Written by :   Zac Poonen Categories :   Disciples
WFTW Body: 

ኣብ 1 ቆሮንጦስ .4:2 ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ "እቲ ኣዚዩ ኣሀዳሲ ነገር ብዛዕባ ኣገልጋሊ ንሱ ልክዕ ከምቲ ጎይትኡ ዝነገሮ ምግባር እዩ"። እዚ እዩ እቲ እሙን ኣገልጋሊ ምኳን።እቲ ሕቶ ማዕረ ክንደይ ትዓይ ኣይኮነን-ግናኸ እቲ ጎይታ ዝብሎ ጥራይ ትገብርዶ እዩ - ድማ በቲ መንገዲ ንሱ ክንገብሮ ዝፈቱ። ነዚ፥ንጎይታ ክትጽበን ክትሓትትን ይግባእ፥" ጎይታ እንታይ ክገብር ኢኻ እትደሌኒ ? ኣነ ነቲ እስኻ ዝበልካዮ ጥራይ ክገብር እየ ዝደሊ " ።ንኣብነት እንተ ድኣ ሰራሕተኛ ቆጺርካ ፥ኣብ ኩሉ እናዞረ ዝኾነ ዝተሰምዖ ንዓኻ ክገብረልካ ኣይትደልን ኢኻ። ኣይፋሉን።ንዓኻ ክሰምዓካን ዝነገርካዮ ክኣ ክገብር ኢኻ እትደሊ።ግናኸ መብዛሕትኦም ናይ ክርስትያን ዓየይቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቃሉ ዝተዛረቦ ክሰምዑን ነቶም ኣምላኻዊ መምርሒታት ክስዕቡን ኣይደሊዩን እዮም።ኣብ ክንድዚ ንዕዮ ኣምላኽ በቲ መንገዲ ዝተሰምዖም ዝበለጸ - ብናይ ገዛእ ርእሶም ብሩህ ሓሳባት፥ይሰርሑ እዚ ኽኣ መብዛሕትኡ ግዜ ዓለማዊ እዩ።ንጎይታ ከገልግልዎ ናይ ገዛ ርእሶም መደባት ይፈጥሩ፥ ድማ ትዕግስቲ የብሎምን ንጎይታ ክጽበዩ ፍቓዱ ንዕኦም እንታይ ምኳኑ ክረኽቡ።

ኣብ 1ቆሮ.4 ጳውሎስ ይብል እቲ ሓቀኛ ኣገልገል ክርስቶስ (እቲ ብመንገዲ መስቀል ዝመላለስ) ብዓለም ኣይከብርን እዩ(ድማ እዚ ዓለማዊያን ኣመንቲ የጠቓልል እዩ)።ሃዋሪያት እቶም ዝዓበዩ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቤተ ክርስትያን እዮም። ነቶም ሽማግለታት ኣብያተ ክርስትያናት ሽማግለታቶም እዮም።ሃዋሪያት ቤተ ክርስትያናት ይተኽሉ፥ሽማግለታት ይሰርዑን ነቶም ሽማግለታት ይመርሑን።ግናኸ ዓለም ከመይ እያ እትሪኦም ነዞም ሃዋሪያት ? "ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዂላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና" (1 ቆሮ.4:9) ኣብ ይዒንቲ ዓለም ሃዋሪያት ብልክዕ ኣብቲ ትሕቲ መሳልል ናይ ሕብረተሰብ እዮም።ንሶም "ከም እሱራት ቀልጢፎም ዝቕተሉ….ንሰባት መስሓቒ ኮይኖም….ከም ዓይሹ….እናተሰጎጉ ዝዕገሱ" ወ.ዘ.ተ።( 1 ቆሮ.4:9-11)። ጳውሎስ ገዛእ ርእሱ ምስ ካልኡት ሃዋሪያት ምስ ስጋውያን ክርስትያናት ሰብ ቆሮንጦስ የነጻጽር ።ንሱ ይብል " ኩሉኹም ተመኢኹምን ሃብታማትን ከም ለባማትን ተሓሲብኩምን ኢኹም ።ንሕና ፥በቲ ሓደ ኢድ ፥ብዓለም ተናዒቕና ኢና " ።ሓቀኛ ሃዋሪያት ክርስቶስ ብዓለም ኣይከብሩን እዩ። ስጋውያን ክርስትያናት ጥራይ እዮም ብዓለም ዝኸብሩ።እንተ ድኣ ናይ ዓለም ክብሪ ትደሊ ኮይንኳ፥ኣዚዩ ርግጽ ስጋዊ ክርስትያን ኮይንኳ ክትውድእ ኢኻ።

