WFTW Body: 
ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሮም ኮይኑ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ "ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ(ፊሊጲ.1:12)። ጳውሎስ ንቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ከም ምኽሩ ውን ዝተጸውዑ ነገር ኩሉ ንሰናዮም ከም ዝሰርሕ ኣሚኑ እዩ (ሮሜ.8:28)።

"ኣምላኽና ካብ ክፉእ ጽቡቕ ዘውጽእ ኣምላኽ እዩ፥ ከመይ ኢሉ እዩ ማእሰርቲ ጳውሎስ ንጽቡቕ ነገር ኮይኑ ፧ ኣብዚ እንሄለ ሓደ መገዲ ናይ ጳውሎስ ማእሰርቲ ንጽቡቕ ዝኾነ ጳውሎስ ኩሉ ግዜ ኣብ ጉዕዞ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ ዋላኳ ምስ ዓበየ ኩሉ ግዜ ኣብ መገዲ እዩ ነይሩ ቅድሚ ካብዛ ምድሪ ምግዓዙ ስጋብ ዝተኽኣሎ ኣብ ኩሉ ቦታ ወንጌል ሒዙ ክበጽሕ ይደሊ ነበረ። ምስ ኣምላኽ ጠቢቑ ይኸይድን ብብዙሕ መከራ ብምሕላፍ ውን ኣዚዩ ብመንፈሳዊ ህይወት ሃብታም ሰብኣይ ኮነ። ግናኸ ኩሉ ካብ ጎይታ ዝተምሃሮ ኩሉ ጺሒፉ ኣይወድኦን ነበረ። ኣምላኽ እዚ መንፈሳዊ ሃብቲ ዘሎዎ ሰብኣይ ሃብቱ ሒዝዎ ናብ መቓብር ከይወርድ ግናኸ ክዕቀብን ንዝመጽእ ወለዶ ክኣ በረኸት መታን ክኸውን ከመሓላለፍን ወሲኑ። እንተ ኾነ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ንጳውሎስ ክህድኦን ኮፍ ከብሎን እሞ በዚ ኽኣ ክጽሕፍ፧ ኣምላኽ ጳውሎስ ንኽእሰር ኣፍቂዱ ።

ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ክጓዓዝ ኣይክእልን እዩ ስለዚ ንግዜኡ ኣብ ረብሓ ከውዕሎን ንገለ ኣብያተ ክርስትያናት ክጽሕፍ ክኣ ወሲኑ። ብኸምዚ ኽኣ እዩ መጽሓፍ ፊሊጲ፥ ኤፌሶን፥ ቆሎሴ ዝጽሓፈ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ እዩ ፧ እዞም ጽሑፋት ንሚሊዮናት ሰባት ዝሓለፈ 2000 ዓመታት ንበረኸት ኮይኖም ስለዚ ማእሰርቲ ጳውሎስ ንሰናይ ተቐይሩ።

ኣብ መፋርቕ 1980 ዓ.ም ኣብ ሕክምና ኣትየ ነይረ ። ንሓጺር እዋን ኣብ ገለ ቦታ ስራሕ ተጸሚደ ከገልግል ይኽእል ነይረ። ስለ ምንታይ ኣብ ሆስፒታል ክኸውን ፈቒዱ ንጎይታ ሓቲተዮ፥ ጎይታ ንሒደት ምዓልታት ክድቅስን ንዝብለኒ ክሰሞዖን ነጊሩኒ። ብሰንኪ ጽዑቕ ኣገለግሎት ሒደት ግዜ ጥራይ ይረክብ ነበርኩ። ንጎይታ ክዛረቦ ኣብ ሕክምና ምድቃሰይ ጎይታ ንዝብለኒ ክሰምዖ ምዃኑ ምስ ርኣኽዎ ክሳብ እቲ ጎይታ ኣብ ሕክምና ክድቅስ ዝደለዮ ክሰምዖ ውን ስለ ዝደለኹ ኣብኡ ምድቃሰይ ይሕጎስ ነይረ። ሓደ ጥቕሚ ኣብ ሕክምና ምድቃስ ንላዕሊ ጥራይ ኢኻ እትጥምት ! ኣብኡ ደቂሰ ከሎኹ ኽኣ ጎይታ ምዓልቲ ድሕሪ ምዓልቲ ክዛረበኒ ጀሚሩ፥ ክጽሕፎ ውን ጀሚረ። እቲ ዝጽሓፍክዎ ጽሑፍ ኽኣ ቅድሚ ሕጂ ጽሕፈዮ ዘይፈልጥ ከምቲ ጎይታ ዝተዛረበኒ ዳርጋ ሓሳብ ንሓሳብ እዩ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ኽኣ ተሓቲሙ ከም "ኣምላኽ ሰብኡት ይደሊ ኣሎ " ብዚብል ኣርእስቲ እዚ ኽኣ ኣብ " ሓድሽ ወይኒ ኣብ ሓድሽ መዕሮቒ" ዚብል መጽሓፈይ ኣብ ምዕራፍ 2፥ ከምኡውን ድሓር ክኣ ከም ንእሽተይ መጽሓፍ "50 ምልክታት ናይ እግዚኣብሄር ሰባት" ኣምላኽ ነታ ከም ዓንቀጽ ጽሑፈይን እታ ንእሽተይ መጽሓፍን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዙሩያ ዓለም ተጠቂሙላ። ካብ ኩሉ ጽሑፈይ ኽኣ ኣዚያ ኣገዳሲት ጽሕፍቲ ገይረ ይወስዳ። ግናኸ ኣምላኽ ኣብ ሆስፒታል ኣእቲዩ ክድቅስ እንተ ዘይገብረኒ ነይሩ እዛ መጽሓፍ ክጽሕፍ ኣይምኽኣልኩን ነይረ።

