WFTW Body: 

2 ቆሮ.3:18 እታ ሓንቲ ጥቕሲ ንኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን እቲ ዝበለጸ እትገልጾ እያ።መንፈስ ቅዱስ ጎይታ ህይወትና ምስ ኮነ ፥ንሱ ሓርነት የምጽኣልና "ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ" (ጥቕሲ 17)።ንሱ ቀዳምነት ካብ ሓይሊ ሓጥያት ሓራ ይገብረና፥ ግናኸ ከምእውን ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ፥ካብ ልምድታት ናይ ኣቦታት እቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝቃረን ፥ካብ ሪኢቶትታ ሰባት ወ.ዘ.ተ ሓራ ይገብረና እዩ።እዚ ብርግጽ ዓቢ ናጽነት እዩ።


ኣብ 2ቆሮ.3:18 መንፈስ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክብሪ የሱስ ከም ዘርኤን ተነጊሩና እዩ (እቲ መስትያት ቃል ኣምላኽ እዩ -ያዕቆብ 1:13-15)።ገለ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብዎ ጥራይ ንስብከታት ንኽረኽቡን ንምህሮትታ ከረጋግጹን እዮም።ግናኸ መንፈስ ቅዱስ ቀዳምነት ክብሪ የሱስ ንዓና ክርኤና እዩ ዝደሊ።ነቲ ክብሪ ክንርኢ ከለና ከምእውን መንፈስ ቅዱስ ናብ ምስሉ ይልውጠና እዩ።እቲ ምስሊ ንክርስቶስ ምምሳል እቲ መገዲ ዘገልገለሉ ዘካተተ እዩ።ከም ናቱ ገይርና ከነገልግል ክንጅምር ኢና።መንፈስ ቅዱስ ፥የሱስ መታን ንኣቦ ከገልግሎ ከመይ መስዋእታ ከም ዝገብረ ከርኤና እዩ።ድማ ንዓናውን ንጎይታ ከነገልግሎ መስዋእቲ ክንግበር ከኽእለና እዩ።መንፈስ ቅዱስ ክልውጠና እንተ ድኣ ኣፍቂድናሉ ንህይወትና ኣገልግሎትና ብስሩ ክልውጦ እዩ።


ሕጂ ክብሪ የሱስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንሪኦ ከለና፥መንፈስ ቅዱስ ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ካልእ ደረጃ ክልውጠና እዩ ፥መታን ክብሩ ምዓልቲ ብምዓልቲ እናወሰኸ ክኸይድ (2ቆሮ. 3 :18)። ብኻልእ ቃላት ፥እንተ ድኣ ምሉእ ብምሉእ ንመንፈስ ቅዱስ ርእስና ኣግዚእና፥እቲ ቅብኣት ኣብ ህይወትና ሎሚ ዘሎ ካብቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ካብቲ ዝነበሮ ዝያዳ ክኸውን እዩ፥ድማ ካብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነብሮ ኣዚዩ ዝያዳ ክኸውን እዩ ።


ግናኸ እንተ ድኣ እሙን ዘይኮይንካ ፥ቀጺሉ እቲ ክብሪ እናዓበኻ ኣብ ትኸደሉ ግዜ ኣብ ህይወትካ ክቕንስ እዩ።ብዙሓት ፥ብዙሓት ንኣምላኽ ቅንኣት ዘለዎም መንእሰያት ብኡ ንብኡ ምስ ተመርዓው ንድሕሪት ክምለሱ ይጅምሩ ።እዚ ስለ ምንታይ እዩ ኮይኑ ? እንተ ድኣ ብፍቓድ ኣምላኽ ተመርዒኻ ፥እቲ ንኣምላኽ ዘለካ ቅንኣት ክብርን ካብቲ ዘይተምርዓኻ ዝነበርካዮ እዋን ኣዝዩ ዝያዳ ክኸውን እዩ። ግናኸ እንተ ድኣ ሰበይትኻ ወይ ቤትካ፥ካብ ጎይታ ንላዕሊ ኣዚዮም ኣገደስቲ ንዓኻ ኮይኖም እቲ ክብሪ ክቕንስ እዩ።ከምዚ ዓይነት ሰብ ክብሪ ጎይታ ካብ ምርኣይ ደው ይብልን ንድሕሪትውን ክምለስ ይጅምር።


ኣብ 2ቆሮ.4:1-2 ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ክገልጽ ይቕጽል።"ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቍብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሓዲግና አሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ኣይንሐለልን ኢና"። ምሕላል ማለት ተስፋ ምቑራጽ ማለት እዩ።ዋላ ሃዋሪያ ጳውሎስ ብተሰፋ ምቑራጽ ተፈቲኑ እዩ።ስለዚ እንተ ድኣ ብተስፋ ምቑራጽ ተፈቲንካ፥እዚ ከም ጋሻ ነገር ክውሰድ የብሉን።ኣነ ብዙሕ እዋናት ብተስፋ ምቑራጽ ተፈቲነ እየ።ግናኸ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ኢለ እየ"ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ኣይንሐለልን ኢና"።ስለዚ ዋላኳ ኩሉና ብተስፋ ምቑራጽ ክንፍተን ስለ ዝኾና ካባና ከቶ ሓደ ተስፋ ክቖርጽ ኣይድልን እዩ ፥እንተ ድኣ ይዒንትና ኣብ ጎይታ ኣተክሮ ገይሩ።


