ቅዱሳትን ገይሮም ዝሓስቡ ዝነበሩ ሃይማኖታውያን ሰባት እዩ ዝተዛረቦም።የሱስ ክብሎ ዝደለየ ንሱ ነቶም ገዛእ ርእሶም 'ጻድቃን' ገይሮም ዝርእዩ ከድሕኖም ከም ዘይኽእል እዩ።

እቶም ሕሙማት ምዃኖም ዝፈልጡ ጥራይ እዮም ናብ ሓኪም ዝኸዱ።ንሕና እዉን መጀመርያ ዘድሌና ሓጥኣን ምዃና ምፍላጥ እዩ።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ንሃሉ፥ ኩላትና ሓጥኣን ኢና። ብሓሳብ፡ ብቓል፡ ብተግባር፡ ብኣረኣእያን፡ ሓቐናን (ተላዓዕነት)፡ ኣንጻር ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ሕግታት፥ ሓጢያት ሰርሒና ኢና።

ናብ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ መለክዒታት ኣይመጻናን።

ሓጢያት ካብ ሕማም ንኣካላትና ንላዕሊ ኣዚዩ ንነፍስና የዕንዎ እዩ።

ግናኸ እዚ ንፈልጦ ዲና?

ንሕማም ኤድስ ከመይ ዓይነት ምላሽ እዩ ዘለኩም -እቲ ኣዚዩ ዝፍራሕ ብጸታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ እቲ ኣብ መሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ?

ኤይድስ ኣዚዩ ተላጋቢ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ሰባት ኣብ ጥቓ ዝኾነ ኤይድስ ዘለዎ ሰብ ክኸዱ ይፈርሑ። ብሓቂ ግን ሓጢያት ካብ ኤይድስ ዝኸፍአ እዩ - እቲ ብሕቲ ፍልልዩ ሓጢያት ንነፍስና እዩ ዘዕንዎ።ስለዚ ድማ እዩ ብደገ (ብኣካል) ክርአ ዘይኽእል።

ናይ ሓጢያት ሳዕቤናት ግና ካብ ኤይድስ ንላዕሊ ኣዚዩ ዝኸፍአ እዩ።ንህይወትና የባላሽዎ፥ ኣብዛ ዓለም ክኣ ዘይሑጉሳት ይገብረና፥ ኣብ መወዳእታ ካብኡ እንተ ድኣ ዘይድሒንና ድማ ንዘልኣለም የጥፍኣና ።




Chapter 3
እቲ ክዉን ሓቂ ብዛዕባ ሕልና

ሕልና እቲ ጽቡቕን ሕማቕን እንፈሊ ፍጥረት ምዃና ብዘይ ምቁራጽ ዘዘክረና፥ምስ ኩሉና ዝተፈጠረ እዩ።ሕልና ድምጺ እግዚኣብሄር ኮይኑ ኣብ ውሽጥና ዘሎ እቲ ንተግባራትና ሓላፍነት ከም እንወስድ ዝነግረና እዩ። እቲ እንነብሮ ዝነበረና ኣካይዳ ህይወትና ንእግዚኣብሄር ሓደ ምዓልቲ መልሲ ክንህበሉ ኢና።

ንሕና ከም እንስሳታት ሕልና ዘይብሎም ኣይኮናን።እንስሳታት ሕማቕን ጽቡቕን ዝፈልጡ ፍጥረት ኣይኮኑን፥ ስለዚ ኽኣ ንዝኾነ ነገር ንእግዚኣብሄር ክምልስሉ ኣይድለን እዩ።እንስሳ ምስ ሞተ በቃ ናቱ እቲ መወዳእታ እዩ።ንዓና ግን ከምዚ ኣይኮነን። ሰብ ብምስሊ እግዚኣብሄር እዩ ተፈጢሩ ስለዚ ድማ ዘልኣለማዊ ፍጡር እዩ።

ንዓና ምዓልቲ ፍርዲ ክህልወና እዩ።ሽዑ ኣብ ሙሉእ ህይወት ዘመንና እቲ፥ ዝገበርናዮ፡ ዝተዛረብናዮን ዝሓሰብናዮን ተመሊሱ ናብ ኣእምሮና ክመጽእን ብእግዚኣብሄር ክዓ ክርአን እዩ።ድማ ብመሰረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዉሃበ መለክዒ ቅዱስ ሕግታቱ ገይሩ ክፈርደና እዩ። ሽዑ ንሕድሕድ ሓሳባትናን ተግባራትናን ንእግዚኣብሄር መልሲ ክንህበሉ ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፥ "ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡውን ፍርዲ እተሰርዖ" (እብ.9:27)። ኣብዛ ምድሪ ብዙሓት ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ካብ መቕጻዕቲ ከምልጡ ይኽእሉ ይኾኑ።ግናኸ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ ናይ እግዚኣብሄር ፍርዲ ወንበር ደው ምስ በሉ እቲ ቅኑዕ መቕጻዕቲ ክረኽቡ እዮም። ብተመሳሳሊ ኽዓ፥ ብዙሓት ሰባት ኣብዛ ምድሪ ንኻልኦት ዝገበርዎ ጽቡቕ ኩሉ ፍጹም ዘይተንኣዱ፥ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ተመሊሱ ምስ መጸ ክሽለሙ እዮም።

ንዝኾነ ይኹን እንገብሮም ነገራት ሓደ ምዓልቲ ንእግዚኣብሄር መልሲ ክንህበሉ ስለ ዝኾና፥ ኩሉ ግዜ ንድምጺ ሕልናና ክንሰምዖ ኣገዳሲ እዩ።

ሕልና ካብ እቶም ዓበይቲ ህያባት ኣምላኽ ሓደ እዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ውህበት "ቃንዛ" ኣብ ሰብነትና ማለት እዩ።መብዛሕትና ንቃንዛ ሞኽታ ጥራይ ከም ዝኾነ ገይርና ኢና እንሓስቦ። ግናኸ ቃንዛ ንህይወትና ከመይ ዓይነት ዓብዪ በረኸት ምዃኑ ኣይንፈልጦን ኢና። ምኽንያቱ ብቃንዛ ገይሩ እዩ ሰብነትና ገለ ነገር ኣብ ገለ ቦታ ጸገም ከም ዘሎ ዘጠንቅቐና።ቃንዛ እቲ ናይ መጀመሪያ ናይ ሕማም መጠንቀቕታ ምልክት ኣብ ሰብነትና ዘርእየና እዩ።ቓንዛ እንተዘይህሉ ነይሩ፥ ከምዝሓመምና ኣይምፈለጥናን፤ ከይፈለጥናዉን ምሞትና። እቲ ግዜኡ ካብ ዘይኣኸለ ሞት ዘድሕነና ቓንዛ እዩ።

ሕማም ደውየ ዘለዎም ሰባት ቃንዛ ኣይስሞዖምን እዩ፥ ምኽንያቱ ደውየ ንመትንታት ዝቐትልን ንኹሉ ስምዒት ዘዕኑን ስለ ዝኾነ።ደውየ ዘለዎ ሰብ ኣብ እግሩ ምስማር እንተኣተዎ ፍጹም ብጠቕላላ ኣይስምዖን እዩ።እቲ እግሩ ረኽሲ ይፈጥር - ንሱ ግና ብዛዕብኡ ኣይክፈልጥን እዩ።ኣብ መወዳእታ እግሩ ኣዚዩ ይኸፍእ እሞ ክቑረጽ ይግደድ - ኩሉ እዚ ምኽንያቱ ንሱ "ናይ ቃንዛ በረኸት" ስለ ዘይብሉ እዩ።

ሕልና ከም ቓንዛ እዩ።ናይ እግዚኣብሄር ሕግታት ክንጥሕስ ከለና፥ ብዛዕባ ሓጢያት ክንሓስብ ከለና ወይውን ድሮ ሓጢያት ምስ ገበርና ዘጠንቅቐና እዩ ።ነቲ መጠንቀቕታ ዕሽሽ እንተ ድኣ ኢልናዮ፥ ብኣንጻሩ ድማ እንተኸይድና፥ ነቲ ምስና ዘሎ ናይ ሓጢያት ስምዒት ቀስ ብቐስ ክንቀትሎ ንኽእል ኢና። ሽዑ ብጠቕላላ ንዝኾነ ይኹን ናይ ሓጢያት ስምዒት ዘይስምዓና ምዓልቲ ይመጽእ ። ሽዑ መንፈሳዊ ደዌታት ንኸዉን-ምስ ዝሞተ ሕልና። ሽዑ ከም እንስሳታት ሕልና ዘይብሎም ንኸዉን።በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ገለ ሰባት ካብ እንስሳ ዝኸፍአ ንላዕሊ ሕማቕ ዝገብሩ። ናይ'ዚ ከምዚ ዓይነት ህይወት መወዳእትኡ ድማ ብእግዚኣብሄነር ዘልኣለማዊ ቅጽዓት ምርካብ እዩ።

ኩሉና ከም እንፈልጦ ሓጥኣን ኢና፥ ምኽንያቱ ሕልናና ነዚ ይነግረና።ነቲ ስምዒት ጸጸት ፍጹም ክነርሕቖ የብልናን፥ምኽንያቱ እዚ ስምዒት ናይ ጸጸት ከም "እቲ በረኸት ቃንዛ" እዩ።መንፈሳዊ ሕምማ ከም ዝሓመምናን ምሕዋይ ከም ዘድልየናን ይነግረና። ሕልና እቲ ዝዓበየ ህያብ እግዚኣብሄር ንሰብ ዝሃቦ እዩ።

የሱስ ንሕልና ምስ ዓይኒ ኣመሳሲልዎ እዩ (ሉቃስ ምዕራፍ 11 ጥቕስታት 34 ክሳብ 36)። ኣዒንትና እቶም ዝጸረዩ ክፍልታት ናይ ሰብነትና እዮም፥ ምኽንያቱ ብዙሕ ሻዕ ኩሉ ግዜ፥ብንብዓትና ይሕጸቡ እዮም።

ኩሉሻዕ ቆብዕ ኣዒንትና ክርግብገቡ ኸለዉ (እዚኽዓ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዋላ ብዘይ ፍላጥና ኣሻሓት ግዘ ክርግብገቡ ይኽእሉ)፥ ርስሓት ኣዒንትና ይሕጸብ። ንእሽተይ ርስሓት ናብ ዓይንና ኣትያ ክተሕምመና እኽልቲ እያ፥ካብኡ እዉን ዓይንና ተሓጽብና እስካብ እነጽርዮ እንሰርሖ ስራሕቲ ኩሉ ጠጠዉ ነብል።

ከምዚ ገይርና ኢና ኽኣ ንሕልናና ኩሉ ግዜ ብጽሬት ክንሕዞ ዘለና።

ሓጢያትና ዝሕደገለናን ዝሕጸበልናን ብእግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ሕልናና ካብ ስምዒት ክሱስነት ከንጽሃና ዝኽእል እቲ እንኮ መገዲ እዚ እዩ ።

ግናኸ ሕድገት ሓጢያት ሕሱር ኣይኮነን።

Chapter 4
እቲ ክዉን ሓቂ ብዛዕባ ሕድገት ሓጢያት

እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ እዩ ሓጢያትና ክሓድገልና ዝኽእል?

