Written by :   Zac Poonen Categories :   Disciples Man
WFTW Body: 

"ሐደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም" (ሉቃ. 16:13)።


ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኣምላኽን ንሰይጣንን ብሓደሳብ ንኽልቲኦም ከነገልግሎም ከም ዘይንኽእል ይፈልጥ እዩ፥ ግናኸ ንኣምላኽን ንገንዘብን ብሓደሳብ ክንግዛእ ከም ዘይንኽእል ዝፈልጡ ውሑዳት እዮም። ኣብዚ ቃል ተጠንቂቕካ ኣስተውዕሎ የሱስ ኣርባዕተ ነገራት እዩ ገሊጹ ~


•እንተ ድኣ ብሓቂ ንኣምላኽ ተፍቅር ኰይንካ፥ ንገንዘብ ክትጸልእ ኢኻ።


•እንተ ድኣ ብሓቂ ንኣምላኽ ትስዕብ ኰይናካ፥ ንገንዘብ ክትንዕቕ ኢኻ።


•እንተ ድኣ ገንዘብ ተፍቅር ኰይንካ፥ ንኣምላኽ ትጸልእ ምዃንካ መረጋገጺ እዩ።


•እንተ ድኣ ንገንዘብ ትስዕብ ሃሊኻ፥ ንኣምላኽ ከም ትንዕቕ መረጋገጺ ኢዩ።


መብዛሕትኦም ኣመንቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ ንኣምላኽ ይጸልእዎን ይንዕቕዎን ከም ዘለዉ ኣይተረድኦምን። ምኽንያቱ ገንዘብን ምድራዊ ነገራት ኣዚዮም እዮም ዘፍቅሩ። ሓደ ኣማኒ ካብ ካልእ ሰብ ጹሩይ ምህሮ ከም ዘለዎ ንርእሱ ክሓስብ ይኽእል ይኸውን፥ እንተ ዀነ ክልቲኦም ገንዘብ ዘፍቅሩ እንተ ዀይኖም ክልቲኦም ንኣምላኽ ይጸልእዎ እዮም ዘለዉ። ፈሪሳውያን ንጹህ ትምህርቲ እዮም ሒዞም ነይሮም(ማቴ:23:30)፥ ሃይማኖታውያንውን ነይሮም፥ ግናኸ ንኣምላኽ ኣይፈቅሩን ነበሩ። ንገንዘብ ዝምልከት ኣብ ኣተሓሳስባኻ ጸግዒ ዘይብልካ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ንሰይጣን ወይ ከተፍቅሮ ኣሎካ ወይ ክትጸልኦ ኣለካ። ልክዕ ብኸምዚ መገዲ ኽኣ ንገንዘብን ወይ ከተፍቅሮ ወይ ከኣ ክተጸልኦ ኣለካ ንገንዘብ ክትስዕብ ኢኻ ወይ ድማ ክትንዕቕ ኢኻ።


ኣምላኽን ገንዘብን ወይ ምድራዊ ሃብቲ ክልተ ኣንጻር እዮም፥ ከም ክልተ ዋልታ ናይ ማግኔት እንተ ድኣ በቲ ሓደ ዋልታ ተሳሒብካ በቲ ካልኣይ ክትንጸግ ኢኻ። እሞኸድኣ ከመይ ጌርና ድኣ ኢና ገንዘብ ክንጸልእ እንኽእል፧ ንዓለም ብምምናን ፈላሲ ብምዃን ወይስ ከቢድ ነብሰ ምቕጻዕ ብምግባር፧ ናብ ገዳም ከይድና ኣብኡ ክነብር ኣሎናዶ ወይ "ኣብ ናይ እምነት ገዛ" ኰይና ገንዘብ ከመይ ጌርና ክንጸልእ ከም ዘሎና ብኸምዚ ድያና እንማሃር፧ የሱስ ክርስቶስ ባሕታውያን ወይ ፈለስቲ ወይ ፓስተራት ክገብረና ኣይመጸን !! የሱስ ገዛእ ርእሱ ኣብዛ ዓለም ልሙድ ህይወት እዩ ተመላሊሱ፥ ከም ጸራቢ ዕንጸይቲ ውን ኰይኑ ሰሪሑ እዩ። ኣዲኡን ንኣሽቱ ይሕዋቱን ኣሓቱን ምእንቲ ክሕግዝ ከም ዝዀነ ሰብ ክኣ ሰሪሑ ገንዘብ ረኺቡን ከምኡውን ተጠቂሙሉን። እንተ ዀነ ንኣቦኡ ኣፍቂሩን ንገንዘብውን ጸሊኡን።