"ሓቀኛ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣቦ እዩ "።

ሓቀኛ ሃዋሪያ ክርስቶስ ወንጌል ብምስባኽ ፍጹም ሃብታም ኣይከውንን እዩ።ኣብ ዝኾነ ቦታ ሰብ ወንጌል ብምስባኽ ሃብታም ዝኾነ ክትሪኢ ከለኻ ንሱ ሃዋሪያ ክርስቶስ ዘይምዃኑ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ሰብ ወንጌል ብምስባኽ ገዛን መሬትን ንዕኡ ንቤተሰቡን ዝዓደገ ሃዋርያ ክርስቶስ ኣይኮነን።ሰብ ክቡራት መካይን በቲ ወንጌል ብምስባኽ ዝረኽቦ ገንዘብ ክገዝእ ዝኽእል እንተ ኾይኑ ሃዋሪያ ክርስቶስ ኣይኮነን።ንሱ ጥራይ ስጋዊ ክርስትያን እዩ። ጳውሎስ በቲ ዝነብሮ ናይ ምስባኽ ውህበት ብዙሕ ገንዘብ ክገበር ምኽኣለ ነይሩ፥ግናኸ ንሱ ኣይገበሮን።ሓቀኛ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ብወንጌል ምስባኽ ገንዘብ ኣይኻዕብትን እዩ።ንሱ ምድራዊ መሰራታዊ ድሌታቱ ምእንቲ ከማልእ ህያብ ክቕበል ይኽእል እዩ - ልክዕ ከምቲ የሱስን ሃዋሪያትን ዝገብርዎ -ግናኸ ንሱ ከምዚ ገይሩ ሚለየነር ክኸውን ኣይክእልን እዩ።ኮይኑ ግን ሎሚ ኣብ ክርስትና እንሪኢዮ ዘለና ናይዚ ብልክዕ ኣንጻር እዩ።ድማ በዚ ምኽንያት እዩ ነዞም ኩሎም ሃዋሪያትን ሰብኽትን (ዋላ ሕሙማት ክፍውሱ ዝኽእሉ ይኹኑ) ዘለኒ ኣኽብሮት ዜሮ ዝኾነ።ኣነ ካብ እዞም ናይ ወንጌላዊያን ሰበኽቲ ካብ ድኻታት ዕሽር ዝወስዱን ብወንጌል ምስባኽ ሃብታማት ዝኾኑን ንናይ ሮማ ካቶሊክ ኣቕሽሽቲ ናብ ስሜን ህንዲ ዝኸዱን ቀሊል ናብራ ዝነብሩን ንድኻታት ዝሕጉዙን ብዙሕ ኣኽብሮት ኣሎኒ።ንመን ኢኻ ክትስዕብ ? ንጳውሎስን ጴጥሮስን ? ወይስ ናይ ሎሚ ሓቀኛ ዘይኮኑ ሰበኽቲ ? ጳውሎስ ከምዚ ክብል ይቕጽል " ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ማሕደር የብልናን፡ 12 ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ" (1ቆሮ 4:11-12)።