እግዚኣብሄር ፍትሓውን ጻድቕን ኣምላኽ እዩ።ንሱ ንሰብ ንሓጢያቱ ዕሽሽ ብምባል ይቕረ ክገብረሉ ኣይኽእልን እዩ። እዚ ዘይፍትሓዊ ክኸዉን ነይሩ።

እግዚኣብሄር ቅዱስን ፍትሓውን ኣምላኽ እዩ።ስለዚ እዩ ድማ ንሱ ንሓጢያት ክቐጽዕ ዘለዎ።

ግናኸ ንሱ ዘፍቅር ኣምላኽ ስለዝኾነ ንሓጢያትና ዝሓድገሉ መገዲውን ፈጢሩ እዩ።

ኩሎም ሃይማኖታት፥ ሕያዎት፡ ሓላላት፡ እሙናት ክንከውን ይምህሩና እዮም። ግናኸ እዚኦም ኩሎም ሕድገት ሓጢያት ምስረኸብና ከመይ ክንነብር ከም ዝግብኣና ዝጠቕሱ እዮም።

ሕያውነት፡ ሰናይነትን እምኑነትን ከም ልዕለ መዋቕር ናይ ህንጻ እዮም።ሕድገት ሓጢያት መሰረት ናይ'ቲ ህንጻ እዩ።

እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክፍሊ ህንጻ ድማ መሰረት እዩ።

እግዚኣብሄር ንሓጢያትና ክሓድገልና፥ ካብቲ ንዓለም ክፈጥር ከሎ ንላዕሊ፥ ንዕኡ ኣዚዩ ከቢድን ዘቐንዙን ሓደ ነገር ክገብር ነይርዎ።

ንዓለም ንምፍጣር፥ እግዚብሄር ቃል ጥራይ ክዛረብ ነይርዎ፥ ዓለም ድማ ናብ ህላውነት ብቕጸበት መጺኣ።

ግናኸ ንሱ ጥራይ ብምዝራብ ሓጢያትና ይቕረ ክብለልና ኣይክኣለን።

ናይ ሰብ ሓጢያት ክሕደገሉ እንተ ድኣ ኾይኑ፥ ሓደ እንኮ መገዲ ጥራይ ነይሩ።

እግዚኣብሄር ከማና ሰብ ክኽውን ነይርዎ።

እግዚኣብሄር ከምቲ ንሰብ ዝገጥሞ ብፈተናታትን ግድላትን ክነብር ነይርዎ። ከምኡ እዉን ንሱ ኣብ ክንዳና ነቲ ናይ ሓጢያትና መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ብምውሳድ፥ ከም መስዋእቲ ክመውት ነይርዎ።

እቲ ናይ ሓጢያት መቕጻዕቲ፥ ስቅያት ወይ ሕማም ወይ ድኽነት፥ወይ ኣብ'ቲ ዝትሓተ ደረጃ ማሕበራዊ ናይ እዛ ዓለም ዝተወለድካ ምዃን፥ ወይ ዝኣመሰሉ ኣይኮነን።እቲ መቕጻዕቲ ናይ ሓጢያት ዘልኣለማዊ ሞት እዩ -እዚ ኽኣ ልክዕ ካብ እግዚኣብሄር ንዘልኣለም ዝተፈለኻ ምዃን ማለት እዩ።

ኣካላዊ ሞት ካብ ኣካላዊ ሰብነት ዝተፈለኻ ምዃን እዩ።ይኹን እምበር፥ መንፈሳዊ ሞት ካብቲ ናይ ኩሉ ህይወት ምንጪ ዝኾነ እግዚኣብሄር ምፍልላይ ማለት እዩ።

እቲ ኣብ መጻኢ እትገብሮ ሰናይ ተግባራት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርካዮ ክፉእ ፍጹም ክስሬልካ (ክእርመልካ) ኣይኽእልን እዩ።ሓጢያት ብሕጊ ኣምላኽ እንእወዶ ዕዳ እዩ።ንሕግታት ሃገራት እንተ ድኣ ዘይተኣዚዝና፥ ንበል ግብሪ ብምድንጋር፥ ኣብ መጻኢ ግብረና ከምእንኸፍል ቃል ብምእታውና ጥራይ ክሕደገልና ኣይኽእልን እዩ።ኣይፋሉን።ዋላ'ኳ ኣብመጻኢ ግብሪ እንተ ኸፈልና፥ ገና ኣብ ዝሓለፈ ዝተኣወድናዮ ክንከፍሎ ኣለና።ሓጢያትና እዉን ብተመሳሳሊ።

ሽሕ'ኳ ብዙሕ ሰናይ ተግባራት ኣብ መጻኢ ክንገብር እንተኽኣልና፥ ገና ኣብ ዝሓለፈ ንዝፈጸምናዮ ሓጢያታት ክንከፍል ኣለና።

ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፥ "እቲ ዝበለጸ ስራሕና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ልክዕ ከም ጽዩቕ ጨርቂ እዩ" (ኢሳ.64:6) ።

እግዚኣብሄር ንጽቡቕ ተግባራትና ይንእድ እዩ።ግናኸ ዋላ እቲ ዝበለጸ ተግባራትና ነቲ መለክዒ ቅድስንኡ ከማልእ ኣይኽእልን እዩ፥ ምኽንያቱ ንሱ ደረት ኣልቦ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ኩነት ኢና ዘለና፥ ዋላ እቲ ጽቡቕ ስራሕና እኹል ኣይኮነን። ናብ ህላወ እግዚኣብሄር ክንኣትወሉ እንኽእል ዋላ ሓደ መገዲ የልቦን።

ንሕና ተስፋ ኣልቦ ጥፉኣት ኢና።

ግናኸ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢ ፍቕሩ ንሓጢያትና ክሓድገሉ ዝኽእል መገዲ ፈጢሩ ።

እግዚኣብሄር ኣዚዩ ዓቢ ዝተወሳሰበ እዩ፥ ብናይ ሰብ ኣእምሮ ሙሉእ ብሙሉእ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ንእግዚኣብሄር ከም ሓደ እዩ ዝገልጾ፥ ግናኸ ኣብዚ ሓደ፥ ሰለስተ ኣካላት ብምዃን፥ ንዓና ከም ኣቦን ወድን (እዚ ማለት ንሱ ሓደ ዓይነት ተፈጥሮ ከም ኣቦ ኣለዎ፥ ክኣ ንሱ ብኣቦ ዝተወለደ ኣይኮነን) መንፈስ ቅዱስን-ኩሎም ማዕረ እዮም።

ብሰብኣዊ ኣእምሮና ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከመይ ገይሮም ሓደ እግዚኣብሄር ክኾኑ ከምዝኽእሉ ክንርድኦ ዘይክኣል እዩ ።ንሕና ዝተፈላለየ ሰብነት ዘለዎም ሰባት ጥራይ ኢና ክንሓስብ እንኽእል። ግናኸ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ።ኣእምሮና ኽዓ ድሩት እዩ። ነቲ ዝተወሳሰበ ተፈጥሮ ኣምላኽ ክርዳእ ኣይክእልን እዩ።

ልክዕ ከምቲ ከልቢ ሰባት ክርድእዎ ዝኽእሉ ነገራት ክርዳእ ዘይኽእል፥ከምኡውን ብዛዕባ እግዚኣብሄር ንሕና ሰባት ክንርድኦ ዘይንኽእል ነገራት ኣለው።እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክገልጸልና ዝመረጾ ጥራይ ኢና ክንፈልጦ እንኽእል።ካብ'ዚ ዝያዳ የልቦን።

ንኣብነት፥ ምናልባት ንሓደ ንፉዕ ከልቢ ምድማር ክትገልጸሉ ትኽእል ትኸውን-እዚ1+1+1=3፥ ኣብ ቅድሚኡ ሰለስተ ዓጽሚ ኣቐሚጥካ ሓደ ብሓደ ብምቑጻር።

ግናኸ ነቲ ከልቢ ምርባሕ ክትገልጸሉ ፈትን -እቲ 1×1×1=1

እዚ ዋላ እቲ ዝበለጸ ከልቢ ክርድኦ ዘይክእል ኮይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።

ንሕና ሰባት ግን ሐደ ብገዛእ ርእሱ ሰለስተ ግዜ ክረብሕ ከሎ ሓደ ከም ዝኸውን ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና!

