Written by :   Zac Poonen Categories :   Religious or Spiritual
WFTW Body: 

ካብ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጥ ኣዚዩ ቀሊል እዩ -ምኽንያቱ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጥ ዋጋ ክትከፍል ኣይድሌካን እዩ፥ኩሉ ክትገብሮ ዘለካ ምጽናዕ እዩ።ኣብ ውልቂ ህይወትካ ዘይሞራላዊ ኣብ ናይ ሓሳብ ህይወትካ ዘይንጹሁን ክትከውን ትኽእል ኢኻ፥ክኣ ከምእ'ውን ኣጸቢቕካ መጽሓፍ ቅዱስ እትፈልጥ።ኣዚኻ ዝተፈለጥካ ሰባኽን ገና ግን ገንዘብ እተፍቅር ኣብ ሓደ እዋን ክትከውን ትኽእል ኢኻ፥ግናኸ ፥ኣብ ህይወትካ ዘይሞራላዊ ኮይንካ ንእግዚኣብሄር ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንገንዘብ እተፍቅር እንተ ኾይንካ ንእግዚኣብሄር ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ።እዚ ዘይክኣል እዩ ! ስለዚ እዩ ድማ መብዛሕትኦም ሰበኽቲ ኣብ ክንዲ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ እቲ ዝቐለለ መንገዲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጥ ዝወስዱ።


ክሓተካ ይደሊ እየ ፥ንመጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በቃ ብምፍላጥካ ትሕጎስዶ ወይስ ኣመና ጥሜት ኣብ ልብኻ ኣለካ ንጎይታ ክትፈልጥ ? ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ፊሊጲ 3፥8-10 ከምዚ ኢሉ ኣሎ እቲ ዝዓበየ ሃረርትኡ ንጎይታ ኣጸቢቑ ክፈልጥ ከም ዝነበረ።ንሱ ንኹሉ ነገር ካልእ ብምንጽጻር ንጎይት ምፍላጥ ከም ጉሓፍ ቆጺርዎ እዩ።ጳውሎስ ኩሉ ዑንቁታቱ ሓዲጉ እዩ ምእንቲ ነዚ ዑንቂ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ኢሉ።እቲ ሚስጥር ናይ ጳውሎስ ኣገልግሎት ኣብቲ ንሱ ንብዙሓ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ገማሊኤል ሰሚነሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ዝሕለፎ ኣይኮነን ዝርከብ፥ ግናኸ ኣብ ናይ ውልቁ ፍልጠት ናይ ጎይታ እዩ።


"ናይ ዘልኣለም ህይወት ንእግዚኣብሄርን የሱስ ክርስቶስን ብውልቂ ምፍላጥ እዩ " (ዮው 17፥3) ።ምናልባት ንዘልኣለማዊ ህይወት ንዘልኣለም ኣብ ሰማይ ምንባር ኢላን ገሊጽና ክንከውን ንኽእል ኢና።እንተ'ኾነ እዚ የሱስ ዝገለጾ ኣይኮነን። ዘልኣለማዊ ህይወት ምስ ሰማይን ወይ ካብ ሲኦል ምምላጥ ዋላ ሓንቲ ዝገብሮ የብሉን።ምስ ምፍላጥ እግዚኣብሄር እዩ ዝኸይድ። ንእግዚኣብሄር ጥብቕ ርክብን ብውልቂ ምፍላጥን ናይ ህይወተይ ድሌተን ናይ ልበይ ጾርን እዩ።ይፈልጥ እየ ኣገልግሎተይ ኣምላኻዊ ስልጣን ክህልዎ ከም ዝኽእል ጥራይ ንእግዚኣብሄር ብውልቀይ እንተ ፈሊጠዮ።ስለዚ ድማ ፥ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናትና፥ንሰባት ናብ ፍልጠት እግዚኣብሄር ገዛእ ርእሱ ክመርሕ ደሊየ እየ።


