Written by :   Zac Poonen Categories :   Disciples Spirit Filled life
WFTW Body: 

ኣብዚ ኣብ ሓዳስ ዓመት እንሰጋገረሉ ዘለና ህሞት፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ቀዳምነት ክንህቦም ብዛዕባ ዘሎና ነገራት ብዕቱብ ክንሓስብ ጽቡቕ ኢዩ። ገለ ካብኣቶም እነሀዉ። ብዕቱብ ሕሰቦም። ኣብ ህይወትካ ተፈጻምነት ክረኽቡ ድማ ጸሊ። ጐይታ ይደግፍካ።

  1. ሓድሽ ምጅማር ግበር

ኣብ ሉቃስ 15፡ ኣብ ዛንታ እቲ ጥፉእ ወዲ፡ እቲ ኣቦ ነቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝበደሎ ውሉዱ፡ እቲ ዝበለጸ ክዳን ከምጽኣሉ ንርኢ። እዚ እቲ መልእኽቲ ወንጌል ኢዩ። ኣምላኽ ነቶም ኣዝዮም ዝወደቑ እኳ፡ እቲ ኣሎኒ ዝብሎ ዝበለጸ ኢዩ ዝህቦም። ኣምላኽ ብወላሓደ ሰብ`ኳ ተስፋ ስለዘይቈርጽ፡ እቶም ኣዝዮም ዝወደቑ እኳ፡ ሓድሽ ምጅማር ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዝወደቑ ኣዝዩ ዓቢ ምትብባዕ ኢዩ። ውድቀትካን ግህሰትካን ክንደይ ዓቢ ነይሩ ብዘየገድስ፡ ሕጂ፡ ነዚ ሓድሽ ዓመት ኣጋጣሚ ተጠቒምካ፡ ምስ ኣምላኽ ሓድሽ ምጅማር ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

2.ርእስኻ ቅጻዕ

ኣብ 2ይ ጢሞ 1፡7 ጳውሎስ "ኣምላኽ መንፈስ ሓይልን፡ ፍቕርን ቅጽዓትን . . ." ከምዝሃበና ይነግር። መንፈስ ኣምላኽ፡ ሓይልን፡ ፍቕሪ ንካልኦትን ይህበና፡ ንርእስና ክንእድባን ክንቀጽዓን ድማ የኽእለና። እንታይ ዓይነት ልምምድ መንፈስ ቅዱስ ነይሩካ ብዘየገድስ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ርእስኻ ክትቀጽዕ ዘይትፈቕደሉ እንተድኣዄንካ - ማለት ገንዘብካን ጊዜኻን ብስርዓት ክትጥቀመሉን፡ እቲ ካብ ኣፍካ ዝወጽእ ዘረባ ድማ እዱብ ክኸውንን

እንተዘይኣኽኢሉካ - ንስኻ እቲ ኣምላኽ ዝደልየካ ኣይክትከውንን ኢኻ። ኣብ ታሪኽ ቤትክርትያን፡ እቶም ዝዓበዩ ባሮት ኣምላኽ፡ እቶም


መንፈስ ቅዱስ ንህይወቶም ክእድብ ዝፈቐዱሉ ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም ነይሮም። ናይ ድቃስ ጊዜኦም፡ ናይ ምብላዕ ልምዶም፡ ናይ ጸሎት ህይወቶም፡ ብምጽናዕ ቃል ኣምላኽ፡

እዱባት ነይሮም። ንኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድራዊ ትምኒታቶም ቀዳማይ ብምግባር፡ እዱባት ነይሮም። ሎሚ ብዙሓት ክርስትያናት፡ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ብምቕባሎም ጥራይ ብምዕጋብ፡ እቲ ዝተረፈ ዂሉ ግና ባዕሉ ሰተት ሰተት ኢሉ ክማልኣሎም ዝሓስቡ ኣለዉ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ክትፍጽም እንተድኣዄንካ፡ ርእስኻ ምቕጻዕውን ከድልየካ ኢዩ።