ምናልባት ገለ መረዳእታ ክንወስድ የድሌና እዩ ከመይ ጌይርና ገንዘብ ክንጸልእ ከም ዝግብኣና። ኣብ ግምት ንእቱ ሓንቲ ጐርዞ ምስ ሓደ መንእሰይ ኣብ ኣዚዩ ዓሚቚ ፍቕሪ ዘላ፥ ብዘይ ብእኡ ክተነብር ትኽእል ኣይመስላን እዩ። ሓደ ምዓልቲ ግን ካልእ ሓደ ምልኩዕ መንእሰይ ካብቲ ናይ መጀመርያ ዝያዳ ዘብህግን ረኺባ። ሓደሳብ በዚ ሓድሽ ሰብ ሓሳባ ምስ ተትሓዘት ነቲ ቀዳማይ መንእሰይ ፍጹም ኣይደለየቶን። ከመይ ጌይራ እያ ነቲ ናይ መጀመርያ ዓርካ ዝነበራ ፍቕሪ ከተርሕቕ ዝኽኣለት፧ በቲ ሓድሽ ፍቕሪ ናይ ምብራር ሓይሊ እዩ። ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ሓራ ክንከውን እቲ መገዲ ከኣ ልክዕ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ክንርእዮ ዝጸናሕና እዩ። ልብና ብፍቕሪ ጎይታ ምስ መልኤ ነቲ ቀደም እነፍቅሮ ዝነበርና ገንዘብ ኣብ ልብና ቦታ የብሉን። ብርሃን ንሓደ ክፍሊ ምስ መልኦ ጸልማት ብሓደሳብ እዩ ዝግፈፍ። ስለዚ ገንዘብ ክትጸልእ ኣሎካ ንኣምላኽ ከተፍቅር እንተ ደሊኻ ኢልና ኣይንስብኽን ኢና ኣይፋሉን!። እዚ ኣሉታዊ መልእኽቲ እዩ ዘፍርዮ እንተሎ ኸኣ ፈሪሳውነት ጥራይ እዩ። መን ክሓስብ ይኽእል ገንዘብ ይጸልእዎም ካልኡት ኣመንቲ ዘፍቅርዎን፥ ንክርስቶስ ንዕብዮን በዚ ኸኣ ሰባት ብምሉእ ልቦም ከፍቅርዎ ይሓስቡ። ንጎይታ ብምሉእ ልቦም ምስ ዘፍቅርዎ ብቕጽበት ክኣ ገንዘብ ይጸልኡ። ሓደ ሰብ እንተ ድኣ ገንዘብ ዘፍቅር ኰይኑ እዚ ንጎይታ ብምሉእ ልቡ ከም ዘይፈቅሮ ምልክት እዩ።


ከምኡ ስቕ ኢልካ ደድሕሪ ገንዘብ ኣይንኸይድን ኢና ንገንዘብ ኣይንብህጎን ኢና ኢላካ ምዝራብ እዂሉ ኣይኰነን፥ እዚ ድዂምን ኣሉታዊ ዘረባን እዩ። ምእማን ኣውንታውን ብርግጽ ንገንዘብ ንጸልኦን ንንዕቖን ክኸውን ይግባእ። እዚ ኣብ ህይወትና ሓቂ እንተ ድኣ ዘይኰይኑ ጎዲሉና ዘሎ ክንእመን ንጎይታ ውን ከናግፈና ክንደልዮ ኣሎና። ምስ ገዛእ ርእስና ምሕረት ኣልቦ ቅንዕና ክህልወና ይግባእ። ኣብዚ ነጥቢ ካብ ምትላል ገዛእ ርእስኻ ክንናገፍ እንተ ድኣ ኰይና። ገንዘብካ ክውስኽ ከሎ ኣዚዩ ይሕጉሰካዶ፧ ብዙሕ ገንዘብ ንምኽዕባት ባህጊ ኣሎካዶ፧ ንዚኦም ሕቶታት መልስና "እወ" እንተ ዀይኑ ገንዘብ ከም እንፈቅር ንጹር እዩ። ነዚ ኽኣ ንምድራዊ ሃብቲ ኢና እነገልግል ዘሎና ማለት እዩ።


ብዙሓት ኣመንቲ ኣዚዮም ዓያሹ እዮም ገንዘብ ምውሳኽ ከም ምልክት በረኸት ኣምላኽ ገይሮም ይሓስብዎ። ገለ ኣመንቲ ኸኣ ሓደ ምዓልቲ ሎቶሪ ክዕወቱ ኣምላኽ ክረድኦም ይምነዩ! ሎቶሪ ሰይጣን ንሰባት ሓባቢሉ ምድራዊ ሃብቲ ንከምልኹ ዝገብረሉ ሜላ እዩ። ሓደ ሰብ 1 ሚልዮን ገንዘብ ብሓደ ቕርሺ ዓዲጉ ዝረኽቦ፥ እቲ ገንዘብ ዝረኸቦ ናይ ሓደ ሚሊዮን ዝጓሃዩ ሰባት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፥ "እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ" (1ጢሞ.6:9)።