ሎሚ ከቶ ኣብ ታሪኽ ቅድሚ ሕጂ ዘይንበረ ብዙሕ ፍለጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ።ዳርጋ 1500 ዓመታት ድሕሪ ምዓልቲ ሓምሳ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝተሓተመ መጽሓፍ ኣይርከብን ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክፍለ ዘመን ጥራይ እዩ ኣዚዩ ብነጻ ክርከብ ዝኽእል።ሎሚ ፥ኣዚዩ ብዙሕ ትርጓምን ተቓድዎ መስርዕን ንመጽናዕቲ ዝሕጉዙና ኣለና።ግናኸ ትሓስብዶ ኩሉ ኣዚ ምውሳኽ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ 'ቅዱሳት' ክርስትያናት ኣፍሪዩ ኢልካ ? ኣይፋሉን።ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድስና ከፍሪ ዝኽእል እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ሎሚ እንነብር ዘለና ኣዚዮም ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣብ ታሪኽ ምስ ሃለውና ነይሮም።ግናኸ የብልናን።ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድስና ዘፍሪ እንተ ዝኸውን ሰይጣን ገዛእ ርእሱ ቅዱስ ምስ ኮነ ነይሩ- ምኽንያቱ ዋላ ሓደ የለን ከምቲ ናቱ ገይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈልጦ።ሎሚ ኣዚዩ ብዙሕ ሰሚነርስ ንኣሽሓት ተምሃሩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህራ ኣለዋና።ግናኸ ፥እቶም ኣዚዮም ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ሎሚ ካብዚ ሰሚነርስ ይርከቡ ድዮም ? ኣይፋሉን፥ብዙሓት ምሩቓት ናይ ሰሚነርስ ሎሚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ እግዚኣብሄር ካብ ዘይፈልጡ ሰባት ንላዕሊ ዝብኣሱ እዮም።


ቅድሚ ገለ ዓመታት ፥ሓደ ምሩቕ ናይ ሰሚነሪ ካብ ኣብ ህንዲ ዘለዉ ዝልዓለ ወንጌላዊያን ሰሚነሪ ረኺበ ነይረ፥ኣብ ክፍሊ ቀዳምይ ዝወጸ ንሱ ሰልስተ ዓመት ኣብቲ ሰሚነሪ ድሕሪ ምምሃሩ፥መንፈሳዊ ኩነታቱ ካብቲ ንሱ መጀመሪያ ናብዚ ትምህርቲ ዝተጸንበረሉ ኣዚዩ ዝብኣሰ ከም ዝነበረ ነጊሩኒ። እሞኸ ድኣ እቲ ሰሚነሪይ እንታይ እዩ ሚሂርዎ ? ክውን ሓቂ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ክርስትና እዩ ሚሂርዎ።ሰይጣን ገዛ ርእሱ ካብ ከምዚ ዓይነት ሰሚነሪይ ከም ቀዳማይ ኣብ ክፍሊ ክምረቕ ምስ ክኣለ።


እንታይ እዩ እቲ ጥቕሚ እዚ ንእሽተይ መንእሰይ ኣገባብ ኣፈታትሓ (Hermeneutics)ን እንታይ እዩ እቲ "ዝልዓለ ህየሳ" ዝብሎን ፥እንታይ እቲ ትርጉም ናይ ግሪኽ ቃላት ነይሩ ምጽንዑ ፥እንተ'ድኣ ንሱ ንቕጥዔ ፥ንመረረ፥ፍትወት ምንዮት ሓሳባትን፥ ንፍቕሪ ገንዘብን እንተ ዘይሲዒሩ ? በቲ ሓድሽ ዝረኸቦ ምስክር ወረቐት ንሱ ኣብ ቀረባ ፓስተር ክኸውን እዩ።ግናኸ ፥እንተ ድኣ ንሱ ነቶም ሰባት ኣብ ቤተ ክርስትያኑ ዘለዉ ክምህር ኮይኑ እቲ ዝዓበየ ጸገሞም ሞራል እምበር ቲኦሎጂ ኣይኮነን ንሱ ብጠቕላላ ክሕግዞም ኣይክእልን እዩ ፥ኣብ ዝኾነ እዞም ሸነኻት።እዚ እቲ ከመይ ኣብ ዓለም ዙሪያ ዕዮ ኣምላኽ ዝበላሾ እዩ።


ባዕልኻ ጥራይ እንተ'ድኣ ንእግዚኣሄር ፈሊጥካዮ፥ ንመጓሰኻ ንዕኡ ክፈልጥዎ ክትመርሖም ክትመርሖም ክትክእል ኢኻ።ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ኣብ ህይወትካ ገዛእ ርእስኻ እንተ'ድኣ ዕወት ሃሊዩኳ ፥ከምእ'ውን ናብ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ንመጓሰኻ ክትመርሖም ክትክእል ኢኻ።ሻቡ ንሶም ክወጹን ብስልጣንን ብሓይልን ንጎይታ ከገልግሉ ዝተዓጠቑ ክኾኑ እዮም።ሰይጣን ብናይ ማንም ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ዲግሪ ሰርትፍኬት ዝምሰጥ ይመስለካዶ ? ብጠቕላላ ኣይኮነን።ሰይጣን ንእግዚኣሄር ዝፈልጡ ንቅዱስ ፥ትሑት ሰብኣይ |ሰበይቲ ጥራይ እዩ ዝፈርህ።


ንመንእሰያትና ይሕዋትና ኣሓትና ንዕኡ ክፈልጥዎ ክንመርሖም እግዚኣብሄር ይደግፈና።