3. ነቲ ሓዊ ብዘይምቊራጽ ኣንድዶ

ጢሞቴዎስ፡ እምነትን መንፈሳዊ ውህበታትን ዘለዎ ሰብ እኳ ክነሱ፡ ጳውሎስ ግና "ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ አዘክረካ ኣለኹ" ብምባል ከዘኻኽሮ ንርኢ። መንፈስ ኣምላኽ፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይኰነን። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ነቲ ዘለዎ መንፈሳዊ ውህበት፡ ከሐድሶን፡ ከንድዶን መመሊሱ ከጐሃህሮን ይምዕዶ። ካብዚ እንምሃሮ፡ ወላ`ኳ የሱስ ብመንፈስን ብሓውን እንተጥመቐና (ማቴ 3:11)፡ እቲ ሓዊ እቲ፡ ኲሉሳዕ እናነደደ ንኽነብር ክንገብሮ ዘሎና ነገር ከምዘሎ ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ሓዊ ይውልዖ። ንሕና ድማ ነዳዲ - ማለት፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ እዋን፡ ምሉእ ብምሉእ ዝተንበርከኸን ዝተዋህበን ህይወት - ብቐጻሊ ንውስኸሉ። ኣምላኽ ሓንሳብ ስለዝቐብኣካ፡ ሕጂ ተዛኒኻ "ሓንሳብ ዝተቐብአ፡ ወትሩ ተቐብአ!" ኢልካ ኣይትሕሰብ። እዚ ልክዕ ከምቲ፡ "ሓንሳብ ዝደሓነ፡ ወትሩ ደሓነ" ዝብል ዓቢ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ኢዩ። ብኣምላኽ ብሓቂ ተቐቢኦም፡ ኣብ ሓደ ዓመት ዘይኣክል መንፈሳዊ ሞት ዝሞቱ ሰባት እፈልጥ። እቲ ሓዊ ካብ ህይወቶም ጠፍአ። ዓለማዊ ትምኒትን ትዕቢትን ኣብ ህይወቶም ኣትዩ፡ ነቲ ሓዊ ዝወሰደሎም እፈልጥ። ሕጂ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኣጥፊኦም፡ ደድሕሪ ገንዘብን ምእሙእ ህይወትን ይጐይዩ ኣለዉ። እዚ ዘሕዝንን፡ ነታ መንግስቲ ኣምላኽ ዓቢ ክሳራን ኢዩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ "ነቲ ኣባኻ ዝወረደ ሓዊ፡ አሐድሶ፡ መመሊስካ ኣጐሃህሮ። ሕጂ ናትካ ሓላፍነት ኢዩ። መመሊሱ ክነድድ እንተዘይገይርካ፡ ክጠፍእ ኢዩ። ብሰናይ ሕልና፡ ብምምርማር ቅዱስ ጽሑፋት፡ ርእስኻ ቀጻሊ ብምትሓት፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ብምድላይ፡ ካብ ፍቕሪ ገንዘብን፡ ካብ ክትዕ ምስ ካልኦትን፡ ካብ ዝዀነ ይዂን ነቲ ሓዊ