ሎጥ ሃብታም ክኸውን ደልዩ ኣብ መስርሕ ከኣ ቤተሰቡ ኣጥፊእዎም። በልዓም ሃብታም ክኸውን ደልዩ ጻዊዕቱ ከም ነቢዪ ኣጥፊእዎ ናብ ሲኦል ከኣ ከይዱ። ግሓዚ ሃብታም ክኸውን ደልዩ ነቢዪ ንክኸውን ዝነበሮ ዕድል ጥራይ ኣይኰነን ኣምሊጥዎ፣ ግናኸ ለምጺ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ደቁን ከኣ ኣምጺዩ። ብተደጋጋሚ ዘሕዝን ኣብነታት ንርኢ ኢና ጽቡቕ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቶም ዝስዕብ ዝነበሩ ኣመንቲ ግናኸ ሃንደበት ንድሕሪት ይምለሱ። ምኽንያቱ ኸኣ ሃብታማት ኪዀኑ ስለ ዝደለዩ ካብቲ መሰረታዊ ድሌቶም ኪንኡ ደድሕሪ ሃብቲ ስለ ዝስዓቡ እዩ። ሰይጣን ንኸምዚኦም ኣመንቲ ዝሓባብሎም ኣብ መጀመርያ ንእሽተይ ዕጋበት የጥዕሞ እቲ ሃብቲ ክህቦም ዝኽእል ሓጎስ። እዚ ልክዕ ከምቲ ሓሽሽ ንሰብ ዘለማምዱ ሰባት ንመንእሰያት መጀመርያ ንእሽተይ ዘጥዕምዎም። ሰይጣን ሃብታማት ናይ ምዃን ሽውሃቶም ከኣ ይዕብዮ። ንእሽተይ ብንእሽተይ ክሳዕ ኣብ መወዳእታ "ኣብ መፈንጥራ ምድራዊ ሃብቲ" ዝኣትዉ ይመርሖም። ገዛእ ርእሶምን ቤተሰቦምን ኣብ ጥፍኣትን ክሳራን ክኣ ይጠልቊ። ህይወታት ንቤተ ክርስትያን ክሃንጹ ዝግባእ ደድሕሪ ገንዘብ ብምስዓብ ይባኹኑ ኣለዉ፥ ከም እዚኦም ዓይነት ኣመንቲ ንመሰል ውልድነቶም ብሓደ ሽሓኒ ግዓት እዮም ሽይጦሞ ዘለዉ! ሕሰብ ኣብ ዘላለማውነቶም እንታይ ጥዓሳ እዩ ክኸውን!


ስለዚ ኹሎም ንቚሓት ኣመንቲ ፍጹም ደድሕሪ ሃብቲ ኣይስዕቡን እዮም፥ እዚ ልክዕ ከም ካብ ዓስራይ ደርቢ ናይ ሓደ ህንጻ ክዘሉ ዘይክእሉ። በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መጠንቀቕታታት ርዱኣት እዮም። እዞም ተግባራት ከም ዝዕንውዎም ይፈልጡ እዮም፥ ከምኡውን ኣምላኽ ክሕልዎም ይጽበዩ። ሓደ ሰብ ንኽወድቕ ግድን ብጋህዲ ደድሕሪ ገንዘብ ምስዓብ ኣይድልዮን እዩ፥ ሓደ ሰብ ብልቡ ከፍቅርን ብኣጋ ወዲቑ እዩ ዘሎ፥ "እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ" (1ጢሞ.6:10) እዚ ልክዕ ከም ሓደ መንእሰይ ሓንቲ ጓል ከፍቅር ይኽእል እዩ ብሓቂ ደድሕሪኣ ከይጎየየ። እዚ ጥራይ ንኣማኒ ከውድቖ እኹል እዩ። ብምሉእ ልቡ ጎይታ ከፍቅር ዘይወሰነ ዋላ ሓደ ሰብ ቤተ ክርስትያን ክሃንጽ ኣይክእልን እዩ። ንገንዘብ ክንጸልኦን ክንዕቖን ምስ ጀመረና ጎይታ ብምሉእ ልብና ከም እነፈቅሮ ክንፈልጥ ኢና። ክንደይ ሰባት እዮም ፍቓደኛታት ንጎይታ ዘሎዎም ፍቕሪ ምእንቲ ክፍትሹ እዚ መርመራ ክገበሩ ዝኽእሉ፧ ገና ገንዘብ እነፍቅር እንተ ድኣ ኰይና፥ ኲሉ እንሕበነሉ መንፈሳውነት ፍጹም ዋጋ የብሉን።


የሱስ ክርስቶስ ክልተ ንሓለፍነትና ምስ ገንዘብ ዚዛመድ ነገራት ተዛሪቡ ኣሎ ከምዚ ክብል ከሎ፥ "..... ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ በሎም " (ማቴ.22:21) ።


1). ንቄሳር ምሃብ እቲ ንዕኡ ዝብጽሖ ኪብል ከሎ፥ ኣብ ጒዳይ ገንዘብ ብጽድቂ ክንመላለስ ኣሎና ማለቱ እዩ።


2). ንኣምላኽ ምሃብ እቲ ንዕኡ ዝብጽሖ ኪብል ከሎ፥ ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘብ እሙን ምዃን ማለቱ እዩ።


ንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ዝኽእል የልቦን!!