እምብኣር ሕጂ ካብቲ ንሕና ልዕሊ ከልቢ ዝኾናዮ ፣ እግዚኣብሄር ካባና ንላዕሊ ኣዚዩ ርሑቕ እዩ።

ከልቢ ምርባሕ ከመይ ከምዝኾነ ንክርዳእ ሰብ ክኸውን ኣለዎ።

ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ክንርዳእ ንሕና ሰባት እግዚኣብሄር ክንከዉን ኣለና።

ስለዚ እግዚኣብሄር ሰለስተ ኣካል ኮይኑ ግን ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ እንተ ዘይተረድኣና ኣየገርምን። ።ዋላ'ኳ እንተ ዘይተረዳእናዮ፥ እዚ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፥ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣብ ቃሉ ስለ ዝበለ።

ብተመሳሳሊ ድማ፥ ብዙሓት ሰብኣዊ ትንተና ተጠቒሞም ከምዚ ይብሉ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ እንተ ድኣ ሃሊዩ፥ እምብኣር እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ሰብ፥ እንስሳን፥ ኣትክልትን፥ ኣብ ኩሉ ሃይማኖታዊ ናይ ኣምልኾ ቦታ ክህሉ ኣለዎ ይብሉ። እዚ ነቲ ንእሽተይ ኣእምሮ ሰብ ነቲ ኣምላኻዊ ሓቅታት ዘይተረድኦ፥ሓቂ ይመስል እዩ ።

ግናኸ እዚ ሙሉእ ብ ሙሉእ ሓሶት እዩ ።እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ቦታ ኣሎ ማለት፥ ንሱ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝኸውን ዘሎ ኩሉ ይፈልጥ እዩ ማለት እዩ። ይኹን እምበር ንሱ ብርግጽ ኣብ ሲኦል የለን ፤ ዋላ'ኳ ንሱ ኣብኡ እንታይ ይካየድ ከምዘሎ እንተ ፈለጠ።

እቲ ኣውራ ትርጉም ሲኦል (እቲ ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ ንሓጥኣን) "ቦታ እግዚኣብሄር ዘይብሉ" ማለት እዩ።እዚ እዩ ኽኣ እቲ ስቅያት ናይ ሓጥኣን ኣብ ሲኦል ዘይጽወር ዝገብሮ።

ስለዚ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ኩሉ ኣይሓድርን እዩ።

ንሰብ ብሓጢያቱ ካብ ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ ክድሕን፥ ዳርጋ ቅድሚ 2000 ዓመታት እግዚኣብሄር ኣቦ ብልዕለ ተፈጥሮ መስርሕ ናይ መንፈስ ቅዱስ ንወዱ ከም ህጻን ኮይኑ ብድንግል ክውለድ ሰዲድዎ።

ንሱ የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ ስም ተውሃቦ።

ንሱ ካብ ንእስነቱ ክሳብ ዝባጽሕ፥ ኩሉ ንወዲ ሰብ ዝገጥሞ ፈተና እናገጠሞ ዓብዩ። ክዓ ንሱ ነዞም ኩሎም ፈተናታት ስዒሩ።

ንሱ ፍጹም አብ ኩሉ ሓጢያት ኣይሰርሐን።

እግዚኣብሄር ኣቦ፥ ንየሱስ ክርስቶስ እቲ ውሉድ ኣብ 33 ዓመት ዕድሚኡ ብእኩያት ሰባት ክዉሰድን ኣብ መስቀል ክስቀልን ፈቒዱ። ኣብ መስቀል ንሱ ኣብ ክንዳና መርገም ኮይኑ፥ ክኣ እቲ መቕጻዕቲ ሓጢያት ኩሉ ሰብ ንሱ ወሲድዎ። ኣብዚ ዓቢ ፍቕሪ ኣምላኽ ንርኢ።

የሱስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቐለ፥ ደሙውን ምስ ኣፍሰሰ፣ እቲ ናይ ጽድቂ መቕጻዕቲ ንሓጢያትና ሙሉእ ብሙሉእ ተኸፊሉ።

እቲ ጠለባት ናይ ፍትሒ ኽዓ ተፈጺሙ።

እግዚኣብሄር ንየሱስ፥ ካብ ዝቕበር ድሕሪ ስለስተ ምዓልቲ ካብ ሞት ኣተሰኦ፤ እዚ ኽዓ እግዚኣብሄር እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰወአ መስዋእቲ ከም ዝተቐበሎ ንዓለም ከረጋግጽ ስለዝደለየ እዩ።

እቲ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ከምዘሎን ክኣ ሓደ ጥራይ ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ከምዝነበረን፥ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ፥ ብኽልተ ሓቅታት ክኣ ይረጋገጽ:

1).ጎይታና የሱስ ክርስቶስ እቲ እንኮ ንሓጢያት ዓለም ዝሞተ እዩ።

2).ጎይታና የሱስ ክርስቶስ እቲ እንኮ ድሕሪ ሞት ብህይወት ዝተመለሰ እዩ፥ ፍጹም እንደ ገና ንኸይመውት-ስለዚ ክኣ ንሱ ነቲ ዝዓበየ ጸላኢ ሰብ ፣ ሞት፣ ከም ዝገዝኦ የረጋግጽ።

ድሕሪ ኣርብዓ ምዓልታት ኣብ ምድሪ፥ የሱስ ናብ እቲ ሕጂ ዘለዎ ናብ ሰማይ ተመሊሱ ።

ንሱ ቅድሚ ምኻዱ፥ ሓደ መዓልቲ ንዓለም ብጽድቅን ሰላምን ክፈርድ ከም ዝምለስ ተስፋ ሂቡ።ንሱ ገለ ምልክትታ ቅድሚ ዳግም ምምጽኡ ከም ዝኽሰቱ ምልክታት ሂቡና እዩ።

ሎሚ እዞም ምልክታት ክፍጸሙ ከለዉ ክንርኢ ከለና፥ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ ኣዚዩ፡ ኣዚዩ ከም ዝቐረበ ንፈልጥ።

ቅድሚ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ምምላሱ፥ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ገይሩ ዝሃበና ሕድገት ሓጢያት ምቕባል ኣገዳሲ እዩ።

Chapter 5
እቲ ክዉን ሓቂ ብዛዕባ ንስሓ

ናይ ሓጢያት መቕጻዕቲ መንፈሳዊ ሞት እዩ-ከምቲ ድሮ ዝርኣናዮ፥ እዚ ማለት ካብ ህላውነት እግዚኣብሄር ንዘልኣለም ምቁርራጽ ማለት እዩ።እዚ እዩ ኽዓ የሱስ ኣብ መስቀል ዘጋጠሞ።ንሱ ብኣቡኡ ተሓዲጉ ነይሩ።

የሱስ ኣምላኽ ኾይኑ ፥ ስለዚ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ሰቡ ዘልኣለማዊ ኾይኑ፥ እቲ ቃንዛ ካብ ኣቡኡ ንሓጺር ግዜ ዘልኣለም ምፍላይ ከጋጥሞ ኽኢሉ-ኣብ ውሽጢ 3 ስዓታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ እቲ መስቀል ብጸልማት፥ ንሱ እቲ ስቅያታት ዘልኣለማዊ ሲኦል ክጸዉር ከሎ፥ እቲ ስቅያታት ንኹሉ ዘልኣለም ንሕና ክንጸሮ ዝግበኣና።

እቲ መቕጻዕቲ ንሓጢያት ብኡ ተወሲዱ እዩ።ግናኸ እንድሕር እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዉሃበና ሕድገት ዘይተቐበልና ኮይንና ግና ይቕረ እዉን ኣይበሃለልናን ካብቲ መቕጻዕቲ እዉን ሓራ ኣይንወጽእን።እዚ እዩ ኸዓ እቲ ምኽንያት ስለ ምንታይ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ዓለም ዋላ'ኳ ክርስቶስ ንዕኦም ሞይቱ ከሎ፥ ኣብ ሕድገት ዘይተገበረሎም ኩነት ኮይኖም ዝተርፉ።

ክርስቶስ ንስለ ሓጢያት ኩሉ ዓለም፥ ኣብ ኩሎም ሃይማኖታት ዝርከቡ ኹሎም ሰባት ሞይቱ እዩ፥ ድማ ንሓጢያት ክርስትያናት ጥራይ ኣይኮነን።

ነቲ ብሞት ክርስቶስ የሱስ እግዚኣብሄር ንዓኻ ዝዓደገልካ ክትቅበል ቅድም ቀዳድም ካብ ሓጢያትካ ክትንሳሕ ኣለካ።እዚ ማለት በቲ ሓጢያት ዝመልኦ መገድኻ ብሓቂ ምሕዛንን ብቕንዕና ካብ እትፈልጦ ሓጢያት ኩሉ ክትምለስ ምድላይን እዩ።

ኣብ መጀመርያ፥ ሕልናኻ እንታይ እዩ ንእግዚኣብሄር ዘሐጉስን እንታይ እዩ ባህ ዘይብሎ ርድኢት የብሉን።ስለዚ ኣብ ህይወትካ ካብ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘይብሎ ነገር ኩሉ ክትምለስ ዘይክኣል እዩ።ድማ እግዚኣብሄር ነዚ ኣይጠልቦን እዩ - ምኽንያቱ ንሱ ክዉንነታዊ እዩ።ንሱ ንዕኡ ባህ ዘየብል ኩሉ ነገር ደዉ ክተብል ፍቓደኛ ክትከውን ጥራይ እዩ ዝሓተካ።

ካብቶም ሕልናኻ ዝረትዓካ ነገራት ክትርሕቕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ሕማቕ ልምድታትካ ደዉ ከተብል ዓቕሚ ዘይብልካ ክትከውን ትኽእል፥ ኣብዚውን እንደገና እግዚኣብሄር ድኻምካ ብምልኣት ይርድኦ እዩ።ንሱ እቲ ሓይሊ ዓቕሚ ክህልዎካ ካባኻ ኣይጽበን እዩ።ንሱ ዝሓተካ ጥራይ፥ "ነዞም ልምድታትካ ክትሓድግ ፍቓደኛ ዲኻ? " ንሱ ቅኑዕን ሓጢያት ዝመልኦ ነገር ኩሉ ክትሓድግ ብሓቂ ድሌት ከም ዘለካ ምስ ርኣየ፥ ንሱ ከምቲ ዘለኻዮ ክቕበለካ እዩ፥ ዋላ'ኳ ገና እንተ ድኣ ብብዙሕ ሕማቕ ልምምድታት ዝተስዓርካ እንተ ኾነካ።