ዘጥፍእ ነገር ብምርሓቕን፡ ነቲ ሓዊ ብዘይምቊራጽ ክነድድ ግበር" ይብሎ።

4. ቀጻሊ መንፈሳዊ ዕብየት ግበር

እብ 6:1-3 ናብ ብጽሕና ክንሓልፍ/ክንሰግር ይምዕደና። ናብ መንፈሳዊ ብጽሕና ምዕባይ፡ ንሓደ ከረን (ንኣብነት፡ 10,000 ሜትሮ ዝምንዋሑ) ከም ምድያብ ገይርና ንውሰዶ። የሱስ ድሮ ንብራኸ እዚ ኸረን እዚ በጺሕዎ ኢዩ። ዳግም ኣብ ዝተወለድናሉ ህሞት፡ ህይወትና ኣብ እግሪ እዚ ከረን እዚ፡ ጒዕዞ ንላዕሊ ትጅምር። ዕላማና፡ ዝወሰደ ይውሰድ ንየሱስ ምስዓቡን፡ ክሳዕ ኣብ ጫፍ እዚ ጎቦ እዚ እንድይብ ምጒዓዝን ኢዩ። ሽዑ ነቶም ዝንእሱና ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ወላ`ኳ 100 ሜትሮ ጥራይ ደይብና እንተሃሎና፡ "ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝስስዕቦ ዘለኹ፡ ንስኻትኩምውን ንኣይ ሰዓቡ" (1 ቈሮ 11፡1) ንብሎም። መንፈሳዊ ዕብየት፡ ብሓንቲ ምስ ኣምላኽ ብምርኻብ ዘጋጠመትካ ተመኲሮ ጥራይ ዝመጽእ ኣይኰነን። ውጽኢት ናይቲ ርእስኻ ንምቕባጽን/ንምኽሓድን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ንምንባርን ብቐጻሊ፡ ነንመዓልቱ፡ ነንሰሙኑ፡ ነንዓመቱ እትወስዶ ውሳኔታት ኢዩ። ንየሱስ ክርስቶስ መንፈሳዊ ሰብኣይ ዝገበሮ፡ እቲ ንፍቓድ ርእሱ ብቐጻሊ ምኽሓዱ ኢዩ። ንኣና ድማ፡ መንፈሳውያን ዝገብረና፡ እቲ ብቐጻሊ ንፍቓድ ርእስና ምኽሓድና ኢዩ። ኣብ 1 ጢሞ 4፡15 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ "እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ/ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣጸቢቕካ ትጋህ" ክብሎ ንርኢ። ሓደ ነጋዳይ፡ መኽሰብ ንኽረክብን ንግዱ ክስረተሉን ክድልድለሉን ኣጸቢቑ ኢዩ

ዝተግህ። ብዛዕባ ህይወት ክርስትና ብሓቂ ብርዝነት እትርእዮ እንተድኣዄንካ ድማ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕን፡ መንፈሳዊ ውህበታት ከተናድን፡ ንርእስኻ ካብ ኲሉ ርኽሰት ክትሕሉን፡ ብዙሕ ኢኻ ክትተግህ። ኣብ ሓደ ትርጒም ናይዚ ጥቕሲ፡ "በዚ ነገር እዚ ዝተመስጥካ/ዝተውሓጥካ ኲን" ይብል። በዞም ነገራት እዚኦም ልብኻ እንተድኣ ተመሲጡ፡ መንፈሳዊ ዕብየትካ ኣብ ኲሉ ግሁድ ኪኸውን ኢዩ። ፍትወት እዛ ዓለም እዚኣ ዘይስሕበና ክሳዕ እንኸውን፡ ብየሱስ ክርስቶስን ብቓሉን ኣዚና ዝተመሰጥና ንዂን። ነቲ ብዙሓት ምድራውያን ደድሕሪኡ ዝጐዩ ዘለዉ ምድራዊ ነገራት ድማ፡ ደድሕሪኡ ኣይክንጐይን ኢና። ከምዚ ዓይነት "ዝተመሰጠ ህይወት ምስእትነብር፡ ዕብየትካ ቀጻሊ ኪኸውን ኢዩ። ኣብ ዓዓመቱ ድማ፡ ዝበለጸ ክርስትያንን ኣድማዒ ባርያ ክርስቶስን ክትከውን ኢኻ።