ኣምላኽ ኣብ ገለ እዋን ብሕማም ወይ ብማእሰርቲ ገይሩ ንሕና ክንሰርሖ ዘይንክእል ንዕኡ ገለ ክንሰርሓሉ ኢሉ ደው የብለና እዩ። ስለዚ ኣምላኽ ካብ ጉያና ደው ከብለና ከሎ ከነመስግን ኣለና ዕላማ ኣሎዎ፥ "ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ" (መ.ዳዊት.37:23)።

ካልኣይ መገዲ ውን ኣሎ ናይ ጳውሎስ ማእሰርቲ ንሰናይ ዝኾነሉ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፥ "እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ" (ፊሊ.1:13) ድሓር ውን ወሲኹ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፥ " ኵሎም እቶም ቅዱሳን፡ ምናዳ እቶም ካብ ቤት ቄሳር ዘበሉ፡ ሰላም ይብሉኹም አለዉ" (ፊሊ.4:22) ከመይ ገይሮም እዮም ሰባት ኣብ ቤተ መንግስቲ ቄሳር ተለዊጦም ፧ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ጳውሎስ እቶም ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ምሳኡ ተኣሲሮም ስለ ዝነበሩ ወንጌል ስለ ዝሰበኸሎም እዩ። ኣብቲ እዋን እሱራት ከይምልጡ ተባሂሉ እቶም ሓለውቲ እሱራት ብሰንሰልት ምስቲ እሱር ይእሰሩ ነበሩ፥ እብተን 8 ስዓታት እቶም ናይ ሮም ወተሃደራት ምስ ጳውሎስ ይእሰሩ ነይሮም ወንጌል ይሰብክሎም ነይሩ፥ እቲ ዋርዲያ ካብ ጳውሎስ ክርሕቕ ኣይክእል ነይሩ! ክሰምዖ ጥራይ እዩ ዘሎዎ። እቲ 8 ስዓታት ናይ ሓደ ዋርድያ ምስ ተወድኣ ካላእ ዋርድያ መጺኡ ነቲ ዝጸንሔ ይትክኦ ነዚውን ጳውሎስ ወንጌል ይሰብከሉ! በዚ ኽኣ ገለ ቁጽሪ ዋርድያታት ተለዊጦም ንእሽተይ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ኣብ ቤተ መግስቲ ቄሳር ንእሽተይ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ተተኸለት።

ግናኸ ኩሉ እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሳልሳይ በረኸት ውን ነይሩ፥ ካብ ማእሰርቲ ጳውሎስ ዝመጸ ብዙሓት ኣመንቲ ወንጌል ንምምስካር ፈሪሖም ነበሩ፥ ኣብቲ እዋን ማእሰርቲ ጳውሎስ ምስ ሰምዑ ግን ወንጌል ንኽሰብኩ ትብዓት ረኺቦም፥ " ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላክ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ" (ፊሊ.1:14)። ነቲ ወንጌል ንኸሰብኩ ዝነበሮም ፍርሃት ኣወጊዲም ብድፍረት ክርስቶስ ክእውጁ ጀመሩ። ስለዚ ማእስርቲ ጳውሎስ፥ "ወንጌል ናብ ምስፋሕ ተለዊጡ" ኣምላኽና ካብ ክፉእ ሰናይ ዘውጽእ ኣምላኽ እዩ። ክብሪ ንጎይታ ይኹን።