ከመይ ዝበለ ድንቂ ዝመልኦ ጥዑም ዜና እዩ።

ናይ ቅድሚ ሕጂ ሓጢያት ዝመልኦ መገድታትካ ክትሓድግ ፍቓደኛ ምዃንካ ዘርኢ እቲ ሓደ መረጋገጺ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርካዮ ጌጋታት ንምስትኽኻል (ንምዕራይ) ፍቓደኛ ምዃንካ እዩ።ድማ ዋላ ኣብዚ እግዚኣብሄር ድሩትነትካ ይርዳእ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ህይወትካ ገይርካዮም እትኽውን ኣሽሓት ጌጋታትን ሓጢያትን ኣለው ፥ እቲ ዋላ እኳ ኣበርቲዕካ እንተ ፈተንካ ፍጹም ክትዕሪዮ ዘይክኣልካ።ግናኸ ገለ ክትገብሮም እትኽእል ኣለው። እግዚኣብሄር ዝክኣለካ ነገራት ጥራይ ክተዐሪ እዩ ዝጽበየካ።

ንኣብነት፥ እንተ ድኣ ካብ ሓደ ሰብ ገንዘብ ሰሪቕካ ኾይንካ፥ እቲ መጠን ገንዘብ ምስ ኣዋህለልካ ብኡ ንቡኡ ክትመልሶ ፍቓደኛ ክትከውን ኣለካ።ንገለ ሰብ እንተ ድኣ ብቓላትካ ጎዲእኻ ኾይንካ፥ ድማ ዘኪርካዮ፥ ከይድካ ወይ ብጽሑፍ ስለቲ ዝተዛረብካዮ ይቕሬታ ክትሓትት ፍቓደኛ ክትከውን ይግብኣካ።ከምዚኦም ዝኣመስሉ ስጉምታት እቲ እግዚኣብሄር ቅንዕናኻን ትሕትናኻን ዝፍትነሉ መገድታት እዮም።

ብዘይ እግዚኣብሄር ክኣ ክንድሕን ኣይንኽእልን ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓቀኛ ንስሓ "ካብ ጣኦት ናብ ኣምላኽ ምምላስ" ኢሉ ይጽዉዖ (1ተሰ.1፡9)።

ኣምልኾ ጣኦት እንታይ እዩ?

ቀዳምነት ንሓደ ዝተፈጠረ ነገር ልዕሊ ፈጣሪ ቦታ ምሃብ እዩ- እቲ ዝተፈጠረ ነገር፥ ገንዘብ፡ ወይ ጽብቕቲ ሰበይቲ፡ ወይ ዝና ወይ ዝኾነ ነገር ክኸውን ይኽእል።

ንዝኾነ ከምዚ ዓይነት ዝተፈጠረ ነገር ምምራጽ ምምላኽ ጣኦት እዩ - ምኽንያቱ እዚ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ ንፍጡር ነገር ምምላኽ ስለ ዝኾነ - እዚ ድማ ሱር ኩሉ ሓጢያት እዩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ይጸልእ እዩ፥ ምኽንያቱ ኣብ ልቢ ሰብ ክህልዎ ዝኽእል ቦታ ስለ ዝወስድ - ክኣ ከምዚ ገይሩ ንሰብ የዕኑዎ።

ከምኡውን ጣኦት ብሰብ ዝተሰርሐ ነቲ ዘምልኾ ኣምላኽ ዝውክል ጉዑዝ ኣቕሓ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ ነቲ ጽቡቕን ድንቅን ዝመልኦን ኩሉ ዝኽእል ፈጣሪ ኣጽናፍ ዝመስል ዝኾነ ይኹን ሰብ ብኢዱ ክሰርሖ ወይ ክቐብኦ ወይ ክስእሎ ዋላ ኣዚዩ ብሩሑቕ ዘይክኣል እዩ።እቲ ፍጡር ንእግዚኣብሄር ንምስሉ ዝኾነ ነገር ንሱ ካብ ዝፈጠሮ ምግባር ንዕኡ ጸርፊ እዩ።

እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ ንሱ ብዕሩቕ(ደጋዊ)-ዓይኒ ክረአ ኣይኽእልን። ንሱ ንዕኡ ቀትርን ለይትን ብዛዕብኡ ከዘክረና ሕልና ሂቡና እዩ።ግናኸ ሃይማኖያዊ ንጥፈታትን ከም ናብ ቅዱስ ቦታ ምብጻሕ ወትሩ መተካእታታት ንድምጺ ሕልናና ምስማዕ ይኾኑ።

ሰባት ሕጊ ኣምላኽ ክጥሕሱ ከለው ኣብ መጻኢውን ክጥሕስዎም ክምድቡ ከለው ንድምጺ ሕልንኦም ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ጽንብላትን ንጥፈታትን ክደፍንዎ ይደሊዩ።ብምኽንያት ዝገብርዎ መስዋእትታትን ናብ ቅዱስ ቦታ ብምኻዶምን እግዚኣብሄር ነቲ ብዙሕ ሓጢያቶም ከም ዝሓድገሎም ይሓስቡ።ግናኸ እዚ ንባዕልኻ ምትላል እዩ።

እግዚኣብሄር ንሃይማኖታዊ ጽምብላትን ንጥፈታትን ኣይርእን።ንሱ ልብና እዩ ዝርኢ፥ ንሕልናና ንሰምዖ ዲና ዘለና ወይስ ኣይንሰምዖን ምእቲ ክርኢ።

ስለዚ ንስሓ ካብ ኩሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ምርሓቕ ዘካተተ እዩ። እቲ ትኽክል ንስሓ ምእታዉ፣ ካብ ኩሉ ዝተፈጠረ ነገራት ናብ ፈጣሪ ተመሊስና ከምዚ ንብሎ፥ "ኩሉ እትኽእል እግዚኣብሄር፥ ንስኻ በይንኻ ጥራይ ኢኻ ክትምልኸን ክትግልገልን ዝግባኣካ። ክሳብ ሕጂ ንዝተፈጠረ ነገራት ከምልኽ ብምጽንሐይ በዚ ይሓዝን። ካብ ሕጂ ንንየው ንስኻ በይንኻ ጥራይ ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ክትከውን ኢኻ"።

ንስሓ፥ስራሕና ወይ ስድራና ክንሓድግ፥ ድማ ከም ባሕታውያን ናብ ጫካ ወይ እምባ ክንከይድ ኣለና ማለት ኣይኮነን።

እግዚኣብሄር ኩሉና ስድራ ክህልውና፥ ድማ ሰሪሕና ፍረ ጻማና ኣብ ናብራና ክንረክብ ይደሌና እዩ።

ሰሪሕኻ ገንዘብ ምርካብ ሓጢያት ኣይኮነን።ግናኸ ካብ እግዚኣብሄር ንላዕሊ ንገንዘብ ምፍቃር ሓጢያት እዩ

እቲ ዘመናዊ ምዕባለ ዝቐረበልና ምቾት ምጥቃም ሓጢያት ኣይኮነን።ግናኸ ነቶም ምቾታት ካብ እግዚኣብሄር ንላዕሊ ምፍቃር ሓጢያት እዩ

እግዚኣብሄር ኣካላትና፥ ጥዑም ምግቢ፡ ድቃስ፡ ዕጋበት ስጋዊ ርክብ፡ ክረኽቡ ኸለዉ ሓጎስ ክረኽቡ ገይሩ እዩ

ፈጢርዎም።

ካብ እዚኦም ዝኾነ ጌጋ የልቦን።

ከምቲ ክዉን ወትሩ ንጠምን ንደክምን እሞ ዘይንሓፍር፥ ብጾታዊ ርክብ ድሌታትና ዝኾነ ሕፍረት ክህልዎና ኣየድልን እዩ!! ግናኸ ክንጠሚ ከለና ምግቢ ክንሰርቕ ኣይግባእን፥ ድማ ክንሰርሕ እንዳተገበአና ክንድቅስ የብልናን።

ብተመሳሳሊ ድማ፥ ምእንቲ ንጾታዊ ድሌታትና ከነርዊ ኢልና ንኻልእ ሰብ ክንደፍር ኣይግብኣን። እግዚኣብሄር ቃል ኪዳን ሰሪዑ እዩ፥ ንሱ ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ክትህልዎ እዩ ዝጽበ- ስለዚ ድማ እቲ ድሌት ስጋዊ ርክብ ይፍጸም። ካብ ቃል ኪዳን ወጻኢ፥ ዝኾነ ጾታዊ ዝምድና ሓጢያት እዩ።ካብ ኩሉ ጾታዊ ሓጢያት ንስሓ ክንኣቱን ክንጥንጥኖን ኣለና፥ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ብቕንዕና ክንምለስ ይግባእ።

ካልእ ሓጢያት ክትንስሓሉን ክትሓድጎን ዝግባእ ድማ ንኻልኦት ሰባት ምሕረት ዘይምግባር እዩ።እግዚኣብሄር ንሓጢያትካ ምሕረት ክገብረልካ እንተ ደሊኻ ብዝኾነ መገዲ ንዝጎድኡኻ ሰባት ምሕረት ክትገብረሎም ፍቓደኛ ክትከውን ኣለካ።

ከምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልካ ንኻልኦትውን ከምኡ ክትገብር ኣለካ። ነዚ ክትገብር ፍቓደኛ እንተ ዘይኮይንካ፥ እግዚኣብሄር ምሕረት ኣይክገብረልካን እዩ።

ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦

" ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ" (ማቴ.6:15)።

ንሓደ ኣመና ንዝጎድኣካ ሰብ ምሕረት ክትገብረሉ ምሒር ከቢድ ኮይኑ ትረኽቦ ትኽእል ትኸውን።ሽዑ እምብኣር ክትጽልን ነቲ ሰብ ምሕረት ክትገብረሉ እግዚኣብሄር ክረድኣካ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ኩሉ ዝኽእል ሓይሊ ኣምላኽ ነዚ ክትገብር ክሕግዝካ ቅሩቡ እዩ።እግዚኣብሄር በቲ ኩሉ ዝኽእል ሓይሉ እንተ ሓጊዙካ ፣ ክትገብሮ ዘይትኽእል ነገር የለን!