5.ሰዓሪ ኲን

ኣብ እብራውያን 12:1-3፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ብዘሎ መቀዳደሚ፡ ኣዒንትና ኣብቲ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምትካል፡ ብትዕግስቲ ክንጐዪ ይምዕደና። ናብኡ ናብ ላዕሊ እናጠመትና ኢና ነዚ ጒያ እዚ እንጐይዮ። ደው ኣይንብልን ኢና። ጒያ እምነት፡ ደው ዘይትብለሉ ጒያ ኢዩ። እቲ ጊዜ ሓጺር ኢዩ፡ ስለዚ ክትጐዪ ኣሎካ። እንተወደቕካ፡ ተንሲእካ ምጒያይካ ቀጽል። ብዙሓት ኣብ ቅድድም ዝወደቑ፡ ግናኸ ተንሲኦም ጒያኦም ብምቕጻል ቀዳሞት ዝወጹ ጐየይቲ ኣለዉ። ስለዚ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ምስ ጐይታ እናተመላለስካ እንተወደቕካ፡ ተስፋ ኣይትቚረጽ። ኣብ ዝወደቕካዮ ኣይትደቅስ። ተንስእ፡ ሓጢኣትካ ተነሲሕካ ምጒይይክ ቀጽል። ነቲ መስቀል ተዓጊሱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ዝጐየየ የሱስ ጠምት። ብዙሓት ጸላእቲ እኳ እንተተጻረሩኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዝዮም ብዙሓት ተጻረርቲ ዝነበርዎ የሱስ ሕሰብ (እብ 12:3)። ኣንጻር ሓጢኣት፡ ገና ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ክሳዕ ደም ምፍሳስ ኣይተቓለስካን ዘለኻ (እብ 12:4)። ኣብዚ፡ የሱስ ኣንጻር ሓጢኣት ከም ዝተጋደለ ኢና እንርኢ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ የሱስ ብዛዕባ ሓጢኣት ዘለዎ ኣረኣእያ "ደመይ ድኣ የፍስስ እምበር፡ ሓጢኣትሲ ዘበት ኣይፍጽምን!" ዝብል ኢዩ ነይሩ። ኣንጻር ሓጢኣት፡ እዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምስዝህልወካ፡ ንስኻውን ሰዓሪ ክትከውን ኢኻ። ክትሕሱ እንተተፈተንካ፡ እሞ "እመውት ድኣ እምበር፡ ዘበት ኣይሕሱን!" እንተድኣኢልካ፡ ክትስዕር ኢኻ። ዝያዳ ገንዘብ ምእንቲ ክትረክብ፡ ንእሽቶ ምድንጋር ክትፍጽም እንተተፈተንካ እሞ፡ "እመውት ደኣ እምበር፡ ዘበት ወላ ንእሽቶ ትዂን ኣየደናግርን!" እንተድኣኢልካ፡ ክትስዕር ኢኻ። ምስዘይ ናይ ሓዳር መጻምድትኻ ብትምኒት ስጋ ምስእትፍተን፡ "እመውት ድኣ እምበር፡ ዘበት ብትምኒት ኣይተሓዝን!" ምስእትብል፡ ክትስዕር ኢኻ። ምስጢር ዕዉት ህይወት ኣብዚ ኢዩ ዘሎ!

6.ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ውሕስነት ይሃሉኻ

እቲ ኣብ ጸፎ 3:17 "ብፍቕሩ ኪሃድእ ኢዩ" ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ፡ "ብስቕታ ሃዲኡ፡ ብዛዕባኻ ብፍቕሪ ውጥን ይውጥን ኣሎ" ተባሂሉ ክትርጐም ዝከኣል ኣበሃህላ ኢዩ። ነፍስወከፍ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ክመጽእ ዝፈቕደሉ ነገር፡ ካብ ብዛዕባኻ ብፍቕሪ ዝውጥን ዘሎ ልቢ ከምዝመጽእ ተስተውዕሎ ዶ፧ ኣብ ህይወትካ ዝመጽእ ነፍስወከፍ ፈተናን ሽግርን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንሰናይካ ዝተመደበ ኢዩ። ንሮሜ 8:28 ትኣምኖ እንተድኣዄንካ፡ ብዛዕባ ሰባት ኰነ ኲነታት፡ ደጊምካ ንዝተረፈ ዘመን ህይወትካ ኣይክትፈርህን ኢኻ። "ሓደጋ ከይገጠመኒ፡ ከይመውት፡ ካንሰር ከይሕዘኒ፡ ብተጻረርቲ ክርስትና ከይይጒዳእ" ወዘተ. . . ኣብ ትሕቲ ዝብል ፍርሃት ድሕሪ ደጊም ኣይክትነብርን ኢኻ።

ምኽንያቱ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ፡ ንዂሉ ኲነታት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽሩ ዘእተወ ኢዩ።

ብሓቂ፡ ዝተባረኸት፡ ናይ መንፈሳዊ ዕብየት ዓመት ክትኰነልካ ንትምነ።