ብዙሓት ክርስትያናት ዓየይቲ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ንኣምላኽ ምግልጋል ተስፋ ዝቖረጹን ትኩዛትን ጭንቓትን ይኾኑ ድማ ገሊኦም ኣእምሮኣዊ ርምስት ይረኽቡ እዮም።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ክኣ ንእግዚኣብሄር ብናይ ገዛ ርእሶም ብቕዓት ከገልግሉ ስለ ዝፍተኑ እዩ። ንኣገልግሎት ክዕጥቐና ኣብ እግዚኣብሄር ክንድገፍ ኣሎና። ዋላ ንኣካላዊ ጥዕና እንተ ድኣ ከንገልግሎ ኮይና ክንኣምና የድሊ።ናይ እግዚኣብሄር ተስፋ ፥"እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን" (ኢሳ.40:31) ዝብል እዩ።ብቕዓትና ካብ እግዚኣብሄር እዩ ዝመጽእ።ዋላ እንተ ድኣ ኣብ ገንዘባዊ ጸገም ሃሊኻ ፥ነዚ ተስፋ እመኖ ፥ " ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ"። (2 ቆሮ.3:5 ) ዝኾነ ይኹን ዘድሌና ፥እግዚኣብሄር ክቕርበልና እዩ።


2 ቆሮ.4:10,11 ነዘን ጥቕስታት መብዛሕትኦም ክርስትያናት ብጌጋ ዝተረድእዎን እዮም።ብዙሓት ኣመንቲ ኣካላዊ ትኣምራት ኣብ ህይወቶም ዝገብር ወንጌል ክሰምዑ ህንጡያት እዮም።ግናኸ እንተ ድኣ ህይወት የሱስ ኣባኻ ክግለጽ ኮይኑ፥እቲ መልሲ ዝቕመጥ ኣብዘን ጥቕስታት እዩ።ነቲ ሞት የሱስ ኣብ ኣካላትና ክንጾሮ ኣለና።"ሞት የሱስ" እንታይ እዩ ? "ሞት የሱስ" ንፍቓድ ርእስና ህይወት ርእስና ከምቲ መገዲ የሱስ ኣብቲ ምሉእ 33 ½ ዓመታት ኣብ ምድሪ ዝገብሮ ምሟት ማለት እዩ "ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ" (ዮው.6:38)።እዚ ንናይ ህይወት ኩነታት ከምቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ መልሰ ተግባር ዝግበሮ ምግባር ማለት እዩ።ሰባት ሰይጣን ኢሎም ምስ ዝጽውዕዎ ፥ይሁዳ ኣስቆርታዊ ገንዘቡ ምስ ሰረቖ፥ሰባት ጥፍ ምስ በልሉ ፥ሰባት ምስ ጸርፍዎ ፥ምስ ዘረፍዎ ፥ምስ ገፍዕዎ ፥ከይሰብኽ ምስ ነገርዎ ፥ካብ ምኩራብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ምስ ሰገግዎ ንሱ ከመይ ገይሩ እዩ መሊሱ ? ንሱ ንናይ ሰብ ክብሪ ፥ዝና ፥ጽብቕ ስም ክብርን ንፍቓድ ርእስን ሞይቱ እዩ።እዚ እዩ "ሞት የሱስ" ። ንስኻን ኣነን ሞት ናይ የሱስ ኣብ መሰቀል ግደ የብልናን።ንሓጥያት ዓለም ክንመውት ኣይንኽእልን ኢና ።ግናኸ ኣብ ኩሉ ምዓልቲ ናይ ምድሪ ህይወቱ ምሟቱ እዩ ነይሩ።እዚ እዩ ምሟቱ ክንካፈሎ ዘለና እዩ።ስለምንታይ እዩ "ሞት የሱስ" ተባሂሉ ተጸዊዑ ? ምኽንያቱ ብኸምዚ መገዲ ንርእስኻን ንነገራት ናይ እዛ ዓለምን ምሟት እቲ ፈለማ ኣብዛ ምድሪ ዝተመላለሰ ሰብ እዩ ነይሩ።ንሱ ንኹሉ ነገር ናይ ሰብ ዝኾነ ሞይቱ፥ድማ በዚ ምኽንያት ንሱ ንኽብሪ ኣቦ ገሊጽዎ።ንስኻን ኣነን ኣሰር ስጉምቲ የሱስ ክንስዕብ ተጸዊዕና ኢና።


ኣብ 2ቆሮ.4:17,18 ጳውሎስ ከምዚ ይብል "እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ" ግናኸ እዚ ክብሪ ክመጽእ ዝኽእል ፥ ነቲ ዝር ኤ ነገራት ምጥማት ኣቢና ክሳብ ነቲ ዘይርኤ ነገራት ምጥማት ዘየቋረጽናን እዩ " እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና" ።እዚ ንዝኾነ ስቅያትን ብናይ እግዚኣብሄር ኣጠማምታ እምበር ብናይ ሰብ ኣጠማምታ ኣይንሪኦን ማለት እዩ።በዞም እንሓልፎም መከራታት ኣብ ህይወትና ዝስራሕ ክብሪ ኣሎ ድማ ዝቀረበ ሕብረት ምስ ልቢ የሱስ ንኣቱ።በዚ ምኽንያት ተስፋ ኣይንቖርጽን ኣይንሕለልን ኢና፥ድማ እዚ እዩ ኣገልግሎት እንረኽበሉ ።ቃል ኣምላኽ ጥራይ ብምጽናዕ ኣገልግሎት ኣይንረክብን ኢና።