እግዚኣብሄር ንኹሉ ሓጢያትና ክሓድገልና ይኽእል እዩ፥ ሽሕ ግዜ ዓቢ ወይ ክፉእ እንተ ኾነ'ውን-ግናኸ እንተ'ድኣ ተነሲሕናሎም ጥራይ እዩ-እዚ ኽኣ፥ ብሓቂ እንተ ድኣ ብሓጢያትና ሓዚናን ብቕንዕና ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ሓጢያት ዝመልኦ መገድታትና ክንሓድግ ደሊና ማለት እዩ።

Chapter 6
እቲ ክዉን ሓቂ ብዛዕባ እምነት

ሓደሳብ ምስ ተነሳሕና፥ ንናይ እግዚኣብሄር ይቕሬታ ክንቅበል እቲ ዝቕጽል ዘድሊ ነገር እምነት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፥

" ብጸጋ ብእምነት ኢኹም ዝድሓንኩም" (ኤፌ.2:8)።

ጸጋ ናይ እግዚኣብሄር ሓገዙን በረኸቱን ክህበና ዝተዘርግሐ ኢድ እዩ።እምነት ኽዓ ነቲ ሓገዝን በረኸትን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ክንወስድ ኣእዳውና ንላዕሊ ዝተዘርግሐ እዩ።

ኣቐዲምና ከም ዝርኣናዮ፥ እግዚኣብሄር ኣእምሮ ዘይብሎም ሮቦታት ንሱ ፕሮግራም ስለ ዝገብሮም ጥራይ ነገራት ዝገብሩ ክንከዉን ኣይደልን እዩ። ኣይፋሉን።ምርጫ ክንገብር እዩ ዝደሌና።

እግዚኣብሄር ሰናይ ኣምላኽ ኣዚዩ ዘፍቅረካ ምዃኑ ትኣምንዶ?

እግዚኣብሄር ንወዱ ጎይታ የሱስ ንሓጢያትካ ኣብ መስቀል ክመውት ከም ዝሰደዶ ድሕሪ ሰለስተ ምዓልቲ ድማ ካብ ምውታት ከም ዘተስኦን ንሱ ሕጂ ኣብ ሰማይ ይነብር ከም ዘሎ ትኣምንዶ?

እዚ እንተ ድኣ ኮይኑ፥ እምበርከስ እግዚኣብሄር ዝቐረበልካ ናይ ሓጢያት ይቕሬታ ሕጂ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ። ምንም ክትጽበ የብልኻን።

ብዘይካ ስም የሱስ ካብ ሓጢያት ምድሓን ክርከቦ ዝኽእል ካልእ ስም ኣብዛ ምድሪ የለን።ከም መድሓኒኻን ጎይታኻን ክትቅበሎ እንተ ድኣ ደሊኻ፥ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓዳር ቃል ኪዳን፥ "ንኹሉ ካልእ ሓዲግካ፥ ናቡኡ ጥራይ ምጥባቕ" ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቃል ኪዳን ሰበይቲ ንኹሎም ናይ ቀደም ኣፍቀርታታ ክትሓድጎምን ንሓደ ሰብኣይ ከም ሰብኣያ ዝተረፈ ህይወታ ክተጠብቕ ኣለዋ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዘለና ዝምድና ከም መንፈሳዊ ቃል ኪዳን ብተመሳሳሊ ገይሩ የቕርቦ፥ ኣብቲ ንሱ ንበይኑ ጥራይ መለኮታዊ ሰብኣይና ዝኾነሉ።ስለዚ እምብኣር ገና ንኻልኦት ኣማልኽቲ እናምለኽካን እናጸለኻን ንክርስቶስ ክትቅበል ፍቓደኛ ምዃንካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ።ምርጫ ክትገብር ኣለካ።

እንተ ድኣ ነዚ ምርጫ ክትገብር ደሊኻ፥ እቲ ግዜ ሕጂ እዩ።

ሕጂ ተምበርኪኽካ ኣዒንትኻ ዕጸዎ፥ ድማ እዞም ቃላት ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ።ንሱ ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ ክሰምዓካ ይኽእል እዩ።ድማ ንዓኻ ክሰምዕ ይግደስ እዩ።ነዞም ቃላት ትርጉም ብዘለዎም ቀስ ኢልካ በል፦

ጎይታ የሱስ ክርስቶስ፥ ኣነ ሓጥያተኛ እየ፥ ክኣ ብሓቂ ካብ ኩሉ ሓጢያተይ ክምለስ ይደሊ ኣለኹ። ስለ ኩሉ ሓጢያተይ ከም ዝሞትካን ካብ ምውታት ከም ዝተንሳእካን ሎሚውን ህያው ምዃንካን ይኣምን። በጃኻ ንኹሉ ሓጢያተይ ይቕረ በለለይ።ናብ ልበይን ህይወተይን ንዓ። ካብ ሎሚ ንንየው ጎይታ ህይወተይ ኩን።ንኹሎም ካልኦት ኣማልኽቲ ይሓድጎም፥ ድማ ካብ ሎሚ ንንየው ንዓኻ ንበይንኻ ከምልኽ ይደሊ ኣለኹ።

እዚ ኣዚዩ ቀሊል ጸሎት ትሕቲ ሓደ ደቒቕ ዝወስደልካ ጸሎት እዩ።ግናኸ እንተ ድኣ ብኹሉ ቅንዕና ሓቂ ጸሊኻዮ፥ ነፍስኻ ንኹሉ ዘልኣለም ክትድሕን እያ።ብኡ ንብኡ ውሉድ ኣምላኽውን ክትከውን ኢኻ።

እዚ ሽሑራዊ (ኣስማታዊ) ፎርሙላ ነቶም ከም ሕንጻይ ፓፓጋሎ ዝደጋግምዎ ዝባርኽ ኣይኮነን።እዚ ኩሉ ዝምርኮስ ኣብ ቅንዕና ልብኻ እዩ።እንተ ድኣ እቲ ትብሎ ዘለኻ ቁም ነገር ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፥ እግዚኣብሄር ሓጢያትካ ይቕረ ክብለልካ ክቕበለካን ድማ ውሉዱ ክገብረካን እዩ።ብቕንዕናን ሓቅን እንተ ድኣ ዘይኮይንካ፥ ሽዑ ከይተለወጥካ ክትተርፍ ኢኻ።

እግዚኣብሄር ንዝኾነ ሰብ ኣብ ህይወቱ ንክርስቶስ ክቕበል ፍጹም ኣየገድድን እዩ።ከምኡውን ዝኾነ ሓቀኛ ክርስትያን ንዝኾነ ሰብ ንክርስቶስ ክቕበል ከገድድ ኣይኽእልን እዩ። በስገዳድ ምልዋጣ ብጠቕላላ ለውጢ ኣይኮነን።

እቲ ብሓቂ ይቕረ ከም ዝተብሃለልናን እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበለናን ንሱ ውሉዱ ከም ዝገበረናን ዉሕስነት መረጋገጺ ምሓዝ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እግዚኣብሄር ብዘይ እዚ ውሕስነት መረጋገጺ ክንተርፍ ኣይደልን እዩ ።እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ብምምጻእ ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃና ብምንጋር ነዚ መረጋገጺ ይህበና።ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣብ ዝተጽሓፈ ቃል (መጽሓፍ ቅዱስ) ዘሎ ተስፋታት ብምሃብ መረጋገጺ ይህበና።

ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦

" ኣቦይ ዝህበኒ ዘበለ ናባይ ክመጽእ እዩ፡ነቲ ናባይ ዝመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ" ( ዮው.6:37)

ኣብዚ ተስፋታት ናይ ክርስቶስ ንኹሉ ዘልኣለም ምሉእ ብምሉእ ክንምርኮስ ንኽእል ኢና።

እዚ ናይ ሕጂ ጸሎት ብቕንዕናን ብሓቅን ናብ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ጸሊኻዶ? ሽዑ ብርግጽ ናብኡ መጺኻ ኢኻ።ሽዑ ንሱ ከም ዘይነጸገካ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንሱ ተቐቢሉካ እዩ፥ እንተ ድኣ ናብኡ ንምምጻእ ናትካ እጃም ገይርካ፥ እግዚኣብሄር ንዓኻ ንምቕባል ሸነኹ(እጃሙ) ከም ዝገበረ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ።

ሕጂ እግዚኣብሄር ከምዝተቐበለካን ከምዘይተቐበለካን ንምፍላጥ ኣብ ስምዒታትካ ክትምርኮስ የብልኻን። ስምዒታት ምስ ሰብነትና እዩ ጉዳዮም - ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣዚዮም ጠበርቲ (ኣሳሓሓትቲ) እዮም ።

ኣብ ስምዒታት እምነትና ምቕማጥ ከም መሰረት ናይ ገዛ ኣብ ሑጻ ምንባር እዩ።እምነትና ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ከነቐምጥ ኣለና - ክኣ እዚ ልክዕ ኣብ ልዕሊ ከውሒ ምህናጽ እዩ።