ጳውሎስ ገዛ ርእሱ እዩ ኪኢሉ ብጉዳይ ገንዘብ ፥ግናኸ ግና ንሱ ተዋሪዱን ስሙ ጸሊሙን እዩ፥ሰባት ብዛዕብኡ ናይ ሓሶት ወረ ኣውሬም ፥ግናኸ ተመሊሱ ባሪኽዎም።ንሱ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዝኸዶ ቦታ ተሳዲዱ እዩ "ከም ጉሓፍ ዓለምን ናይ ኩሎም ጎድፍን " ኮይኑ እዩ (1ቆሮ.4:13)።እዚ ማለት ብዓለም ካብ ናይ ርስሓት ብትቦ ዝፈስስ ከም ዘይበልጽ ተቖጺሩ ማለት እዩ ።እዚ እዩ እቲ መንገዲ እቶም ዓበይቲ ሃዋሪያት ናይ'ቲ ግዜ እቲ ብዓለም ዝተታሓዝሉ። ብምንጽጻር ፥ናይ ቆሮንጦስ ክርስትያናት ብዓለም ዝተኸበሩን ብዝተሓፈሩን ነይሮም -ድማ ብዛዕባ እዚ ሕጉሳት ነይሮም ።እዚ ክብል ይሓዝን ኣብ ክርስትና እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እንታይ ማለት ምኳኑ መረዳእትኡ ኣጥፍኢ እዩ። ሕጂ እምብኣር ዕማምና ንምድርና ኣገልጋሊ ኣምላኽ እንታይ ማለት ምኳኑ ምግላጽ እዩ -ሓደ ዋጋ ዕዳጋ ዘይገብር ወይ ዝኾነ ምድራዊ ክብሪ ዘየናዲ እዩ። እግዚኣብሄር ብናይ ዝኾነ ቲኦሎጂ ዲግሪ ወይካልእ ዓለማዊ ብቕዓታት ኣይምስጠን እዩ ከም እዚኦም ዓይነት ብቕዓታት ንሰይጣን'ውን ኣይፍርሕዎን እዮም !

መብዛሕትኦም ናይ ክርስትያን ዕዩ ዓየይቲ ኣብ ዙፋን ኮፍ ክብሉን ክብሪ ክረኽቡን ሃረር ይብሉ እዮም።በዚ መንገዲ ኣይትኺድ።ኩሉ ዘመን ህይወትካ ትሑት ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኩን።ዋላኳ ብዓለምን ብባቢሎናዊ ክርስትና'ውን እንተ ተነጸካ፥ተራ ሓዊ ተራ ሓፍቲ ኩን።

ጳውሎስ ብናይ ሰብ ቆሮንቶስ ክርስትያናት ስሙያትን ኣብ ምቾት ዝነበሩ ብእኦም ቀኒኡ ነይሩ ድዩ ? ኣይፋልን።ንሱ ሓዚንሎም እዩ፥ምኽንያቱ ካብኦም ንላዕሊ ዝያዳ ኣብ ዝተባረኸሉ ኩነት እዩ ነይሩ።ንሱ ከም ኣብ ኣቦ እዩ ተዛሪብዎም-ድማ ክሕፍሮም ኣይኮነን። (1ቆሮ.4:14)።ሓቀኛ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣቦ እዩ።ንሱ ንሰባት ኣይሕፍሮምን እዩ።መምሃራን ንተማሃሮ ናቶም ክሕፍርዎም ይኽእሉ ይኾኑ፥እንተ ድኣ እቲ ተማሃራይ ገለ ጌጋ ገይሩ።ጥዑይ ኣቦ ፥እንተ ኾነ ፥ፍጹም ንወዱ ኣይሕፍሮን እዩ፥ዋላ ገለ ነገር ዕሽነት እንተ ገበረ። ግናኸ እቲ ድርርግ ኣቦታት ምስ መምሃራን ኣብ ክርስትና ዳርጋ 1:10.000 እዩ (1ቆሮ.4:15).