ሓንሳብ እቲ ሓቂ ውልድ ኣምላኽ ምዃንካ ርግጸኝ ምስ ኮንካ፥ ነዚ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ክትእመኖ ኣለካ።መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ ልብኻ እትኣምኖ፥ ብመልሓስካ ክትእመን ከም ዘለካ ይዛረብ።ስለዚ የሱስ ክርስቶስ መድሓኒኻን ጎይታኻን ምዃኑ ሕጂ ብልሳንካ ክትእመን አለካ።ክርስቶስ ሓጢያትካ ይቕረ ከም ዝበለልካን ሕጂ ንሱ እቲ እንኮ ጎይታ ኣብ ህይወትካ ምዃኑ ንኣዕሩኽትኻ ኣዝማድካን ክትነግር ኣለካ።

ሽዑ ምስ ክርስቶስ ዘሎ ዝምድናኻ ብጥምቀት ገይርካ ክትእመን ኣለካ።ብዝተኽኣለ መጠን ቀልጢፍካ ድሕሪ ልብኻን ህይወትካን ንክርስቶስ ክትህብ ምስ ወሰነካ፥ ክጥመቕ ኣለካ። ጥምቀት ሃይማኖታዊ ሰነ-ስርዓት ባህሊ ኣይኮነን።ኣብ ኣደባባይ ፥ንኣምላኽ፡ንሰብ፡ንመልኣኽቲን ሰይጣንን እቲ ሕጂ ንየሱስ ክርስቶስ በይኑ ጥራይ ከም እትብጽሖ ምስክርነትካ እዩ።

ኣብ ጥምቀት ካልእ ክርስትያን ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ክእትወካ እዩ (ወይ ኣብ ፈለግ ወይ ኣብ መዕቖሪ ማይ ባስካ) ብስም ኣቦን፡ ወድን፡ መንፈስ ቅዱስን ድማ እንደ ገና ካብቲ ማይ ንላዕሊ የውጽኣካ።በዛ ቀላል ተግባር፥ ነቲ ሓቂ እቲ ኣረጊት ሰብ ዝነበርካዮ፥ ከም ዝሞተ ክትምስክር ኢኻ።ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ብምእታው ንዕኡ ብምልክት ትቐብሮ ኣለኻ ማለት እዩ ።

ካብቲ ማይ ብምውጻእ፥ እቲ ሓድሽ ሰብ ምዃንካ ትእመንን ትቕበልን (ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ፥ ካብ ሞት ምትሳእ ማለት እዩ)፥ ንእግዚኣብሄር ንበይኑ ጥራይ ድማ ባህ ከተብል ብምድላይ።

ገና ፍጽም ኣይኮንካን።ፍጽም ክትከውን ህይወት ዘመንካ ክወስደልካ እዩ።ግናኸ ኣንፈት ናይ ህይወትካ ለዊጥካ ኢኻ።ሕጂ፥ ሓጢያት ክትገብር ወይ ዝኾነ ንኣምላኽ ከተጉህዮ ኣይትደልን ኢኻ።

ሕጂ ናይ ሰማይ ዜጋ ኾይንካ ኢኻ፥ ድማ ውሉድ ኣምላኽ ኢኻ።

Chapter 7
እቲ ከዉን ሓቂ ብዛዕባ ምድሓን

እቲ ስም "የሱስ" መድሓኒ ማለት እዩ።

ንሱ በዚ ስም ናብ ምድሪ መጺኡ፥ ምኽንያቱ ንሱ ነዚ ክገብር እዩ መጺኡ -ንሰባት ካብ ሓጢያቶም ከድሕኖም።

ምድሓን ካብ ሕድገት ሓጢያት ንላዕሊ እዩ።

እቲ ፍልልይ ንጹር ንምግባር መረዳእታ ክጥቀም።

ንበል እቲ ካብ ገዛይ ወጻኢ ዘሎ መገዲ ይዕረ ኣሎ፥ ድማ ዓሚቕ ጉድጓድ ኣብኡ ተዃዒቱ ኣሎ።ከም'ዚ ብምባል ድማ ንንእሽተይ ወደይ የጠንቅቖ፥ "ናብቲ ጥቓ ጉድጓድ ኣይትኺድ፥ ምኽንያቱ ኣብኡ ክትወድቕ ትኽእል ኢኻ"። ግናኸ ንበል ንሱ ንትእዛዘይ ኣይተኣዘዘን ኽዓ ናብ'ቲ ጥቓ ጉድጓድ እንታይ ከም ዘሎ ክርኢ ይኸይድ።ሸተት ኢሉ ናብ እቲ ውሽጢ ጉድጓድ 10 ጫማ ዝዕምቆቱ ወዲቑ፥ ሽዑ ንሱ ኣእዊዩ ይጽወዐኒ።

ኣብኡ ምስ መጻኹ፥ ንሱ ንትእዛዛተይ ብዘይምእዛዙ ናይ ብሓቂ ከም ዝሓዘነ ይነግረኒ፥ ድማ ይቕረ ክብለሉ ሓቲቱኒ። ኣነ ሽዑ እንተ ድኣ፥ "ድሓን ወደይ፥ ይቕረ ኢለልካ ኣለኹ፥ በል ድሓን ኩን!" ኢለዮ እንታይ እየ ገይረ? ይቕረ ኢለሉ እየ።ግናኸ ኣየድሓንክዎን።

ምድሓን ካብ ይቕረ ምባል ንላዕሊ ዘካተተ እዩ።ካብ'ቲ ንሱ ወዲቑ ዝኣተዎ ዓሚቑ ጉድጓድ ስሒበ ከውጾኦ የካትት።

እዚ እዩ ንዓናውን የሱስ ክገብረልና ዝመጸ።ንሱ ሓጢያትና ይቕረ ክብለልና ጥራይ እኹል ኣይኮነን።ንሱ ካብ ሓጢያትና ከድሕነናውን እዩ ዝመጸ።

ኩሉና ንሕልናና ደጊምና ደጋጊምና ብዘይ ምእዛዝና ኣብ ዓሚቕ ናይ ሓጢያት ጉድጓድ ወዲቕና ኢና።ሕጂ እንተ ድኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ክብለልና ኾይኑ፥ እዚ ብገዛ ርእሱ ድንቂ ዝኾነ ዜና ይኸውን። ግናኸ እቲ ናይ ክርስቶስ ጥዑም ዜና ንሱ ይቕረ ክብለልና ጥራይ ኣይኮነን፥ ካብ ሓይሊ ሓጢያት ከድሕነናውን እዩ።

ምድሓን ብሰለስተ እዋን ስዋስው ግሲ እንጥዕሞ (እንሪኦ) እዩ - ሕሉፍ፡ ህልውን፡ መጻእን።ቅድሚ ኹሉ ካብ መቕጻዕቲ ሓጢያት ክንድሕን ኣለና።ሽዑ ቀጺልና ካብ ሓይሊ ሓጢያት ክንድሕን ኣለና።ኣብ መወዳእታ ድማ፥ ናብ ሰማይ ምስ ኣተና ካብ ኣዚዩ ህላወ ሓጢያት ክንድሕን ኢና።

እቲ ናይ መጀመሪያ ክፍሊ ምድሓን ምስ ሕድገት ሓጢያትና - ናይ ዝሓለፈ በደል ምውጋድ ይትሓሓዝ።

ግናኸ እዚ እኹል ኣይኮነን።ኣብ መጻኢውን ንጹህ ህይወት ንኽነብር ካብ እግዚኣብሄር ሓገዝ የድሌና።ድማ ነዚ፥ እግዚኣብሄር ሓይሊ ይህበና እዩ።

ሓደ ታሪኽ ሰሚዐ ኣለኹ ናይ ኣእምሮ ሆስፒታል ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ዝሕከሙሉ።ገለ ካብቶም ኣብዚ ሕክምና ዘለው ብግቡእ ክሓስቡ ናብ ዝኽእልሉ ነጥቢ ምብጸሖም ይፍትንዎም እዮም። ነቲ ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ቡንቧ ማይ ተኸፊታ ብዘይምቁራጽ ኣብ እትፈሰሉ የቕምጥዎም።ሽዑ መወልወልን ሰንኬሎን ሂቦም ድማ ነቲ ባይታ ከንቅጾ

ይሓትዎ።እንተ ድኣ መጀመርያ ነታ ማይ ቡንቧ ከይዓጸዋ ክሰርሕ ፈቲኑ፥ እዚ ናብ ነገራት ናይ ምግንዛብ ገና ከም ዘይበጽሐ የመልክት!!

ብተመሳሳሊ ናትና ጸገምውን እዚ እዩ።ኣብ ውሽጥና ብዘይምቁራጽ ሓጢያት ዘፍስስ ኣሎ።የሱስ ነቲ ሓጢያት ዝፈጸምናዮ ጥራይ ኣይኮነን ዘጽርዮ ።ንሱ ነታ ቡንቧ ንምዕጻው ሓይሊ ይህበና።እዚ እንተ ዘይኮይኑ ወንጌል ብጠቕላላ ጽቡቕ ዜና ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።

እቲ ወንጌል (ጥዑም ዜና) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም፥ "ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን" ተገሊጹ ኣሎ (ሮሜ.1:16)።

እቲ ናይ መጀመሪያ ምንጪ ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር ቃል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንፈተና ንምስዓር ዝሕግዘና ሓይሊ ኣጽዋር እዩ።የሱስ ገዛ ርእሱ ብናይ እግዚኣብሄር ቃል ገይሩ ፈተናታት ክስዕር ከሎ ነንብብ ኢና (ማቴ.4:1-11)።

ስለ'ዚ እዩ እምብኣር ምዓልታዊ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ናይ ምንባብ ልምዲ ከነማዕብል ዘለና፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ ገይሩ ክዛረበናን ነቲ ምዓልታዊ ኣብ ህይወትና ንዘገጥመና ቃልሲውን ከጽንዓናን።

መጽሓፍ ቅዱስ ንመናእሰየ ደቂ ተባዕትዮ ከምዚ ይብል፥ "ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ" (1ዮው.2:14)።

እቲ ካልኣይ ምንጪ ሓይሊ እቲ ኣባና ክነብር ዝመጽእ መንፈስ ቅዱስ እዩ።ንሱ ብቐዋምነት ምሳና ክነብር ምዓልታዊ ክዛረበና፥ ንናይ ህይወት ቃልስታት ክንገጥም ከጽንዓናን፥ ከም ደቀመዝሙር ኣሰር ስጉምቲ የሱስ ክንስዕብ ክሕግዘናን ይደሊ እዩ።ብተኸታታሊ ብመንፍስ ቅዱስ ክመልኣና ንእግዚኣብሄር ክንሓቶ ኣለና።

ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፥"እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ከለኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም" (ሉቃ.11:13)።

እቲ ሳልሳይ ምንጪ ሓይሊ ምስ ካልኡት ሓደ ሓሳብን ዕላማን ምስ ዘለዎም ክርስትያናት ሕብረት ምግባር እዩ።

ብዙሕ ፍሓማት ሓቢሮም ኣብ ሓዊ ክህልው ከለው፥ ደሚቖም ኩሎም ይነዱ።ግናኸ እንተ ድኣ ሓንቲ ፍሓም ኣዉጺኢካያ (ዋላ'ኳ ኣዚያ ደሚቓ እትነድድ እንተ ኾነት)፥ ሽዑ ብኡ ንብኡ ቀልጢፋ እያ እትጠፍእ።ብተመሳሳሊ ድማ ብገዛእ ርእስና፥ ምስ ካልኡት ክርስትያናት ብዘይ ሕብረት ንእግዚኣብሄር ክንነብር እንተፈቲንና፥ እቲ ምሳና ዝኸውን ውን እዚ እዩ።

ግናኸ ኣብዚ ክንጥንቀቕ ኣለና፥ ኩሎም ገዛእ ርእሶም "ክርስትያናት" ኢሎም ዝጽዉዑ ሓቀኛ ክርስትያናት ስለ ዘይኮኑ።

ብሓቂ 90 % እቶም ገዛእ ርእሶም ክርስትያናት ኢሎም ዝጽዉዑ ውሉድ እግዚኣብሄር ከምዘይኮኑ የተኣማምን እዩ፥ ናይ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ወይ ዲኖሚኔሽን ኣባል እንተኾኑውን።ሓጢያቶም ክሓድጉን ንክርስቶስ ከም ጎይታ ኣብ ህይወቶም ክቕበልዎ ውልቃዊ ውሳነ ኣይገበሩን። ገዛእ ርእሶም ክርስትያን ከም ዝኾኑ ይሓስቡ ምኽንያቱ ኣብ ናይ ክርስትያን ስድራቤት "ኣጋጣሚ ስለዝተወለድሉ" ።

ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ብስም ጥራይ ክርስትያናት ክንርሕቕ ኣለና፥ ድማ ምስ እቶም ዝተመኮሩ ክርስትያናት፥ ኣብ ምዓልታዊ ህይወቶም ንክርስቶስ ክስዕቡ ዝደሊዩ ሕብረት ክንደሊ ኣለና።

ክርስቶስ የሱስ ከም ጎይታናን መድሓኒናን ክንቅበል ከለና፥ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ላዕሊ ከም እንዉለድ ይዛረብ፥ ስለዚ ድማ ውሉድ ኣምላኽ ኮይንና ኣለና። ሕጂ እግዚኣብሄር ኣቦና ኮይኑ ኣሎ። ድማ ልክዕ ከም ናይ ምድሪ ኣቦታት፥ እቲ ኣብ ምድሪ ንህይወትና ኣገዳሲ ዝኾነ ኩሉ -ክልቲኡ መንፈሳውን ከምኡውን ኣካላውን ኣብ ምቕራብ እግዚኣብሄር ሓላይ እዩ።

ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ፥እንተ ድኣ ናይ እግዚኣብሄር ድሌታት መጀመርያ ኣብ ህይወትና ደሊና፥ ሽዑ ኣብ ምድሪ ንህይወትና ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ኩሎም ክዉስኸልና እዩ።

" ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ኸም ዘድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም። "( ማቴ.6:32-33)

ናይ ጸሎት መሰል ሓደ ካብ እቶም ዓበይቲ መሰላት ውልድ ኣምላኽ ዘለዎ እዩ - ነቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ምዝራብ፥ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ መንፈሱ ክዛረቦ ምስማዕ። እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ብኣእዛና ክንሰምዖ ብእንኽእል ድምጺ ገይሩ ኣይዛረብን እዩ፥ ግናኸ ብተመስጦ ኣብ ውሽጢ መንፈስና ብእንሰምዖ፥ እዚ ኽኣ ከም ክዉን ተሰማዓይ ድምጺ እዩ።ኩሉ ኣብ ልብና ዝኸብደና ንእግዚኣብሄር ክንነግር የሱስ ኣተባቢዑና እዩ።

ብዙሓት ሰባት ድምጾም ከይተሰምዐ ይሳቐዩ እዮም፥ ምኽንያቱ ንሓዘኖም ዘካፍልዎ ዋላ ሓደ ሰብ ስለ ዘየለ።ግናኸ ውሉድ ኣምላኽ ኩሉ ነገር ከካፍሎ ዝኽእል 'ኣቦ' ኣብ ሰማይ ኣለዎ። ንሱ ንሰምያዊ ኣቦኡ ኣብዚ ምድሪ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገር ኩሉ ከቕርበሉ ከምዝኽእል እዉን ክኣምኖ ይኽእል እዩ።

ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ንዕኡ ክቕይሮም ብምሕታት ንነገራት ክንቅይር ምሂሩና እዩ።እዚ ናይ ጸሎት ትኣምራት እዩ።ንዝገጥመና ነገር ኹሉ "ዝኾነ ይኹን ፍቓድ ኣምላኽ እዩ" ብምባል ብነሲብ ክንቅበል የብልናን፥ እንተ ድኣ ከም እዚኦም ዓይነት ነገራት ንዓና ወይ ንስድራና ብዝኾነ መገዲ ዝጎድኡ ኾይኖም።ብጽሕፍቶ ብዝኾነ ምእማን ካብ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝተገዛእካ ምዃን ዝተፈለየ እዩ።ንዝኾነ ዘድሌና ነገር ንእግዚኣብሄር ክንሓቶ ተተባቢዕና ኢና ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተስፋ፥"ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ክመልኣልኩም እዩ" (ፊሊ.4:19)

ግናኸ ከም ኩሉ ለባም ኣቦ፥ እግዚኣብሄር እውን እንደልዮን ዝሓተትናዮን ኩሉ ኣይህበናን።ንሱ እቲ ዘድልየና እቲ ንሱ ንዓና ጽቡቕ ምዃኑ ዝርኣዮ ጥራይ እዩ ዝህበና።

እግዚኣብሄር ሰናይ ኣምላኽ እዩ፥ ክኣ ንሱ ዝኾነ ክፋእ ናብ ዝኾነ ደቁ ክመጽእ ፍጹም ኣይብህግን እዩ።ስለዚ ብትብዓት ናብኡ ክንከይድ፥ ካብ ኩሉ ክፋእ ድማ ከናግፈና ክንሓቶ ንኽእል ኢና።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ዓለም ካልኦት ገለ ጥንቆላ ወይ ጸሊም ሽሑር ኣብ ልዕሊኦም ብምግባሮም ዝሳቐዩ ዘለው።እንተ ድኣ ልብኻን ህይወትካን ንየሱስ ሂብካ፥ ከምዚ ዓይነት ሰይጣናዊ ንጥፈታት ደጊም ክጎድኣካ ኣይኽእልን እዩ።ስም ጎይታ የሱስ ክርስቶስ (እቲ ንሰይጣን ዝስዓሮ) ንሰይጣን ከተሳጉጎን ከተርሕቖን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ንዝኾነ ንጥንቆላ ድግምቲ ወይ ጸሊም ሽሑር እንተ ድኣ ብሰም የሱስ ክርስቶስ ተቓዊምካዮ፥ ፍጹም ንዓኻ ወይ ንደቅኻ ክጎድኣካ ኣይኽእልን እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝተገበረ ዝኾነ ጥንቆላ ድግምቲ ሓይሊ ሕጂ ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከድሕነካ እንተ ጸዊዕካዮ፥ ካብ ማእሰርትኻ ክትፍታሕ ትኽእል ኢኻ-ሕጂ ኣብዛ ቕጽበት።

መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቐለ፥ ንሰይጣን ስዒርዎ ሓይሉን ኣጽዋሩን እውን ገፊፍዎ እዩ ይብል።እዚ ድሮ ተፈጺሙ እዩ።ግናኸ ከም ጉዳይ ሕድገት ሓጢያት ናይ ሓጢያትካ፥ ናይ ሰይጣን ስዕረትእዉን ክሳብ ገዛእ ርእስኻ እትቕበሎ ኣብ ህይወትካ ክውን ክኽዉን ኣይኽእልን እዩ።

" ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኽስዓር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሓት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ከውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም" (እብ.2:14-16)።

" እምብኣርከስ ንኣምላኽ ተገዝእዎ።ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ክሀድም እዩ" (ያዕ.4:7)

ዋላ ድሕሪ ውሉድ ኣምላኽ ምዃና፥ እግዚኣብሄር ገና ሰይጣን ክፍትነና ክፈቕደሉ እዩ - ምኽንያቱ ጽኑዓትን ተረርትን እንኾነሉ መገዲ እዚ እዩ።ግናኸ ሕጂ ንናይ ሰይጣን ሜላታት ክንቃወምን ክንስዕሮን እንኽእለሉ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ኣሎ።

እግዚኣብሄር ናይ ደቁ ምድራዊ ህይወት ካብ ጸገምን ፈተናታትን ነጻ ከም ዝኸውን ተስፋ ኣይሃበን።ኣይፋሉን።

እግዚኣብሄር ብቐሊሉ ዘይንስበርን ጽኑዓት ክንከውንን እዩ ዝደልየና፥ እምበር ከም ካብ ሃብታማት ስድራ ዝተወለዱ ቆልዑት ካብ ዝዉለዱ ኣትሒዞም ብቕጥዒ ዘይብሉ ሕንቃቐ ዝተበላሸው ክንከዉን ኣይደልየናን።ድማ ምእንቲ ጽኑዓት ክገብረና፥ ልክዕ ከም ካልኦት ደቂ ሰባት ፈተናታትን ጸገማትን ኣብ ህይወት ክገጥመና ይፈቅድ።

ግናኸ ብዚኦም ፈተናታትን ጸገማትን ትኣምራታዊ ሓገዙ ኣብ ኩሉ ኩነታት ኣብ እንጥዕመሉ ግዘ ኢና ንእግዚኣብሄር ዝበለጸ እንፈልጦ።

Chapter 8
እቲ ክዉን ሓቂ ብዛዕባ ዘልኣለም

ንሓደ ውሉድ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ካብ እቶም ነገራት ናይ ግዜ እቶም ነገራት ናይ ዘልኣለም ዝያዳ ዋጋ ዘለዎም እዮም። ንዕኡ እቶም ዋጋታት ናይ ሰማይ ካብ ዋጋታት ናይ ምድሪ ንላዕሊ ዝያዳ ኣገደስቲ እዮም።

ጎይታ የሱስ ካብ ምውታት ተሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፥ ቅድሚ 2000 ዓመታት ንሱ ናብ ምድሪ ከምዝምለስ ተስፋ ሂቡ እዩ።

እዚ ዝጠቅስ ን "ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ" እዩ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝቕጽል ዓቢ ፍጻመ እዩ ።

እቲ ውሉድ ኣምላኽ ኣብታ ክርስቶስ ዝምለሰላ መዓልቲ፥ ናይ ሙሉእ ህይወቱ ጸብጻብ ንኣምላኽ ከም ዝህብ ይፈልጥ እዩ።

ኣብ ናይ ዘልኣለም ጉዕዞና እዛ ዓለም ሓላፊት መድረኽ ጥራይ እያ።ሕጂ ኣብ ኣመክሮ ኢና ዘለና።እግዚኣብሄር ብኹነታት ህይወት ይፍትነና እዩ ዘሎ፥ ነቲ ናይ ሰማይ ዘልኣለማዊ ነገራት ወይስ ነቲ ናይ ምድሪ ሓላፊ ነገራት ፥ ነየናይ ከም እንሓሪ።

ለባማት እንተ ድኣ ኾይንና፥ ነቲ ኣብ ዘልኣለም ዋጋ ዘለዎም ነገራት ኢና ክንሓሪ።

ንእሽተይ ቆልዕ ካብ ናይ 500 ቅርሺ ወረቐት ንላዕሊ ንዘንጸባርቕ ሕብራዊ ወረቐት ይመርጽ - ምኽንያቱ እቲ ቆልዓ ዋጋታት ናይ ምግንዛብ ክእለት የብሉን። ካብ ነገራት ናይ ሰማይን ዘልኣለምን ንላዕሊ ንነገራት ናይ ምድሪ እንተ ድኣ ሓሪና፥ ልክዕ ከምዚ ንእሽተይ ቆልዓ ንኸውን ኣለና ማለት እዩ።

እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዛ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ኩሉ ነገረን ከም ዝሓልፍአኣዚዩ ንጹር ገይሩ ነጊሩና እዩ።

በዚ ምኽንያት ንሓላፍን ግዜያውን ነገራት ናይ'ዛ ምድሪ ምንባር እዚ ልክዕ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ክሳራ ዝኣቱ ባንኪ ገንዘብ ከም ምቕማጥ ማለት እዩ።

ለባም ሰብ ገንዘቡ ኣብ ርጉእ ቀዋሚ ባንኪ እዩ ዘቕምጥ። ብተመሳሳሊ ድማ እቲ ብሓቂ ለባም ዝኾነ ዘልኣለማዊ ዋጋ ንዘለዎም ነገራት እዩ ክነብር - ምስ ባህሪና ዝዛመዱ ነገራት ከም፥ ንጽህና፡ ፍቕሪ፡ ሰናይነት፡ ይቕሬታ ምግባር፡ ትሕትና ወ.ዘ.ተ ፤ እዚኦም ነገራት ጥራይ ኢና ነዛ ምድሪ ሓዲግና ክንከይድ ከለና ክንወስዶም እንኽእል።

እቶም ካብ ሓጢያቶም ከይተነስሑ ዝሞቱ ኩሎም መወዳእታ ፍጻመኦም ዘስካሕክሕ ከም ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።

" ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡውን ፍርዲ እተሰርዖ" ( እብ.9:27)

ሰብ ሓደሳብ ምስ ሞተ ንኽቕየር ዝኾነ ካልእ ዕድል ክህልዎ ኣይኽእልን እዩ።ከምኡውን እግዚኣብሄር ከምዚ ዓይነት ሰብ ክቕይር ኣይኽእልን እዩ፥ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣንጻር ድሌቱ ኣይቕይርን እዩ።እዚ ዝኸውን፥ እግዚኣብሄር ክቕይረና ዝኽእል፥ ኣብ'ዛ ምድሪ ንኽንቅየር ፍቓደኛታት ክንከዉን ከለና ጥራይ እዩ።

ኣብ መጻኢ ዝመጽእ ምዓልቲ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ'ዛ ምድሪ ዝነበረ፣ ካብ ምውታት ክትስእን ጸብጻብ ናይ ህይወቱ ኽዓ ንእግዚኣብሄር ክህብን እዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ትንሳኤ ከም ዝህሉ ይዛረብ- እዚ ኽዓ፥ ናብ ሓመድ ዝተለወጠ ዝሞተ ኣካላት፥ ብልዕለ -ተፈጥሮ ሓይሊ ኣምላኽ ከም ሰብነት እንደ ገና ክትስእ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ትንሳኤ ነቶም ዝጸደቑ ክኸውን እዩ - እቶም ንክርስቶስ ከም መድሓኒ ዝተቐበልዎን ሓጢያቶም ይቕረ ዝተብሃለሎምን፥ በዚ ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበሩሉ ግዘ ውሉድ ኣምላኽ ዝኾኑ እዮም።

እቲ ካልኣይ ትንሳኤ ድማ ነቶም እግዚኣብሄር ብጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ሕድገት ሓጢያት ዝነጸጉን ኣብ ከምዚ ኩነት ከለው ዝሞቱን እዩ። ሰብ እንተ ድኣ ሓጢያቱ ከይተነስሐን ብክርስቶስ ይቕረ ከይተብሃለሉን ሞይቱ፥ ንሱ ሓደ ምዓልቲ ኣብ መንበር ፍርዲ እግዚኣብሄር፣ ኣብቲ ብሙሉኡ ህይወቱ ዝርኣየሉ ክፍረድ እዩ። ንኣጽናፍ እቲ ንሱ ንሓጢያቱ ናይ ዘልኣለም ፍርዲ ከም ዝግብኦ ክረጋገጽ እዩ።

ሰይጣን፣ እቲ ኹሉ እከይ ኣብ ኣጽናፍ ዝጀመረ፥ እቲ ንሰባት ሓጢያት ክገብሩ ዝመርሖም፣ ከምኡውን ንሱ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ ክቕበል እዩ።

እቶም ገዛእ ርእሶም ዘትሕቱን ሓጢያቶም ዝትኣመኑን ዝተነሱሑን ዝሓደግዎን፥ ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ብሞት ክርስቶስ ኣብ መሰቀል ዝተቐበሉን ግና ኣብ ህላወ እግዚኣብሄር ክኣትውን ንዘልኣለም ምስኡ ክሓድሩን እዮም።

ሰማይ ቦታ ንጽህና፥ ሰላምን ሓጎስን፥ ኣብቲ መልኣኽትን እቶም ካብ ዓሌት ሰብ ካብ ሓጢያቶም ዝድሓኑን፥ ብዝተፈላለየ መገድታት ንኹሉ ዘልኣለም ክሰግዱሉን ከመስግንዎን ከገልግልዎን እዮም።

ምስ እቶም ቅድሜና ንምድሪ ሓዲጎም ዝኸዱ እነፍቅሮም ሰባት ቦታ ሓጎስ ዳግም ምርኻብ ክኸውን እዩ፥ እንተ ድኣ ከም ውሉዱ ኣምላኽ ዝሞቱ፥ ንምድሓኖም ብክርስቶስ ኣሚኖም።

እቲ ሓቀኛ ውሉድ ኣምላኽ ነዛ ክብሪ ዝመልኣ ምስ ኣምላኽ ንዘልኣለም ዝኾነሉ ምዓልቲ የቋምት እዩ።

ሕጂ እቲ ክዉን ሓቂ ፈሊጥካ ኣለኻ፥ እንታይ እዩ ክኸውን መልስኻ ? እታ ጸሎት ሕቶ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ሓጢያትካ ይቕረ ክብለልካን ውሉድ ኣምላኽውን ክገብረካ ጸሊኻዶ? እቲ ነዚ ጸሎት እትጽሌሉ ግዜ ሕጂ እዩ፥ እግዚኣብሄር ንልብኻ እናተዛረበካ ኸሎ። ካባና ዝኾነ ሰብ ምዓስ ከም እንመውትን ነዛ ምድሪ ከም እንሓድጋን ክዛረብ ኣይኽእልን እዩ። ሓደ ካብዘን ምዓልታት ኣብዛ ምድሪ ናይ መወዳእታ ምዓልትና ክትከውን እያ።ቅድሚ እዛ ምዓልቲ ምምጽኣ፥ ሓጢያትካ ይቕረ ከም ዝተበሃለልካን ንእግዚኣብሄር ክትረኽቦ ቁሩብ ምዃንካ ኣረጋግጽ።